2015-12-19 12:22:00

ሰንበት ዘስብከት ታኅሣሥ 10 2008 (12/20/2015)


ስብከት፡“ፈኑ እዴከ እምአርያም፥ ወአድኅነኒ ወባልሓኒ እማይ ብዙኅ፥ ወእምእደሆሙ ለደቂቀ ነኪር።” “ኢድካ ካብ ላዕሊ ስደድ ካብ ዓሚቚ ማያት አውጽአኒ፥ ካብ ኢድ ወዲ ጓና አናግፈኒ”፥    መዝ. 144፡7።

ካብ 7 ታሕሣሥ ክሳብ 27 ታሕሣሥ ዘሎ ዘመነ ስብከት ወይ ምጽአት ይብሃል። ሰለስተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ ይብሃል። ሓሓድ ጊዜ ከአ 4ይ ዘመርዓዊ ይውሰኾ። ዘስብከት ዘብሎ ነብያት ጎይታና ብሥጋ ምውላዱ አስፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ስለ ዘስተምሃሩን ዝሰበኹን ቤተክርስትያን ነዚ እናሓሰበት ሰብ ንምድኃን ናብ ምድሪ ንዝመጸ አምላኽ እትሰብከሉ እዋን ስለ ዝኾነ እዩ። ናይ ሎሚ ነብያት ሰበኽትን ተሰበኽትን ንሕና ኢና፥ ንልደት ክርስቶስ ብምሉእ ልብና ተቐሪብና ክነብዕሎ እንሰናደወሉ እዋን እዩ። መብራህቲ ሰላም፥ መልእኽቲ ዕርቂ፥ ፍቕሪ፥ ሕድገት፥ ምሕረት አብ ሕይወትናን አብ ሕይወት ካልኦትን ክነግስ ብምሉእ እንቀራረቡል እዋን እዩ፥ ስለዚ ነፍስወከፍ ክበራበር ክሓስብ ምስ ርእሱ ክዛረብን ክርእን ዝሕተተሉ እዋን ስለ ዝኾነ አብ ሓደ ጉዕዞ ክንህሉ እሞ ብዓልና ብግቡእ ክነብዕሎ ኩልና ንሰናዶ።

ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር ንምስንዳው ክሕግዘና ኢሉ ‘ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን መድኅን ንሰብኽ፥ አኽሊል ናይ ሰማዕታት ሰያሚ ካህናት ተስፋ ናይ መነኮሳት፥ ወልድ መድኅን ንሰብኽ፥ ንመድኃኒ ወዱ ንሰብኽ’ እናበልና ንዝምር።

ዘስብከት ዘምጽአት እንብሎ ንምጽአት ክርስቶስ ምሉእ አፍልጦ ሃልዩና ብትግሃት ነቒሕና ክንጽበ ንማለት እዩ። ሰበኽቲ ሎሚ ንሕና ኢና ብዛዕባ ርእስና ዘይኮነ ብዛዕባ መድኃኒና ክርስቶስ ብሕይወትና ብርክባትና ከምኡ ብመንፈሳዊ ሕይወትና እንሰብኮ እዋን እዩ። ሰብ ምስ ክርስቶስ ምሉእ ሓድነት ክህልዎ ክንሰብኽ ክንምስክር ከምዘድሊ ናይ ሎሚ መዝሙር ይነግረና።

ሓዲስ ክህነት ዝተቐበለ መንእሰይ ምስ ሓደ ዓቢ ካህን ከም ሓጋዚ ከገልግል ተላኢኹ። እቲ ሓዲስ ካህን ናብቲ ዓቢ ካህን ከይዱ አብ አገልግሎቱ ከመይ ክገብር ከምዘለዎ ምኽሪ ደልዩ “ብዛዕባ እንታይ ክሰብኽ አሎኒ”? እናበለ ከአ ሓተተ። እቲ ዓቢ ካህን ካብ 10 ደቒቕ ንላዕሊ አይትስበኽ ኢልዎ። ምስ እዚ ዝመሳሰል ሓደ ጊዜ አብ ኮሎምቡስ ኦሃዮ አብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ንሰበኻ ሓገዝ ክሓትት አብ ዝኸድኩሉ እቲ ቆመስ “ሓገዝ ክትረክብ ሰብ ክሰምዓካ ካብ 10 ደቒቕ ንላዕሊ አይትስበኽ” ኢሉኒ። እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት እንተበልካ ሰብ ጊዜ የብሎምን ቀልጢፎም ክኸዱ አለዎም ዝብል እዩ፥ ዘገርም ግን ኩዕሶ ክርእዩ ከለዉ ቡን አፍሊሖም ከዕልሉ ከለዉ ካብ 3-4 ሰዓት ብዘይ ምቁራጽ ከይሰልከዩ ይርእዩ የዕልሉ እኳ ድአ ጽንሒ/ጽናሕ ገና እንድዩ ዘሎ እናተባህለ ዝያዳ ጊዜ ክጸንሑ ይሓቱ ንቅዳሴን ስብከትን ግን ጊዜ ዝውሕዶም እንታይ እዩ እቲ ምስጢር?

