2015-12-19 16:33:00

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ስብከት ዘምጽኣት በዓለ ልደት


ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅዱስነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዝተፈላለዩ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕልዎት ሐዋርያዊ ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ዘሳተፈ ንናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ልደት መሰናደዊ ብሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ዝቐርብ ኣስተንትኖን ስብከት ዝሓለፈ ዕለት 4 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብፍላይ ድማ ኣብ ሃምነናዊ ውሳኔ ብርሃነ ኣሕዛብ ኣሞርኵይዞም ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ኣካልን መርዓትን ክርስቶስ እያ ኣብ ዝብል ሰነድ ብፍሉይ ኣማእኪሎም ከምኡ ድማ ዕለት 11 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ቅድስናን ጸዋዕታ ቅድስናን ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣተኵይሮም ካልኣይ ስብከት ዘመነ መጽኣት ከምዘቕረቡ እንክዝከር ዕለት 18 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ናይ መወዳእታን ሳልሳይን ኣብ ቅድስቲ ማርያም፦ “እኖ ቤተክርስቲያንን ኣመንትን” ኣብ ዝብል ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዘነጸሮ ሓሳብ ክፍሊ ዓንቀጸ እምነት ኣማእኪሎም ስብከት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ማርያም ብመንጽር ምስጢር ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን

ኣባ ካንታላሜሳ ኣብ ማርያም እንከስተንትኑ “ማርያም እኖን ውላድን ምሕረት” (ኣደን ውላድን ንወዳ - ውላዱ ንወዳ) ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣተኵይሮም እቲ ኣብ ብርሃነ ኣሕዛብ ውሳኔ ዝተነብረ ስነ ማርያማዊ ቅዋሜ ዝግለጽ ኰይኑ ማርያም ኣደ እግዚኣብሔርን ኣደ ኣመንትን ዝብል ቃል ጠቒሶም እዚ ድማ ማርያም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ተራ ዘነጽር ሓድሽ ሃምነናዊ ራእይ እዩ። ማርያም ኣብ ቤተ ክርስቲያን እምበር ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ኢየሱስንን ከምዘይኰነት የረጋግጽ፣ ብኻልእ መዳይ ድማ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ናይ ማርያም እምነት ጸቒጡ እንክዛረብ ኣብ ምስጢር ድሕነት ዘለዋ ውልቃዊ ርክብ ዘምልከት ይኸውን፣ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፦ “ድንግል ማርያም እናኣመነት ወለደት (እምነት ዘለዋ)፣ ኣብቲ ዝጸነሰቶ እትኣምን፣ ስለዚህ እቲ መልእኽ እንከበስራ ንሳ ድማ ኣብቲ ዝተበሰራ ቃል ምሉእ እምነት ኣንበረት (ጸጋ ዝመልኣኪ-እምነት ተመልአት)። ማርያም እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር ከምቲ ዘረባኻ ይዅነለይ (ዝበልካዮ ይዅነለይ፣ ከም ቃልካ ይዅነለይ)” ከምዝብሎ ንመልኣከ ብስራት ብዝሃበቶ መልሲ ኣቢላ ንኽርስቶስ ኣብ ማሕንጸና ቅድሚ ምጽናስ ኣብ ልባ ጸነሰቶ በዚ መሰረት’ዚ ድማ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ማርያም ኣደ ኣመንቲ እንክብል ናይ ቡራኬን ድሕነትን እብነት ንመላእ ዘርኢ ሰብ ኣማላዲት እንክብል ይገልጻ። እዚ ንዘመናት ኣከራኻሪ ቲዮሎጊያዊ ኣምር ብኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተውሃበ ውሳኔ ኣቢሉ ንማርያም ዘንብሮ ናይ ኣኽብሮት ክብሪ ኣብ መንጐ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ምቅርራብ ክህሉ ገይሩ እዩ።

ንሕና ካቶሊካውያን ካብቲ ቃል ኣምላኽ ካብ ዝህባ ክብርን መለለይን ወጻኢ ብዝተጋነ መገዲ እንገልጾ ሕሉፍ ኣኽብሮት ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ፕሮተስታንት ኣሕዋትና ንማርያም ንኸይቅበሉ ምኽንያት ፈጠርቲ ኰይንና ተረኺብና ኢና። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ማርያም ከም ቃል ኣምላኽብ ብቓል ኣምላኽን መንነታን ክብራን ምልእተ ጸጋ ምዃናን ዝትንት እምነት ንምንባር ኣብቂዑና እዩ።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንማርያም ክህሉን ክንበርን ዝግብኦ ክብሪ ስምዒታውነትን ከንቱ እምነትን ከይከውን የተሓሳስብ። ፕሮተስታንት ድማ ጸረ ካቶሊክ ብምዃን ብተጋኖ ኣብ ቅድሚ ማርያም ዝገልጽዎ ሕሉፍ ኣብ ብቕዓት ፍልጠትን ኣእምሮን ዝተመስረተ ኣሉታዊ ርእይቶ ነቲ ብዛዕባ ማርያም ዝዛረብ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ትርጉም ከምዘይብሉ ዘምስል ዘቕርብዎ ትንተና ጌጋ ምዃኑ ከስትውዕልዎ ይግባእ።

ማርያም ናይ እግዚኣብሔር ድሕነት መተሓላለፊትን ኣማላዲትን ጥራሕ ከምኡ እውን መጋበርያን ቀዳመይቲ መዓልቦን ድሕነት ኣይኰነትን፣ ምሕረተ እትቕበል ጥራሕ ኣይኰነትን፣ ንሳ ቅድሚ ኵሉ ምሕርት ዝተቐበለት ካብ ኩሉ ንላዕሊ ምሕረት ዝተቐበለት እውን ኣይኰነትን፣ ማርያም ናይ ምሕረት እግዚኣብሔር በሪ እያ። ንሕና እውን ከምኣ መጋበርያ ምሕረትን መዓልቦ ምሕረትን ኢና። እምባር ከስ ብምልኣት ተነቓቒሕና ናይ ውዳሴን ኣኽብሮትን ስግደትን ሞሳ ክንመልሰሉ መታን ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት ኩላትና እቲ እግዚኣብሔር ንኣና ዘለዎ ፍቕርን መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱን ህያው ኣፍልጦ ምሃብ ይግባኣና እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.