2015-12-05 19:26:00

ሰንበት ዘምኵራብ ኅዳር 26 2008- ዓ.ም. (12/6/2015)


ንባባት፡ ገላትያ 6፡8-11፥ 2ዮሓ 1፡4-7፥ ግ.ሓ. 26፡1-24፥ ማቴ 9፡27-32  ምስባክ፡ ኵሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር፥ ሰማይኒ ወበምድርኒ፥ በባህርኒ ወበኩሉ ቀላያት። “እግዚአብሔር ንዝደለዮ ኩሉ አብ ሰማይን አብ ምድሪን፥ አብ ባሕርን አብ ቀላያትን ገበረ”  መዝ. 135፡6።  

መዝሙር፡ “ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዘሎ አምላኽ ብኅላዌኡ ፍጹም እዩ፥ ንሱ ብግዝአቱ ንዓለም የመሓድር፥ ሰማይ ንኽብሩ ገበሮ ንዓለም ፈጠሮ፥ ንምድሪ አጸበቓ፥ ንኹሎም አብ ጸገም ዘለዉ ከዕርፉ ንባሕርን ንኹሎም ንፋሳትን ገሰጾም፥ ኩሎም አብአ ከዕርፉ ምእንቲ ንሰንበት ቀደሳ። አብ አምላኽ ጽድቅን ማኅደር ናይ ንጹሓትን አኽሊል ነቶም ዘፍቅርዎ ኢሉ ዘሰናደዎ ምእንቲ ክትቅበሉ አብኡ ቅረቡ። ንሶም ብጸጋን ብልቦናን ብሃይማኖትን ካብ መጀመርያ ንጎይትኦም ዘሕጎስዎ መምህር ቅዱሳን አኽሊል ሰማዕታት ናይ ካህናት ሽመት ዝኾነ አምላኽ ብጸግኡ አጽንዖም”።

አምላኽ አብ ፍጡራቱ ብፍላይ ከአ አብቲ ንደቂ ሰብ ዝገብረልና ክንርእዮ ቀሊል እዩ። ቀዳሞት ፍላስፋታት አብ ጽባቔን ውህደት ተፈጥሮ ብምዕዛብ ሓደ ክአል ኵሉ ከምዘሎ ክአምኑ ክኢሎም። ነዚ እንነብሮ ዓለምን ተፈጥራዊ ሕግታቱን ክንዕዘብ እንተ ከኣልና ህላዌ አምላኽ ክንርኢ ይክአል። ሓንትስ ክንርኢ ጥራሕ ንድለ። አብ ሕይወትናን አብ ከባቢና ዘሎ ብምዕዛብ አምላኽ ምሳና ከምዘሎ ክንርኢ ንኽእል። ሰብ ጸገሙ ከይርኢ ከዋሊ፥ ከይቅበል ስእነት ዓቕሚ አልኦ ስለዚ ክርኢ ሓገዝ የድልዮ።

ግብሪ አምላኽ ክርኢ ዝኽአለ ሰብ እታ ቀዳመይቲ ዝገብራ ምምስጋን እያ። ግብሪ አምላኽ ፍቕሩ ስለ ዝገልጸልና ክነመስግን እዩ ዝሕብረና። ማርያም ነቲ ኹሉ አምላኽ ዝገበረላ ምስ ርአየት መዝሙር ምስጋና ዘሚራ። ቅዱሳን ኵሎም ነቲ አምላኽ ዝገበረልና ስለ ዝረአዩ ንቅድስና ናትና ኢሎም ተተሓሒዞሞ። ንአምላኽ አብ ኵሉ ፍጡር ነገር ክርእይዎ ስለ ዝኸአሉ ንኹሉ የኽብሩን የፍቅሩን ነሮም። ሰማዕታት ሕይወቶም በጃ ዝሃቡ ንአምላኽ ክርእዩ ስለ ዝኸአሉ እዮም። አብ ጸሎታትና “ምንተ አዓስዮ ለእዚአብሔር በእንተ ኵሎ ዘገብረ ሊተ” እናበልና ነቲ አምላኽ ዝገበረልና ብምርአይ ነመስግን።