ድሕሪ ብዙሕ ምሕታትን ምስትንታንን እቲ መልሲ ከምዚ ስዝዕብ እዩ ዝመስለኒ። ስለምንታይ ሰባት ንቃል አምላኽ ብሓጎስ ዘይሰምዕዎ ወይ ጽቡቕ ሰቢኽካ ክተብቅዕ ሓንቲ ቃል ዘይትፍቶ ወይ ዘይቅበልዋ እንተ በልካ ነታ ሓንቲ ወሲዶም ነቲ ኩሉ ዝበልካዮ ሰናይ ዓቢ ትምህርቲ ዘለዎ ዘይወስዱ? እቲ መልሲ ሰባት ግላዊ ሕይወቶም ንቃል አምላኽ ብሓጎስ ቅድሚ ምስምዖም ርክብ ምስ አምላኽ ስለ ዘይብሎም እዩ። ቃል አምላኽ ነቶም ምስኡ ግላዊ ርክብ ዘይብሎም ዘይፈልጥዎ ምስባኽ ከም ሓደ ስነ ጽሑፍ ወይ ዛንታ ምንጋር እዩ። ስለ ዝይሰምዕዎን ዘይለመድዎን ቀልጢፎም ይደኽሙ ክሰምዑ ይስልክዮም ስለዚ ይታኸሱ ክወጹ ይደልዩ እዚ ቀሺ ምስአ እዩ ዝውድእ ነዊሕና በዚሑ እናበሉ አብ ውሽጦም ካልእ ዕላል የምጽኡ። እሞ ነዞም ሰልክይዎም ዘለዉ ክሰምዑ ዘይክአሉ ከመይ ገርካ ከምዝሰምዑን ብሓጎስ አብ ልቦም ከም ዝሓድር ክትግብር ይክአል። ቅ. ዮሓንስ መጥምቕ መልሲ ይህበና።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ከም እነንብቦ “ቃል አምላኽ ናብ ዮሓንስ ወዲ ዘካርያስ አብ ምድረ በዳ መጸ፥ ንሱ ድማ ንኅድገት ኃጢአት ዚኸውን ናይ ንስሓ ጥምቀት እናሰበኸ አብ ኵሉ ከባቢ ዮርዳኖስ ዞረ” (ሉቃ 3፡2-3) ይብል። አብዚ ሓጺር ጽሑፍ ሰለስተ ደረጃታ ካብ ሓደ ድስኩሉ መንፈስ ዘለዎ ናብ ትጉህን ብርቡርን ዝቕይር ንረክብ። 1. ዮሓንስ አብ ምድረበዳ ከይዱ፥ 2. አብ ጽምዋ በረኻ ከሎ ቃል አምላኽ አብኡ መጺኡ፥ 3. ንበረኻ ሓዲጉ ቃል እምነት ክሰብኽ ወጺኡ። ንሕና እውን አብ ደረጃ እቲ ናይ ሓቂ ሕይወትን ሓጎስ ዘልኦ እምነት ክንበጽሕ በዚ ሰለስተ ደረጃ ክንሓልፍ አሎና።

