2015-12-10 18:19:00

ዜና - ክብረ በዓላት - ክብረ በዓል ደብረ ጽንሰታ ለማርያም ኣሥመራ


ክብረ በዓል ደብረ ጽንሰታ ለማርያም ኣሥመራ;- ዓመታዊ ክብረ በዓል፡ ደብረ ጽንሰታ ለማርያም ኣሥመራ፡ ሰንበት 29 ሕዳር 2015 ዓ.ም ካበየ ቁምስናታቶም ዝመጹ ነጋድያን ብዙኃት ውሉደ ክህነትን ደናግልን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ብጸሎት ሳብዕትን ናይ እቲ ዕለተ በዓል መስዋዕተ ቅዳሴን ካልእ መደባትን ተሰንዩ፡ ብዓቢይ ዓጀብን መንፈሳውነትን ከቢሩ ዊዓሉ።

ንኽብሪ እዚ በዓል ብቅንያቱ ብመቁጸርያ ዝስነ፡ በብዓይነቱ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዋዜማን ማኅሌትን ከምዝተኻየደ ክምልከት ከሎ፡ ብዕለቱ ሰንበት ንግሆ ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ፡ ምስ 17 ለባስያን ካህናት ዝመርሕዎ፡ ብዙሕ ሕዝቢ ዝተሳተፎ፡ መስዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉ። ሲዒቡ ከኣ ኣብ ከባቢ እቲ ደብሪ ኣብ ዘሎ ጎደናታት  ብጸሎት ምህለላን መዛሙርን መቁጸርያን ቡራኬ ቅ.ቁርባንን ዝማዕረገ ሰፊሕ ዑደት ተፈጺሙ። ኣብዚ ድሙቕ በዓል ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ንነጋድያን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ዓሚ፡ ንዓመታ ድሓን ኣጽንሓና ቢልና ለሚንና፡ እነሆ ከኣ ኣምላኽ ብደሓነ ሰላም፡ ናብዚ ክብረ በዓል እግዚእትነ ማርያም ስለዘብጽሓና፡ ነመስግን ኣሎና ኢሎም። ቀጺሎም ካብ ታሪኽ ኣዳምን ሔዋንን ብምብጋስ፡ እግዚኣብሔር ንኣዳምን ሄዋንን ብኣምሳሉ ምስ ፈጠሮም ብፍቕሪ ዝነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን ነበሩ፡ ፍረ ፍቕሮም ከኣ ኣምላኽ ውሉድ ሃቦም። ንኩሉ ፍጥረት ከማሓድሩን ኣስማት ክህብዎን’ውን ሓላፍነት ኣልበሶም። እንተኾነ ኣዳምን ሔዋንን ሕማቕ መዓልቲ ዊዒሎም፡ ካብታ  ካብኣ ኣይትብልዑ ዝተባህሉዋ ‘ንምርኣያ ጽብቕቲ፡ ፍረኣ ንምብልዑ ጥዑም፡ ጥበብ ብምሃብ’ውን እተብህግ’ ዝበልዋ ኦም በሊዖም፡ ብትዕቢት ከኣ ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍሪሶም። ኣብ ክንዲ በብኃጢኣቶም ምንሳሕ  ነንሕድሕዶም ኣብ ምክሳስን ዘይምትእምማንን ኣተዉ።

