2015-12-10 15:53:00

ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ፦ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትርጉም ኢዮቤል


ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ስነ እብራይስጥ ቋንቋን ባህልን ናይ ቅዱስ መጽሓፍን ሊቅ ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ብዛዕባ ትርጉም ዓመተ ኢዮቤል ኣማእኪሎም ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ብዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፦ እቲ ዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተኸፍተ ቅዱስ ዓመተ ምሕረት፣ በቲ ዘለዎ ሓሳብን  ፍረ ነገርን ድማ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ፋልማይ እዩ። ኰይኑ ግና እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝእወጅ ዓመተ ኢዮቤል ዘበለ ኩሉ ናይ ምሕረትን ናይ ምትሕብባርን ቅዱስ ኣጋጣሚ ምኻኑ ተንቲኖም።

ኢዮቤል ፍሉይ ወቕትን ካቶሊካውነት ዘጠቓልል ናይ ፍቕርን ናጽነትን ፍትሕን ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ከምኡ ኣውን ኣብ መንጐ ድቂ ሰብን ምስ ተፈጥሮ እውን ከይተረፈ ዝቐሃመ ሕውነት ዳግም ዝሕደሰሉ እዩ። እንዝክር እንተድኣ ኰይና ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ክልተ ሺሓዊ ኢዮቤል ቅዱስ በሪ ከፊቶም እንክኣትዉ ምሕረት ሓቲቶም እዮም፣ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሓለፉ ታሪኻት ብዝፈጸምዎ ኣበሳ ምሕረት ሓቲቶም፣ ምሕረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝእወጅ ዓመት ኢዮቤል ህልው እዩ ኢሎም።

ኣብ ብሉይ ኪዳን ሰረት ዓመተ ኢዮቤል ንኣብነት ኣብ ኦሪት ዘለዋውያን ምዕራፍ 25 ናይ ዓመት ኢዮቤል ሕመረት ምሕረት ምዃኑ የነጽሮ፣ እቲ ኣብ ኦሪት ዝግለጽ ዓመተ ኢዮቤል ዝንበሮ ኩነት ሎሚ እውን ቀጻሊ ኰይኑ ንረኽቦ፣ ኣብዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ ዓመት ምሕረት እውን ነለልዮ። ምሕረት ዕዳን፣ ዝተወርሰ መሬት ንዋንኡ ዝምለሰሉን፣ ንጊልያ ነጻነት ዝእወጀሉን ዓመት እዩ፣ ስለዚህ ናይ ምምላስን ናይ ነጻነትን በዓል እዩ። ምስ እዚ ብዝተተሓዘ መገዲ ድማ ምኅዳራዊ መልክዕ ዘለዎ ምዃኑ እንከረድኡ ዝሕረስ መሬት ንሓደ ዓመት ናጻ ይኸውን፣ እቲ መሬት ካብ ማሕረስ ይዕርፍ፣ ስለዚህ ኩሉ ሰብን መሬትን ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተዋሳኢ ይኸውን። ናይ ፍትሕን ፍቕርን ምትሕብባርን መንፈስ ይዓስሎ፣ ብቛንቋ ቅዱስ መጽሓፍ ምሕረት ምስ ልቢ ዝተተሓሓዘ ቃልን ተግባርን እዩ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን ምሕረት ዝብል ቃል ንእግዚኣብሔር ዝውክል እዩ። ብተደጋጋሚ ድማ ራካሚም ብዝብል ቃል ይግለጽ፣ እቲ ቓል ክበዝሕ እንከሎ ድማ ማሕጸን ኣደ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ይኸውን። ስለዚህ ናይ ኣደ ባህርይ ዘለዎ ርህራሄ፣ ኣብ ናይ ካልእ ሓዘንን ስቓይን ተኻፋልነት፣ ድንጋጸን ዝብሉ ጠባያት ብውሽጡ ዝሓዘ እዩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንኣብነት ኣብ ኣርባዕቴኦም ወንጌላት 12 ሳዕ ዝደጋገም ግሪካዊ ስፕላግክኒዞማይ - splagchnizomai ዝብል ቃል ንረክብ ስርወ ቃሉ ድማ ስፕላግክና - splagchna ዝብል እዩ፣ ትርጉሙ ድማ ማሕጸን ኣደ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ኣቦ ኣብ ምውላድ ዘለዎ ሱታፌ ዝገልጽን ዘስምዕን እውን ይኸውን፣ ስለዚህ ክርስቶስ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦነትን ኣደነትን መንፈስ ይገልጽ፣ እታ ዝነበራ ሓደ ወዳ ዝሞታ ኣብ ናይን ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን ኣብኡ ኢየሱስ ይርከብ ልክዕ እታ ኣደ ዝስመዓን እትነብሮ ዝነበረትን ናይ ኣደነት ሓዘን ባዕሉ ዝነብሮ ይኸውን እንክብሉ ዝሃብዎ መብርሂ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.