ሓዋርያት ነገራት ምርዳእን ምቅባልን ምስ ጸገሞም ንመምህሮም ክርስቶስ “ክንርኢ ሓግዘና፥ እምነት ወስኸና” እናበሉ ጸልዮም። እዚ ናይ ዝኾነ ሰብ ጸሎት ክኸውን ይግብኦ። እርኢ ደሎኹ ዝጉዓዞ መገዲ አበይ ይወስደኒ አሎ? ምስ መን እጉዓዝ አሎኹ? አብ ካባቢአይ ዘሎ ብሓቂዶ እርዮ አሎዅ እናበልና ክንሓትት ግቡእ እዩ፥ ምኽንያቱ ካብቲ ሓደ ንዓለምና አጸጊምዋ ዘሎ ሰብ ንአይ ይጥዓመኒ ካልእ ባእሉ ይፈልጥ እንተ ሞተ እንተ ጠፍአ አባይ አይብጻሕ እምበር ካልእስ ባ/እሉ ይፈልጥ ዝብል እዩ፥ በዚ እዩ ክንርኢ ንሕተት ዘሎና። ሕይወት ጉዕዞ እዩ፥ ክትጉዓዝ ከሎኻ መጀመርያ አበይ ከምእትኸይድ ምፍላጥ ከምኡ ክትጉዓዝ ከሎኻ ስንቂ የድሊ፥ ምሳኻ ዝሕግዘካ ብጻይ ዝኾነካ የድሊ። ነዚ ኹሉ ምስ መንፈሳዊ ሕይወት ክነዛምዶ አሎና። ምሳና ዝጉዓዝ አምላኽ፥ እንኸዶ መወዳእታና አብ አምላኽ፥ ስንቅና ጸጋ አምላኽ ገርና ክንጉዓ ሎሚ እዋኑ እዩ።

ቤተ ክርስትያን ካብ ጽባሕ ሰሉስ 8 ታሕሣሥ 2015 ክሳብ ንዓመታ ኅዳር 20 2016 ዓመት መመላእታ አብ ምሕረት አምላኽ ክንምለስ ኢላ ኢዮቤል አዊጃትልና አላ። ኢዮቤል ከም ልምዲ አብ 25 ዓመት እዩ እንተ ኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አቦና ፍራንቸስኮስ ንፍሉይ ጥቕሚ ርእስና ኢሎም ፉይ ኢዮቤል አዊጆም አለዉ። ኢዮቤል ዝእወጅ ህዝቢ አብ አምላኽ ክምለስ ምእንቲ እዩ። መበቆል ምብዓል ኢዮቤል አብ ብሉይ ኪዳን አምላኽ ንደቂ እስራኤል ብፍሉይ አብኡ ክምለሱ ኢሉ ዝሃቦ እዩ። አብ ሌዋ 25፡10-14 ብዛዕባ አበዓዕላን ዓላማን ኢዮቤል ይገልጽ “ነታ መበል ኃምሳ ዓመት ቀድስዋ አብታ ምድሪ ንዚነብሩ ዅሎም ከአ ሓርነት አውጁ፥ እዚአ ዓመት እልልታ ትዅነልኩም፥ ዝኾነ ዝተሸጠ ርስቲ ናብ ናይ ቀደም ዋንኡ ይመለስ፥ ከም ባርያ ዝተሸጠ ሰብ ድማ ናብ ስድርኡ ይመለስ፥ መሬት የዕርፍ አይትዝርኡ. . . . .ዓመት መመላእታ ንአምላኽ ክዝክሩ ምስኡ ዘለዎም ርክብ ክርእዩ ይነግሮም” አብዚ መሰረት ገራ ቤተ ክርስትያን ብፍሉይ አብዚ ዓመት “ዓመት ምሕረት” ኢላ አዊጃ አላ።

አብዚ ቅዱስ ዓመት እምብአር ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ክንገብር ንሕተት አሎና፡

ንኹሎም ዝበደሉና ክፉእ ዝገበሩና ይቕረ ክንብለሎም። ምሕረት ክንረክብ ክንምሕር እውን አሎና።
አብ መንበረ ኑዛዜ ብስሩዕ ክንከይድ። አብ ሶሙን፥ አብ ወርኂ ክንከይድ።
ቅዱስ መጽሓፍ ክነንብብን ክነስተንትንን ብፍላይ ወንጌል ሉቃስ።
አብ መዓልቲ ካብ ሓደ ንላዕሊ ናይ ምሕረት ስራሕ ምግባር።
ንግደድ ምግባር።
ብግብርኻን ብቃልካን ናይ አምላኽ ምሕረት ምስባኽ ንኻልኦት ክገብሩ ምሕጋዝ።
ፍኖተ መስቀል መዓልታዊ ምግባር ብፍላይ ስዓት 3፡00 ድሕሪ ቀትሪ “ሰዓት ናይ ዓቢይ ምሕረት” እትፍለጥ።
ናይ መለኮታዊ ምሕረት ጸሎት መዓልታዊ ምድጋም “ንአናን ንምሉእ ዓለምን ምሓር” እናበልና ክንጽሊ። 