ቅዱስ ኣጎስጢኖስ “ኃጥኣት ንግዚኡ  የሓጉሰና፡ ደሓር ግና ሳዕቤኑ ይኸፍኣና” ከምዝበለ ኃጢኣት  ኣዳምን ሔዋን ንኩልና ዝጎድእ ኮይኑ፡ ካብ ገነት ክስጎጉ ከለዉ፡ ከምቲ “ኣንቲ ተስፋኡ ለኣዳም ኣመ ይሰደድ እም ገነት” ዝተባህለ ተስፋኦም እግዚእትነ ማርያም ነበረት። ሎሚ’ውን ተስፋና ንሳ ኢያ ኢሎም። ኣስዒቦም ብፁዕ ሊቀጳጳስ ነቲ ብ8 ታሕሳስ 2015 ኣብ በዓለ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ዝኽፈት ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ኣመልኪቶም፡ ንትሕዝቶኡን ኣገባቡን ገሊጾም፥ እግዚእትነ ማርያም እታ እግዚኣብሔር መጀመርያ ዝመሓራ ስለዝኾነት፡ ሳላኣ ኢዩ ማዕጾ ምሕረት ዝተኸፍተ፡ ብኣኣ ኩሉ ረኺብና። እምበኣር ንሳ ሎሚ ካባና እንታይ ኢያ ትደሊ እንተበልና ዝተበኣሰ ኪዕረቕ፡ ዘይተባእሰ ክጥንቀቕ ኢዩ። ኢየሱስ ከኣ ብኣኣ  ተነስሑ፡ ተዓረቁ እናበለ ይዕደመና ኣሎ እሞ ንነሳሕ፡ ንማህለል፡፡ ኣምላኽ ዓመት ዕርቕን ፍቕርን ይግበረልና፡ ቢሎም ስብከቶም ብዝዛዘሙ ብእግዚኣታን ቡራኬን ዝኽረ በዓል ተዛዘመ።

በዓል ማርያም ጽዮን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት
ከምኡውን ሓደ ካብቶም ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝበዓል ዓበይቲ በዓላት እግዚእትነ ማርያም ዝኾነ፡ ክብረ በዓል ማርያም ጽዮን  21 ሕዳር ብቆጻጽራ ግዕዝ (1 ታሕሣሥ 2015) ኣብተን ብታቦት “ማርያም ጽዮን” ዝጽዋዓ ኣድባራት ሸሞንተ ዓድታት ጽዮን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ማለት ሔቦ፡ ድግሳ፡ መሰርሓ፡ መንደፈራ፡ ዓደኮሎም፡ ዓዲ ንኣምን፡ ቁኒዕን ምሕላብን፣ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ማርያም ጽዮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣሥመራን ካልኦትን ዓድታትን ማእለያ ዘይብሉ ሕዝብን፡ ካህናትን፡ መነኮሳትን፡ ኣብ ዝተሳተፍሉ ብናይ ምሉእ መዓልቲ መንፈሳውን፡ ባህላውን ኣገባብ ተባዒሉ። ኣብቲ ስብከታት ናይ ዕለቱ ከኣ ጽዮን ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣብ ኢዮርሳሌም ዝርከብ እግዚኣብሔርን፡ ሰብን፡ ዝራከብሉ ደብሪ ምንባሩ፡ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ከኣ እታ ወልደ እግዚኣብሒር ሰብ ኪኸውን ምስ ደለየ ካብኣ ሥጋ ለቢሱ፡ ንኣምላኽን ሰብን ዘራኸበት እግዚእትነ ማርያም ጽዮን’ያ። ከምቲ ደብረ ጽዮን ኣብ ብሉይ ኪዳን ዑቕባን ተስፋን ደቂ እስራኤል ዝነበረት ሎሚ’ውን እግዚእትነ ማርያም ተስፋናን ዑቕባናን እያ ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ነበረ። ካብዙይ ቀጸልና እምበኣር ንገለ ካብተን ጸብጻብን ዝበጽሓና ክንጠቅስ፣-

