2015-12-17 15:37:00

ቅዱስ ኣቦና መበል 79 ዓመት ዕድሜኦም ኣብዒሎም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. መበል 79 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ ከምዘብዓሉን ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብጸሎት ተዘኪሩ ከምዝወዓለ እንክምልከት፣ ካብ መላእ ዓለም ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ካብ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራሕትን ዓበይቲ ኣካላትን ካብ መንፈሳዊ ማሕበራትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ገዳማትን ናይ ርሑስ ዓመተ ልደት መግለጺ መልእኽቲ ከምዝበጽሖም ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ኣብ ሮማ ናይ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማሪያም ዓባይ ሊቀ ካህናት ብፁዕ ካርዲናል ሳንቶስ ኣብሪል ይ ካስተሎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ መዓልቲ ልደት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መዓልቲ ዓቢይ ሓጐስ እዩ፣ በዚ ምኽንያት ድማ ንቅዱስነቶም ኣንቋዕ ሓጐሰኩም እብል፣ ብዓቢይ ወፈያን ሕርኩት መንፈስን ብውዕዉዕ ጸሎት ናብ ጐይታን ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተልእዀኦም ብሓይሊ ጐይታን ጸሎት ምእመናን ኣማላድነት እኖ ማርያም ዘሳልጡ እዮም። ቅዱስ ኣቦና ንማርያም ዘለዎም ኣኽብሮትን ኣብ ማርያም ዘለዎም ፍቕርን ኵሉ ዝፈልጦን ዝርእዮን እዩ። ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ኣብ ዘገልግልሉ ዝነበረ እዋን ንቕዱስ ኣቦና ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ብቐረባ ዝፈልጥዎም ምዃኖም ዘኪሮም እዚ ዓሚዪቕ መንፈሳውነቶምን ሰብኣውነቶምን ካብ ሽዑዑ እትሒዞም ዝፈልጥዎ ኩነት ምንባሩ ድማ ገሊጾም፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝሕረይሉ እዋን ንነጀው ኣብ ቅድስቲ ማሪያን ዓባይ ባዚሊካ 28 ሻዕ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም እዮም፣ እዚ ድማ እቲ ኣብ ማሪያም ዘለዎም ውሉዳዊ ፍቕሪ ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም።

ኣነባብርኦምን መንፈሳውነቶም ጽንዓቶምን ንኹሉ ኣብነት እዩ። ምሕረት ኣምላኽ ዘበስሩን ዝነብሩን ናይ ሮማ ጳጳስን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳ. እዮም። ብዙሕ ግዜ እቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምዃን ተልእኾኦም ከም ናይ ሮማ ጳጳስ ዝነብርዎን ዝገልጽዎን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመርሑ ምዃኖም እዮም ዘነጽርዎ፣ ናይ ምሕረት ዓመት ዝኣወጁን እዚ ቅዱስ ዓመት’ዚ ድማ ንመጀመሪያ ጊዜ ብታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ካብ ሮማ ወጻኢ ቅዱስ በሪ ብምኽፋት ዘበገሱ እዮም። እቲ ንሶም ዘካይድዎ ዘለዎ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ናይ ብዙሓት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ስምዒትን ናይ ብዙሓት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ድምጺ ዘስተዓለን እዩ። ብሓቂ እቲ ናይ ሕዳሴ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓጺር እዋን ምሉእ ብምሉእ ክዛዘም ብሓቂ ዘይከኣል እዩ፣ ኰይኑ ግና ከከም ኣድላይነቱን ሕጹጽነቱን ብተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎ ኣካላት ብፁዓን ጳጳሳት ተደጊፎም የሳልጥዎ ኣለዉ ምስ በሉ፣ ደጊሞም ንቕዱስ ኣቦና ርሑስ መበል 79 ዓመተ ልደት ተመንዮም ኣብ ኣገልግሎቶም ፍቕሪ ማርያም ከሰንዮምን እቲ ዘበገስዎ ሕዳሴ ኣብ ፍጻሜ ከብጽሑ ድማ ጐይታ ይምርሓዮም ዕድመን ጥዕናን ይሃቦም፣ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እዋናዊ ዓለም እትዛረብ ምስ እዋናዊ ዓለም እትዝትይ ክትኸውን ዘካይድዎ ዘለዎ ሕዳሴ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ኣገልግሎት ዘበራትዕ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.