እዚ ከም ዋና መበገሲ ገርና ፍሉይ ጸሎትን አስተንትኖን ክንገብር አብ ሕይወትና ፍሉይ ተሓድሶ ክንገብር አብ መአዲ ምሕረት ክንጽመድ ምእንቲ አምላኽ ጓለይ ወደይ አበሎኻ/ኺ ተመለሱኒ እናበለ አፍደገ ምሕረቱ ይኸፍተልና አሎ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ማቴዎስ ብዛዕባ ክልተ ዕዉራት ንኢየሱስ ካብ ዑረት ዓይኖም ክሓውዩ ዝሓተቱ እዩ ዝነግር። እዚ አብ ወንጌል ማርቆስ አብ 10፡46-52፥ ሉቃ 18፡35-43 ንረኽቦ።

ማርቆስ ናይ እቲ ዕዉር ስም ባርጢሜዎስ ወዲ ጢሜዎስ ከም ዝኾነ ኢየሱስ ካብ ኢያሪኮ ክወጽእ እንከሎ ከም ዝረኽቦ ይነግረና፥ ሉቃስን ማርቆስን ሓደ ዕዉር ከም ዝኾነ አብ መገዲ ከምዝረኸቦ ይነግሩና። ማቴዎስ ክልተ ዕዉራት ከም ዝኾኑ አብ ቤተ ጸዊዑ ከም ዘሕወዮም ይነግር። ማርቆስ ነዚ ትአምራት ናይ እቶም እናረአዩ ከም ዘይርእዩ ምኻኖም ክገልጽ ኢሉ እዩ ዘቕርቦ። እዚ ንአሽቱ ፍልልያት መጀመርያ ነፍሲወከፍ ወንጌላዊ ምስቲ ከመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ አተሕሓዚ እዩ ዝነግር ከምኡ አብ ዝተፈላለየ እዋናት ስለ ዝተጻሕፈ አብ አገላልጻ ክፈላለዩ ይክአል እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ግና ሓደ እዩ።

እዞም ክልተ ዕዉራት ዓው ኢሎም “ኦ ወዲ ዳዊት ምሓረና” እናበሉ ሰዓብዎ። ወዲ ዳዊት ማለት እቲ መስሕ ዝጸብይዎ ዝነበሩ ምዃኑ አሚኖም በቲ መሲሓዊ ስሙ ይጽውዕዎ እዚ ኸአ እምነቶም ዝገልጽ እዩ። ዓው ኢሎም ጸዊዖም ምናልባት ኢየሱስ ጥቕኦም እዩ ነሩ ግን ንሶም ዓው ኢሎም ዕሞቕ እምነቶም ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ክገልጽ ዝበሎ ይመስል። አምላኽ ዓው ኢልና ክንጽውዖ ይደልየና ክሰምዓና ደጋጊምና ክንልምን ይግብአና፥ ተስፋ ከይቆረጽና ክንልምኖ ይግባእ።

እዞም ክልተ ዕዉራት ብምሉእ እምነት ደድሕሪ ኢየሱስ ተስፋ ከይቆረጹ ከም ዝሰዓቡ ማርቆስ ይነግር። እቶም ጥቓ ኢየሱስ ዝነበሩ ዝርእዩ ዝመስሉ ግን ብመንፈስ ዕዉራት ሱቕ ክብሉ ገኒሖም ተዛሪበሞም። አብ ኢየሱስ ከይበጽሑ በታ ዘላቶም ንእሽቶ ሓለፋ ግዙፋዊ ምርአይ ክዓግትዎ ፈቲኖም። ዕዉራት ግን ሱቕ አይበሉን ሽዑ ኢየሱስ አብኡ ከምጽእዎም ነቶም ዝዓግትዎም ነጊርዎም። አባና ክንምለስ ሰባት ንሓቂ ከይፈልጡ ከየፍቅሩ ንአምላኽ ከይቀርቡ እንኸልኦም  ከይንህሉ ርእስና ምሕታት የድሊ። ብዘረባና ብጠባይና ብምኽርና ብአብነትና ንሰባት ካብ አምላኽ ዓጊትና ከይንኸውን ሕልናና ክንምርምር የድሊ። ኢየሱስ ሎሚ እውን ንእከለ ንእከሊት አባይ አምጽእዎም እናበለ ንአና እዩ ዝልእኽ። መልእክቲ አምላኽ ክነብጽሕ እሞ ሒዝናዮም አብ ቤት ኢየሱስ አብ አሕዋቶም ክንሕውሶም ክንልአኾ አምላኽ አብዚ ዓመት ምሕረት ብፍሉይ ይሓተና አሎ።