አብ በረኻ ክንወጽእ አሎና። በረኻ ክብሃል እንከሎ ምስ አምላኽ ጥራሕ እትራኸቦ ናይ ጽምዋ ቦታ እዩ። አብ በረኻ ክንከይድ ከሎና ካብቲ መዓልታዊ ሕይወትናን ካብቲ ኩሉ ስራሕናን ወጺእና ምስ አምላኽ ንብሕትና ክንረኽቦ ኢልና አብ ጸሎትን አብ ቃል አምላኽ አብ ምንባብ ክንጽመድ ከሎና እዩ። በረኻ ምስ አምላኽ እንራኸበሉ ቦታ እዩ። አብ በረኻ ክንከይድ ንአምላኽ ክንረክብ፥ ንአምላኽ ክንደሊ፥ ባዕልና መጀመርያ ውሳኔ ክንወስድ አሎና። ንአምላኽ ፍሉይ ጊዜ ሂብና ክንክእል አሎና።
ቃል አምላኽ አባይ ይመጽእ። ሓንሳብ አብ በረኻ ኮና ልብና ንአምላኽ ምስ ከፈትናሉ ባዕሉ አምላኽ ይመጽእን ብመንፈሱ ይመልአና። ሓደ ቅዱስ ከም ዝበሎ ንሕና ሓደ ስጉምቲ ናብ አምላኽ ገጽና እንተ ቀረብና አምላኽ ክልተ ስጉምቲ አባና ገጹ ይቐርብ። አብዚ ደረጃ አምላኽ ከምልአና፥ ክሕድሰና፥ ክዕርየና፥ አብ መልክዕ አምላኽ አብቲ መጀመርያ ዝተፈጠርናዮ ክቕይረና ኢሉ ባዕሉ አባና ክመጽእ ተበግሶ ይወስድ። እዚ ደረጃ እዩ ገለ ሰባት ካልእይ ምውላድ ዝብልዎ። እዚ አባና እንተ ተፈጸመ ምሉእ መዓልቲ አብ ቤተ ክርስትያን ምስ አምላኽ እንተ ጸለና ቃል አምላኽ እንተ ሰማዕና አይንድክምን ኢና። ግን ከም ዮሓስን መዓልታዊ ሕይወትና እናመራሕና ግቡእናን ሓላፍነትና አብ ስድራናን ሕብረተሰብናን እናፈጸምና ክንገብሮ አሎና። 
እምነት እናሰበኽና ክንከይድ አሎና። አብ ሕይወትና ናይ አምላኽ ጣዕምን ምሕረትን ፍቕርን ድሕሪ አስተማቒርና ዝቕጽል ሃረርታና ነቲ ዝተመከርናሉ ምስ ካልኦት ክንካፈል እዩ። እዚ ከም “አምላኽ ክንደይ ጥዑም” እዩ ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ክዳን ገርካ ምዛር እዩ። ሰባት አባና እንተ ጠመቱ አባና ዘሎ ሓጎስን ሰላምን ቅሳነትን ከም ጩራ ክበርህ ክርእዩ እዮም ሽዑ ከማና ክኾኑ ክደልዩ እዮም። አዕሩኽና ፈተውትና ክኾኑ ክደልዩ እዮም። ሽዑ ንሕና ብወገና መገዲ በረኻ ክውጽኡ ክንሕብሮም ኢና ሽዑ ንሶም እውን ንአምላኽ ባዕሎም ክረኽብዎ ዝኽእሉሉ መገዲ ክረኽቡ እዮም። ናይ አምላኽ ተመክሮ ከም ናይ ፍቕሪ ተመክሮ እዩ። ንሰባት ብዛዕብኡ ክትዛረቦም ትኽእል እንተ ኾነ እንታይ ከም እትብሎም ዘሎኻ አይርድኡኻን እዮም፥ ካሳብ ባዕሎም አብ ሕይወቶም ዝመከሩሉ አይርድኡኻን እዮም። እዚ ኢና አብ እምነት ቀዳሞት አርድእቲ ኢየሱስ አብ እንድርያስን እቲ ካልእ ረድእን እንርእዮ። ዮሓንስ ኢየሱስ እቲ መስሕ ከም ዝኾነ ምስ ነገሮም ስዒቦሞ። ዮሓስን ወንጌላዊ ምስኡ ውዒሎም ሽዑ ተቐይሮም። እንድርያስ ንሓዉ ጴጥሮስ አብ ኢየሱስ ከምጽኦ ከይዱ። ንሓደ ሰብ አብ ኢየሱስ አምጺእካ ምኽአል። ፍሊጶስ ንናትናኤል አብ ኢየሱስ አምጺእዎ። ናትናኤል ንእሽቶይ ነገር ምስ ሰምዐ ኢየሱስ ወዲ አምላኽ ከምዝኾነ አሚኑ።

አብዚ ዘመነ ምጽአት እምብአር ክንወስዶ ዝግብአና ግላውን ሓበራውን ስጉምትታ ክህልወና ይግባእ። መጀመርያ አነ ከም አነ ብሕይወተይ ከመሎኹ መንፈሳዊ ሕይወተይ ንአምላኽ ርእየ እኽእል ዘሎኹ፥ ጉዕዞ ሕይወተይ ከመይ እመርሖ አሎኹ ኢልና ምስ ሕልናና ክንዛረብ አሎና። አብዚ ዓመተ ምሕረት ተባሂሉ ተዋሂቡና ዘሎ ብግልና አምላኽ ክንረክብ እሞ ንቅድስና ክንለብስ ንሕተት አሎና።