ኣብ ሰበኻ ኣሥመራ ኣብ ዝርከባ ቁምስናታት ማርያም ጽዮን፦

ማርያም ጽዮን መንደፈራ፣ ዝኽረ በዓል ብናይ ድሮ ዋዜማ ጀሚሩ፣ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም  ዘመንበረ ኣሥመራን ሓይሎ ካህናትን ምእመናንን ኣብ ዝተሳተፍዎ  ብድምቀት ተባዒሉ። ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ነቲ በዓል ኣመልኪቶም ንነጋድያን ኣብ ዘስምዕዎ ሰብከት ጽዮን ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣብቲ  ኢዮርሳሌም ተድኩናትሉ ዘላ  በሪኽ ቦታ  እትርከብ እምባ ወይ ደብሪ ኮይና፡ ንእስራኤላውያን ዓቢይ ትርጉም ዝነበሮ፡ ቦታ ኢዩ። ዳዊት ንጉሥ  ንደብረ ጽዮን ንገዛእቲ ሲዒሩ፡ ብዓወት ምስ ሓዛ ዘይትድፈር ዕርዲ ክትኾኖ ተመንዩላ። እግዚኣብሔር ንዳዊት የፍቕሮ ስለዝነበረከኣ ‘ኣነ ምስ ሕዝበይ ዝነብረሉ ቤት መቕደስ ስርሓለይ’ ኢሉዎ ። ዳዊት ኣየርከበን ሰሎሞን ግና ርእካዮ ዘይጽገብ ግሩም  ቤተመቕደስ ሰሪሑሉ። ሕዝቢ እስራኤል ቅድም ጽላት ሙሴ ወይ ታቦት ሒዞም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይገዓዓዙ፡ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ከኣ ኣብ ዱካን የቐምጥዎ ነበሩ። ድሕሪ እምባ ጽዮን ግና እዚ ዓቢይ ቤተመቕደስ ተሰርሐ። ኣይሁዳውያን፡ እንተወሓደ ኣብ ዓመት ሐደ ግዜ ንደብረጽዮን መጺኦም መስዋዕቲ የቅርቡን ይነግዱን ነይሮም። ኢየሱስ’ውን ምስ ወለዱ ካብ ናዝሬት ናብ ዮርሳሌም ከምዝነገደ ወንጌል ይነግረና። እዚ እምባ  ደብረጽዮን እምበኣር እግዚኣብሔር ዝቕመጠሉ፡ ሕዝቢ እስራኤል ከኣ ጸላእቶም ከይወርዎም ዝዕቆብሉ ዕርዲ ኢዩ። በዚ ከኣ ኢዮም ‘ኣደና ጽዮን’፡ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ናብ እምባ ጽዮን ንኪድ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ እናበሉ ዝሕጎሱ። ሎሚ’ውን  ብምልዮናት ዝቁጸሩ ሰባት ንእምባ ጽዮን ይነግዱ ኣለዉ። እዚ እምባ ጽዮን ምስ እግዚእትነ ማርያም እንታይ ኣተሓሓዞ እንተበልና ከኣ እግዚእትነ ማርያም ጓል ጽዮን፡ ትምክሕቲ ሕዝቢ እስራኤል ብምኻና ከምቲ እምባ ጽዮን ንሕዝቢ እስራኤል ዕርዲ መከላኸሊ፡ ናይ ህላዌ እግዚኣብሔር መረጋገጺ ኮይኑዎም ዝነበረ፡ ንኣና’ውን እግዚእትነ ማርያም ክሳዕ እታ ሰማያዊት ጽዮን እንበጽሕ፡ ንክርስቶስ ስጋ ዘልበሰት ማርያም ጽወነይቲ ናብ ወዳ ክትመርሓናን ጸግዕን ዋልታን ክትኮነናን ኢያ። ጽዮን ብባብሎናውያንን ብሮማውያንን ተደፊራ ነይራ፡፡ ንኣና ግና ዘይትድፈር ሰማያዊት ጽዮን ኣላትና፡ ነታ መጸናኒዒት ሕዙናት፡ ኮኾብ ጽባሕ ማርያም እንተሒዝና፡ ምስኣ እንተተዒዝና  ኣብኡ ከም እንበጽሕ ርጉጻት ኢና ኢሎም። ቀጺሎም ከኣ ብፁ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ንናይ  ንኢዮቤል ዓመተ ምሕረት ኣመልኪቶም መልእክቶም እንከመሓላልፉ ከኣ፡ ዕላማ እዚ ዓመት እዚ ምሕረት እግዚኣብሔር ከነስተማቕር፡ ንሕና ከኣ ነንሕድሕድና ክንመሓሓር ኢዩ። እግዚእትነ ማርያም ምሕረት እግዚኣብሔር ምስ ጠዓመት “ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ” ቢላ ከምዘመስገነት ንሕና’ውን ብሓጎስን ብትሕትናን ብቅንዕናን ንቐበሎ። ንሳ ኣደ ምሕረት ስለዝኾነት ክትምህረና ኢያ፡ ‘ምሉእ ዓመተ ምሕረት ምስ እኖና ኪዳነ ምሕረት’ ቢልና ምስኣ ንጎዓዝ ኢሎም።
ብተመሳሳሊ መንገዲ ክብረ በዓል ማርያም ጽዮን ኣብ ዓዲ ንኣምንን፣ ዓደከሎምንን፣   ብድምቀት ከምዝተባዕለ ክምልከት ከሎ፣ ኣብ ዓዲ ንኣምንን፣ድሕሪ እቲ በርባዕተ ካህናት ተመሪሑ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ኣባ ተስፋጊዮርጊስ ክፍሎም  ሲታዊ እምባ ጽዮን  እግዚኣብሔርን ሰብን ዝራከብሉ ደብሪ ምንባሩ ጠቂሶም፣ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ከኣ እታ ወልደ እግዚኣብሒር ሰብ ኪኸውን ምስ ደለየ ካብኣ ሥጋ ለቢሱ፣ ንኣምላኽን ሰብን፣ ዘራኸበት እግዚእትነ ማርያም ጽዮን’ያ። ከምቲ ደብረ ጽዮን ኣብ ብሉይ ኪዳን ዑቕባን ተስፋን ደቂ እስራኤል ዝነበረት ሎሚ’ውን እግዚእትነ ማርያም ተስፋናን ዑቕባናን እያ ብምባል ምስ ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ኣተሓሒዞም ሰፊሕ  ስብከት  ኣስሚዖም።

ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ ኣብ ዝርከባ ቁምስናታት ማርያም ጽዮን
ማርያም ጽዮን ድግሳ፣- ደብረ ማርያም ጽዮን ድግሳ ሓንቲ ካብተን በዚ ዕለት ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ማኅሌቱን ቅዳሴኡን ዑደቱን ዘካተተ በዓል ዝተገብረላ ቁምስና እያ። ኣብዚ ደብረ ማርያም ጽዮን  ብፁዕ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ መስዋዕተ ቅዳሴን ዑደትን ድሕሪ መሪሖም፡ ኣብ ስብከቶም ንጸዋዕታ ምሕረት ኣምላኽ፡ ምስ ናይ እግዚእትነ ማርያም ጸዋዕታ ብምትሕሓዝ  ከምቲ እግዚእትነ ማርያም “እነኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር ኢየ፥ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” ብምባል ንጸዋዕታ ኣምላኽ ተቐቢላ መሳርሒት ድሕነት መሳርሒት ምሕረት ዝኾነት፥ ንሕና’ውን ኣሰራ ክንክተል ኣሎና። ካብቲ ዘሎና ንኣምላኽ ዘየክብር ሃለዋት ወጺእና፡ ልብና ኣንጺሕና፡ ናብ እግዚኣብሔር ክንምለስ፡ ቤተክርስቲያን ትጽውዓና ኣላ። ንቤተክርስቲያን ኣደኣ ከኣ እግዚእትነ ማርያም ኢያ፡፡ ስለዚ ናብ ደንበ ምሕረት ኣምላኽ ክንኣቱ ኢና ንጽዋዕ ዘሎና፡ ክብሉ ኣባታዊ ቃሎም ኣስሚዖም። በዚ ኩስሚ ኣብ ዝጽውዓ ሔቦን መሰርሓን እዚ በዓል ብዓብይ ኽብሪ ከምዝተዘከረ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ኣብ ሔቦ እግዚእትነ ማርያም ንሰማይን ምድርን ዝዓረቐት ኣደን ናይዚ ሓዲስ ጉዕዞ እምነት ኣሰናትን ምዃና ዝገልጽ ብኣባ ሃይለ ተስፋማርያም ዘማኅበር ልኡካን፡ ሃናጺ ስብከት ንነጋድያል ከምዝቐረበ  እዚ ከካብ ቦትኡ ዝተኣከበ ጸብጻብ ይገልጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.