ነቶም ዕዉራት ዝመርሖም ዝነበረ እምነቶም እዩ፥ እምነት ስለ ዝነበሮም ንኢየሱስ ክርእይዎ ክኢሎም። ሓቀኛ እምነት ግዙፋዊ ዑረት አይክውሎን እዩ። ብእምነት ዝምራሕ ሰብ ንዝኾነ ተጻብኦን ፈተናን ክሓልፎ አይከብዶን እዩ። እዞም ዕዉራት አብ ኢየሱስ ምስ በጽሑ ዝደልይዎ ክነግሩ አይጸገሞምን። ኢየሱስ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ ኢልዎም? እዚ ሕቶ ንነፍሲ ወከፍና ዝሕተት እዩ። እንታይ ክገብረልካ/ኪ ትደሊ ይብለና አሎ። ክርኢ፥ ምስ ሓወይ/ሓፍተይ፥ ቤተ ሰበይ፥ ዓርከይ፥ ሓዳረይ፥ መሳርሕተይ ክዕረቕ እደሊ፥ ከምኡ ሥጋውን መንፈሳውን ጥዕና ክለብስ፥ ሓቂ ሒዘ ክጉዓዝ እደሊ፥ እምነተይ ክድልድል ምሒረ ክኽእል እደሊ. . . . እናበልና ድላይና ክንገልጽ ንሕተት አሎና። ሰንበት ሰንበት አብ ቅዳሴ ክንመጽእ ከሎና አምላኽ ክሰምዓና ድላይና ክህበና ክንሓቶ ንሱ ክህበና ኢና እንመጽእ። ስለዚ ሎሚ እንታይ ክህበና ንሓቶ አሎና።

እዞም ክልተ ዕዉራት ሓደ ካብቲ ዘገርም አዕሩኽ እዮም ነሮም ምኽንያቱ ብሓንሳብ እዮም ንኢየሱስ ጸገሞም ዝገለጹ፥ ዘይርእዩ ከለዉ ልዕሊ እቶም ዝርእዩ ይፋቐሩን ይተሓጋገዙን ብሓባር ናብ ኢየሱስ ይመጽኡ ጸገሞም ብሓባር ይገልጹ ግሩም ምሕዝነት ከምዞም ዝአመስሉ እዮም ዕዉታት ዝኾኑ። ኢየሱስ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ ይብሎም? ንሳቶም ክንርኢ ይብሉ ብሓባር። እሞ ነዚ ከም ዝገብር ትአምኑዶ ኢሉ ሓቲትዎም ንሳቶም ከአ እወ ኢሎም። ንሱ ድማ “ከም እምነትኩም ይኹነልኩም እናበለ አዒንቶም ተንከዮም አዒንቶም ከአ ተኸፍታ”። አብዚ ብዙሕ እነስተንትኖ አሎ። አምላኽ ዝኾነ ነገር ክገብረልና ክንአምኖ አሎና፥ ሰብ ናዝሬት ብዘይምእማኖም ሓንቲ አይገበረሎምን እዞም ክልተ ዕዉራት ግን እምነቶም ገሊጾም። ፍረ እምነቶም ምሕረት አምላኽ አውሪድሎም።

አብዚ እንርእዮ ልዕሊ እቲ ግዙፋዊ ምርአይ መንፈሳዊ ምርአይ እዩ እቲ ቀንዲ። ንሶም ብሓቂ ንኢየሱስ ርእዮም ክኢሎም። ማርቆስ እቲ ዕዉር ምስ ሓወየ ስዒብዎ ይብለና። እዞም ሰባት ሓቀኛ እንታይነት ክርስቶስ ክርእዩ ክኢሎም። ንሱ ቃል አምላኽ ከምዝኾነ ንሱ ዝገብሮ ስራሕ አምላኽ ከምዝኾነ እሞ ነቲ ዝአመንዎ ምስ ካልኦት ክዘረቡሉ ጀሚሮም። ንርእስና እንቋዕ ሓወና አይበሉን ነቲ ዝተገብረሎም ንኻልኦት ነጊሮም ወላ እኳ ኢየሱስ እንተ ኸልከሎም።

ሎሚ ንሕና ከም አርድእቲ ክርስቶስ ርኢና ክንክእል ንመልእኽቲ ክርስቶስ ክንርዳእን ይግብአና ከምኡ አብ ኩሉ ክንሰብኮ ይግብአና። ነፍሲ ወከፍና ነናትና ዑረት ክንርኢ ይግብአና ብዙሕ ጊዜ ንቃል አምላኽ ክንሰምዕን ክንቅበልን ጸገም አሎና። ክንደይ ኢና ብሓቂ ንኢየሱስ ርኢናን ሰሚዕናን እንኽእል ዘሎና። ዓመት ኢየቤልና ፍረ ክህልዎ ልደትና ፍረ ክህልዎ ንቃል አምላኽ ከመይ ገርና ከም እንሰምዕ ክንቅበሎን ንምስጢር ሕይወቱ ብዕምቆት ርኢና ክንክእል አሎና።

ዓመት ምሕረት ብጽቡቕ አጀሚሩ ምስ ምሉእ ፍረ ከፈጽመና ብልቢ ንለምኖ። አደ ምሕረት ዝኾነት ማርያም ጸሎታን ረድአታን አይፈለየና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    

 








All the contents on this site are copyrighted ©.