2015-12-08 15:50:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ጸዋዕታ ንሓደ ጉጅለ ዘይኰነስ ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን እዩ


ዕለት 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ዝበዓል በመል 53 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸዋዕታ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ኣደ ጸዋዕታ ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ መልእክቲ ከምዘመሓላልፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ዘበለ ኩሉ ኣባል ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ዘሕደረሉ ፍስሃ ለምዘበን ኣብ ዝበዓል ዘሎ ዓመተ ምሕረት ብፉሉይ ተመክሮ ክነብሮን ጸዋዕታ ኣብ ማሕጸን ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝውለድን ናይ መለኰታዊ ምሕረት ጸጋ ምዃኑ ከስተማቕሮን ክነብሮን ኣተሓሳሲቦም፣ ብርግጽ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምሕረት ቤትን ጸዋዕታ ዝቦቕለላን ዝጥጥዓላን ፍሬ ዝህበሉን ልሙዕ መሬት እያ።

ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ቅዉም ሓሳብ ተበጊሶም ድማ ኩሎም ምእመናን ጸዋዕታ ኣብ ምክንኻን ልልያ ክተግሁ ኣተሓሳሲቦም፣ ንፍሉይ ውልቃዊ ምኽንያት ወይ ድማ ንሓደ ጉጅለ ዘይኰነ ጸዋዕታ ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን እዩ። እዚ ድማ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ህልውናን ናይ ሕዝቢ ሕይወት ተኻፋሊ ብምዃን ናይ ውፉይ ሕይወት ሱታፌ ብዘለዎ ሕይወት ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕራብን ስብከተ ወንጌልን ንቁምስናታትን ሕዝበ እግዚኣብሔር ብምብጻሕ ቀረባ ምዃን ማለት እዩ። ጸዋዕታ ሓንሳብ ዘይኰነ ኣብ ሕይወትን ጉዕዞን ቤተ ክርስቲያንን ቀጻሊ ኰይኑ ብቐጻሊ ሕንጸት ዝስነን ቅሩብ ንኣገልግሎትን ኣብ ጽንዓትን ዝንበር እዩ። ሕይወቱ ንጐይታ ዘወፍይ ንቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ንምግልጋል ስንድው እዩ፣ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ካህናት ነቶም ጸዋዕታኦም ንምልላይ ሕይወቶም ንእግዚኣብሔርን ማሕበረሰብ ንምግልጋል ዘወፍዩን ዘሰንዩ ብምዃኖም ድማ ጸዋዕታኦም ዘለዎ ኣገዳስነት ዓቢይ ምዃኑ ገሊጾም፣ ቤተ ክርስቲያን ኣደ ጸዋዕታ እያ፣ ብጸሎትን ብጽኑዕን ዘይተዃላፊ ጸሎትን ብሓናጺ ተግባርን ነቶም ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ዘስተውዕሉ እተሰንይ እያ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.