2015-12-10 15:57:00

ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ፊሊፒንስ


ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ርእሰ ከተማ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ታግለ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ማኒላ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ስነ ስርዓት ምኽፋት ቅዱስ በሪ ፈጺሞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፦

ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ሕጻናትን ጠሪሹ ክውገድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብቲ ሕጻናትን ግዳም ሕደር ሕጻናትን ኣካለ ስንኩላንን ድኻታትን ኣብ ቅድሚት ዝገበረ ናይ ቅዱስ በሪ ምኽፋ ስነ ስርዓት ብፁዕ ካርዲናል ታግለ እቲ መሰረት ድኽነትን ድኽነት ክሰፍሕ ዝድርኽን ኣብ ልዕሊ ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝፍጸም እከይ ተግባር ኢሞራላዊ ተግባር ዘበለ ኩሉ ምውጋድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ሕዝብን ፍትሒ እዩ ኢሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ቅዱስ በሪ ምስቶም ኣደዳ ዓመጽ ዝዀኑን ግዳም ሓደር ሕጻናትን ብሓባር ኰይኖም ከምዝኸፈቱ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ቅዱስ በሪ ምስቶም ግዳም ሓደር ዝዀኑ ሕጻናት ብሓባር ናይ ምኽፋት ውሳኔ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ነቶም ኣደዳ ዓመጽ ዝዀኑ ሕጻናት ቆላሕታ ክግበርን ዝተነጸሉን ዝተናዕቁን ድኻታትን ናይ ቅዱስ ዓመተ ምሕረት ማእከል እያቶም ዝብልን ኣብኦም እቲ መሓሪ ዝዀነ ጐይታ ብጭቡጥ ህልው ምዃኑ ንኹሉ ከተሓሳስቡን እቲ በቶም ድኻታትን ዝተነጸሉን ዝግለጽ ኢየሱስ ክስትውዓል ዝብል ትእምርቲ ምዃኑ የረድእ።

ምሕረት ነኸነስፍሕ ዝተጸዋዕና

ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ድሕሪ ምፍጻም ስነ ስርዓት ምኽፋት ቅዱስ በሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፣ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ጭቆና ኣብ ልዕሊ ድኻታትን ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብን ብህጹጽ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም ምእመናን ምሕረተ እግዚኣብሔር ብቓልን ተግባርን ከስፍሑን ሓደራ ቢሎም፣ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት፣ ምሕረትን ፍቕሪ ኣምላኽ ብቓልን ተግባርን ብምንባር ከስፍሕን ኣብ ምሕረት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቖመ ማሕበረሰብ ንሕነጽ ቢሎም፣ ኣብ ምሕረት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሕነጽ ሕብረተሰብ ድማ ፍትሕን ሓቅን ፍቕርን ዝነብር እዩ። ኩሉ ነቲ ቅዱስ በሪ ብፍትሕን ፍቕርን ሓቅን ብዝኸነ በሪ ብምሕላፍ ክነብርዎን፣ ንግዳም ሓደርን ንድኻታትን ንዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ንኣረጋውያንን ንህሙማንን ናይ ፍቕሪ በሪ ንኹን ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀረባ ኣዋን ብምኽንያት ዓመት ኢዮቤል ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፦ ጳጳሳትን ካህናትን ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ምእመናን ኣብ ቅድሚ እቶም ድኻንታትን ስኡናትን ግዳም ሓደርን ኣረጋውያንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ሕልውናን ዝርከቡ ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ብትሕትና ተንበርኪኾም ስለ ሓጢኣቶም ምሕረት ብምሕታት ናይ ስቓዮም ተኻፈልቲ ምዃኖም ክምስክሩ ሓደራ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.