2015-12-10 15:47:00

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ካብ ጊልያነትን ቅርሕንትን ፍርሕን ናጻ ናይ ዝዀነ ሕይወት ተስፋ


ከምቲ ልሙድ ዕለት 8 ታሕሳስ ብላቲን ስርዓት ዓመታዊ በዓለ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ደሚቑ ዝበዓልን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ኣደባባይ ስፓኛ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ስፍራ ዝቖመ ኣብ እግሪ እቲ ብብሉይን ሓዲስ ኪዳንን ዝንገር ንጽሕናን ድንግልናን ቅድስቲ ማርያም ዘዘንትው ሓወልቲ ንጽሕቲ ማርያም ድሕሪ ቐትሪ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ጸሎት ናይ ምዕራግ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ባህሊ መሰረት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ናይ ኢጣሊያ ናይ መንግስቲ ኣካላትን ናይ ሮማ ከንቲባን ናይ ክፍለ ሃገር ላዚዮ ኣመሓዳርን ጳጳሳትን ካህናትን በሸሓት ንዝቑጸሩ ምእመናን ነቶም ኣብቲ ስፍራ ኣቀባብላ ዝገበርሎም ናይ ሰበኻ ሮማ ኅይነተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ጸሎት ኣዕሪጎም ስብከት ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዚጠይና ራዲዮ ቫቲኣካን ጃዳ ኣኵይላኒ ገሊጸን።

ከም ጓሳ ኣብዚ መጻእኩ

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር እታ ዕለት ንማርያም ዘሎና ውሉዳዊ ኣኽብሮት እንገልጸላ ዕለት እያ ከምዝበልዎ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ናይ እምነትን ፍቕርን ክብሪ ምዃኑ ብዝገልጽ ውሉዳዊ መንፈስ ናብታ ኣደ ምሕረት እትስመይ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓባይ ድማ ከምዝነገዱን ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይላኒ ኣስዒበን፦ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስፓኛ ኣደባባይ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ ብስም ኣባይቲ ስድራን ሕጻናትን መንእሰያትን ኣረጋውያንን ብፍሉይ ሓሳብ ናብ ማርያም መጻእኩ፣ ስለ እቶም ዝሓመሙን ኣብ ቤት ማእሰርትን ስለ ኣብ ጽንኩር ጉዕዞን ስለ እቶም ተስፋ ሰኒቖም ካብ ርሑቕ ሃገራት ዝመጹን ዝስደዱን ስሌኦም ከም ጓሳ ናባኺ መጻእኩ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ናይ ብሉጽ ሕይወት ተስፋ ካብ ጊልያነትን ቂምን ፍርሕን ዝሕርር

ቅዱስ ኣቦና ኣብ እግሪ ቅዱስ ሓወልቲ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ዕንባባ ኣንቢሮም ኣብ ማርያም ንኹሉ ቦታ ኣሎ፦ ኣብ ልቢ እኖ ምሕረት ንኹሉ ምሉእ ሓልዮት ዝዓሰሎ እኹል ቦታ ኣሎ፦ “ኦ ኣዴና ዝዀንኪ ንጽሕቲ ማርያም፣ ኣብ ምጥማትኪ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ዓወት መለኮታዊ ምሕረት ንእመን፣ ኣባና ካብ ጊልያነትን ቅርሕንትን ፍርሕን ናጻ ዝዀነ ተስፋ ብሉጽ ሕይወት ይኹላዕ”

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣደባባይ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ህሙማን ሕጻናትን ኣረጋውያንን ሓደ ብሓደ እናሓቖፉ ሰላምታኦም ብምቕራብ ድማ፦

መዓጾው ክርስቶስ

ኣብ ማእከል ሮማ እትርከብ ምስሊ ማርያም ናብቲ መዓጾው ዝዀነ ሕያብ ምሕረት ኣቦ ዝዀነ ክርስቶስ ከነብል ትጽውዓና፦ “ኣይትፍርሑ ኣይትሕፈሩ፣ እግዚኣብሔር ኣብ ምሕረትን ኣብ ቤት ምዉቕ ውሉዳዊ እንገዳ ንኸቕርበልና ኣእዳዉ ዘርጊሑ እዩ ዝጽበየና፣ ናብቲ ናይ ሰላምን ሓሴትን ዓይኒ ማይ ንዑ”

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ነጊዶም ብግልን ብጽሞና ጸሎት ምስጋና ብማርያም ኣማላድነት ኣዕሪጎም ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ናብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተመልሱ ኣኵይላኒ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.