ንአምላኽ ከይርኢ ከይናፍቕ እንታይ ጋሪዱኒ አሎ? ጸገመይ እንታይ እዩ? ኢልና ንርእስና ተዛሪብና ክንክእል አሎና፥ ምኽንያቱ ካብ ኃጢአት ነጻ ክንከውን ናይ ግልና ውሳኔ እዩ ዘድሊ እምበር ሰባት ጥራሕ ከውጽኡና ክንጽበ የብልናን። ክምቲ ንዮሓንስ መጥምቕ ሰባት ናብኡ ቀሪቦም እንታይ ክንገብር ዝብልዎ ዝነበሩ ሎሚ ነፍሲወከፍና እንታይ ክገብር ትደልየኒ ጎይታይ ንበል። ክንቅየር ክንሕደስ ካብ ክፍአት ቂምን በቐልን ኃጢአት ነጻ ክንወጽእ አብኡ ቀሪብና ንሕተቶ። 

ቅዱስ ሉቃስ ከሰናድወና ኢሉ አምላኽ ከምዝመጽእ ዘሎ ክንፈልጥ ኢሉ እቲ ልክዕ ጊዜ ምአስ ከምዝኾነ፥ ፕሎቲካዊ ኩነታት፥ ኩነታት ሃይማኖት/እምነት፥ ቦታ እቲ ኩነታት ዝፍጸመሉ፥ እዚ ኹሉ እቲ ዝነግሮ ሓቂ ከምዝኾነ ክንርዳእ ኢሉ ይነግረና። ክርስቶስ ሎሚ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ክአቱ ክመጽእ ይደሊ አሎ ነፍቅደሉ።

“ጎደና እግዚአብሔር ጽረጉ” ዝብል ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና የስምዕ እዩ። አብ ሕልናና አቲና ዘሎና ግዕዘይ ኃጢአትና አብ መንበረ ንስሓ ቀሪብና ክንሓጽብ ሎሚ እውን አምላኽ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ይጽውዓና አሎ። ተነስሑ እትብል ቃል ብነብያት ብአበው ብሓዋርያ ብኹሎም ተሰቢኻ፥ ታሪኽ ሰብ ታሪኽ ንስሓ እዩ እንተ ተባህለ ምግናን አይኮነን። ሰብ ዓይኑ ዓሚቱ ንኽፍአትን ኃጢአትን ናተይ ኢሉ ምስ ሓዘ ዘይገብሮ የብሉን። ሓዉ ክመውት ክሳቐ እናረአየ ዝሕጎስ ውሑድ አይኮነን፥ ብዙሓት ብመንፈስ ቀተልቲ አሕዋትና አሎና፥ ብሓቂ ሎሚ ክንሳሕ ክንምለስ ንሕተት አሎና።

እንተ ዘይተመልስኩም ክትጠፍኡ ኢኹም ዝብል ቃል አምላኽ ንዘክር። “ስለምንታይከ እትሞቱ ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ” (ሕዝ 33፡11) እናበለ አብኡ ክንምለስ ይሓተና አሎ። ክንምለስ እነሕልፎ ስቓይ ክህልወና ግድን እዩ። ካብ መገዲ አምላኽ ወጺኡ አብ ጭካኔ ሕመታ ቂምታ ዝርጋን ጽልኢ ዝነብር ዝነበረ ሕይወት ነዚ ግዝያዊ ነገራት እሞ ግዝያዊ ዕግበት ዝህቦ ዝነበር ክሓድግ ስጋና ይጽግሞ እዩ። ከም ዮሃንስ ከም ኢየሱስ አብ በረኻ ልብና አቲና አብ ጽሞና ንረኸብ። ክንሳሕ መጀመርያ ኃጢአትና ድኽመትና ርኢና ክንክእል አሎና። ዓይኒ ሕልናና ድኽመቱ ከለሊ ጸጋ አምላኽ የድልዮ እንተ ዘይኮነ አብ ሓሶትን ዘይጭበጥ ነገርን ተዋሒጡ እዩ ዝነብር ስለዚ ንለምን ክውሃበና።

ሰንበት ዘስብከት እምብአር አነ እየ መጀመርያ ክስበኽ ክቕየር ዘሎኒ አብ ዝብል ርድኢትን መንፈስን ከውርደና ብምሉእ ልብና አብ አምላኽና ንመለስ። መንጎኛ አይንድለ ኃጥአትና አለሊና ምሓረኒ ንበል። ዘመነ ምጽአት ንአምላኽ ዝበቅዕ ሕይወት ክንቅርብ እዩ ዘሰናድወና ዘሎ ስለዚ አብ ጻህያይ ኃጢአትና ወፊርና ንኹሉ ነቲ ካብ አምላኽን ሰብን ዓጊቱ ሒዙና ዘሎ ስዒርና አብ አምላኽ ንመለስ።

መሓሪ አምላኽ ብምሕረቱ ይብጽሓና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

 








All the contents on this site are copyrighted ©.