2015-12-15 16:29:00

ብፁዕ ኣቡነ ኡሮዛ፦ ሕዝቢ ቨነዝዋላ ለውጢ መሪጹ


ኣብ ቨነዝዋላ ናይ ካራካስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኾርገ ኡሮዛ ሳቪኖ ዕለት 6 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዘዕተሮ ውጽኢት ለውጢ ዝብል እዩ ከምዝበሉን ብፁዕነቶም ኣብ ናይ ሃገሮም ተለቨን ምስ እተሰምየ ማዕከን ቴሌቪዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፦ እቲ ኣብ ቨነዝዋላ ዝነበረ ከይዲ ፖለቲካ ክቕየር ዝደሊ ድምጺ ሕዝቢ ተዓዊቱ ስለዚህ ኣብ ዝዀነ ይኹን ስርዓት ዴሞክራሲ ሕዝቢ ወሳኒ ምዃኑ ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ድምጺ ሕዝቢ ከስተውዕልን ክትግብርን

ሕዝቢ ዝመርጽ ዜጋ ጥራሕ ዘይኰነስ መንግስቲ እቲ ሕዝቢ ዝብሎን ዝሓቶም ኩሉ ጽን ክብልን ክትግብርን ዝምረጽ እዩ። እቲ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ድማ እቲ ናይ ምቅዋም ፖለቲካዊ መሰሉ ብብቕዓትን ግቡእን ክጥቀመሉ ይግባእ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ንፖለቲካ እሱራት ምሕረት

ብፁዕ ካርዲናል ኡሮዛ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ብዘይ ገለ ክሲ ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝተዳጐኑ ናይ ፖለቲካ እሱራትን ተቓውሞኦም ብዝተፈላለየ መገዲ ስለ ዝገለጹ ዝተዳጐኑ ዜጋታት ኩሎም ክፍትሑን ዝቃወም ተቓውሞኡ ብሓናጺ መገዲ ከቕርብን መንግስቲ እውን ብተራኡ ጻውዕቲ ተቓወምቲ ብሓላፍነት ክመልከቶ ይግባእ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።     








All the contents on this site are copyrighted ©.