2015-12-08 18:06:00

ኢዮቤልዩ ዓመተ ምሕረት ወይ ክአ ቅዱስ ዓመትን ቅዱስ ማዕጾን ተኸፊቱ


ሎሚ ሾሞንተ ታሕሳስ 20015 ብሥርዓተ አምልኾ ላቲን ጽንሰተ ንጽህት ድንግል ማርያም ብክብ ዝበለ አገባብ ተኸቢሩ ውዒሉ ፡ ከምኡ ክአ በቲ ዝሐለፈ ወርሒ መጋቢት ዕለት 13 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንቤተ ክርስትያንን ንዓለምን ዝአወጅዎ መሰረት ኢዮቤልዩ ዓመተ ምሕረት ወይ ክአ ቅዱስ ዓመትን ቅዱስ ማዕጾን ተኸፊቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሎሚ ረፍዲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ቅዱስ ዓመትን ምኽፋት ቅዱስ ማዕጾን በማእት ዝቁጸሩ ብጹዓን ካርዲናላት ጳጳሳት ካህናትን መነኮሳንን ተሰንዮም ሥርዓተ ቅዳሴ መሪሖም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሩ በነድክቶስ መበል 16 አብቲ ሥርዓተ ቅዳሴ ተሳቲፎም ኔሮም። ናይ መንግሥቲ ላዕሎዎት ሰበ ስልጣናት ዲፕሎማሰኛታትን ልዕሊ ሰማንያ ሺሕ ህዝቢ አብቲ ሥርዓተ ቅዳሴ ምኽፋት ቅዱስ ማዕጾን ተሳቲፉ።

እዚ ሎሚ አሀዱ ኢሉ ዝጀመረ ቅዱስ ዓመት ንሐደ ዓመት ክሳዕ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት 20016 ወርሒ ሕዳር ዕለት ዕስራ ክጸንሕ ኢዩ።

እዚ ዓመተ ምሕረተ እግዚአብሔር”ዚ አብዚ ግዜ”ዚ ብዓለም ለኸ ደረጃ ሥነ ምግባር መንሚኑ ቁሳቁስ ገኒኑ ዓለምና ክብሪ ሕይወት ካብ ሞራል ርሒቁ አብ ዝርከበሉ ግዜ”ዚ ንዘርኢ ሰብ እምነተ ሃይማኖትን ምሕረት እግዚአብሔር ስለ ዘድልዩ ብምሕሳብ ከም ዝኾነ ቅድስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አፍሊጣ ።

እዚ ቅዱስ ዓመት”ዚ ወዲ ሰብ ምስ ፈጣሪኡ ዝዕረቀሉ ናብኡ ዝቀርበሉ ዝንስሐሉን ዝጽልየሉን ካብ ህውከት ግጭት ቅርሕንቲ ርሒቁ ሰላማዊ ሕይወት ዝደልየሉ ቅዱስ ዓመት ከም ዝኾነ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብተደጋጋሚ አተሕሳሲቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሎሚ ረፍዲ ቅዱስ ማዕጾ ካተድራል አብ ዝኸፈትሉ ግዜ ኦ ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር ምሕረትካን ጸጋኻን ክትህበና ንልምነካ አለና ብማለት ተማህሊሎም።

እዚ ዓቢ ሃይማኖታዊ ክስተት”ዚ ዓመተ ምሕረትን ሥርየተ ሐጢአትን ዓመተ ዕርቅን ሰላምን ምቅያርን ከም ዝኾነን አማንያንን ኢ አማንያንን ምስ እግዚአብሔር ዝዕረቅሉን ዝራኸብሉን ግዜ ከም ዝኾነ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አቢላ አገንዚባ።

አብ ክርስትና ኢዮቤልዩ ዓመተ ክርስቶስ ዓመተ መንፈሳውነት ዓመተ ምጽናዕ እምነትን ቅድስናን ክኸውን ከሎ አብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ መጀመርያ ቅዱስ ዓመት ዝአወጁ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቦኒፋችዮ ሻሙናይ ብ1300 ዓመተ ምህረት ክኸውን ከሎ ብ1350 ዓመተ ምህረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክለመንተ ሻዱሻይ እዮቤልዩ ንግደት ከም ዝአወጁን አብ ሐምሳ ዓመት ሐደ ግዜ ቤተ ክርስትያን ኢዮቤልዩ ትእውጅ ከም ዝነበረትን ብ1470 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓውሎስ ካልአይ አብ 25 ዓመት ሀደ ግዜ ክእወጅ ከም ዝውሰኑን ይምልከት።

ካብ 1575 ጀሚሩ ብ300 ሺሕ ዝግመት ህዝበ ክርስትያን ንግደት ንዘለዓለማዊት ከተማ ሮማ ይመጽእ ከም ዝነበረን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዩስ መበል ዓሰርተ ሐደ ብ1933 ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ብ1983 ፍሉይ ቅዱስ ዓመት ከም ዝአውጁ ይፍለጥ።

አብ መጀመርያ ዕስራ ክፍለ ዘበን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ድሕሪ ካልአይ ውግእ ዓለም ቅዱስ ዓመት ከም ዝአወጁ ብጹዕ ጳውሎስ ሻዱሻይ ብ1975 ቅዱስ ዓመት ዕርቅን ምሕዳስን ከም ዝአውጁ ይፍለጥ።

ቅድሚ”ዚ ሎሚ አሀዱ ኢሉ ዝጀመረ ዓመተ ምሕረት አብ ሳልሳይ ሺሕ ብ2000 ዓመተ ምሕረት ብዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ዝተአወጀ ቅዱስ ዓመት ከም ዝተኸብረ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዚ ሎሚ ዝተጀመረ ኢዮቤልዩ ዓመተ ምሕረት”ዚ ንቅዱስ ማዕጾ ዝሳገሩ ምእመናን ሥርየተ ሐኢአት ዝረኽብሉ ግዜ ከም ዝኾነ አባት ነፍሲ ብጹዕ ካርዲናል ማውሮ ፒያቸንጻ ጠቂሶም ካብ ብእግዚአብሔር ምስተመሐርካ ሚስጢረ ንስሓ ፈጺምካ ምሉእ ሥርየተ ሐጢአት ከም ትረክብ አገንዚቦም።

ብካቶሊካዊት ቤተ ክርትትያን ዝተኸፍቱ ቅዱሳን መዓጹ መዓጹ ምሕረት ከም ዝኾኑን በቶም ማዓጹ ንቤተ እግዚአብሔር ከም ትአቱን ጸጋ እግዚአብሔር ከም ትረክብን ዘመለከቱ ብጹዕ ካርዲና ማውሮ ፒያቸንጻ ሚስጢረ ንስሐ ምፍጻም ናይ ምሕዳስ ጥመቀት ከም ዝኾነ አመልኪቶም።

 ናይ ቤተ እግዚአብሔር ቅዱስ ማዕጾ አብ ቅዱስ ወንጌል ዮሐንስ ምዕራፍ ዓሰርተ ሰፊሩ ከም ዘሎ ኢየሱስ ክርስቶስ አነ ማዕጾ ኢየ ከም ዝበለ አዘኻኺሮም ቅዱስ ማዕጾ ምስጋር ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ማለት ከም ዝኾነ ክአ ገሊጾም።

ቅዱስ ማዕጾ ቤተ ክርትርያን መንገዲ ድሕነት መንገዲ ሰላም መንገዲ ዕርቂ ከም ዝኾነ አገንዚቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.