2015-12-03 16:43:00

ብሰማዕታት ደም ዝጸንዔ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ርክብ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ኣዋጅ ቅድስና ሰማዕታት ኡጋንዳ ኣብ ዝበዓለሉ ዘሎ እዋን ድሕሪ ኬንያ ኣብ ኡጋንዳ ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዶም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፣ ዕለት 28 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ብናይ ኡጋንዳ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን በሸሓት ዝቝጸሩ ምእመናንን ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔርን ዓበይቲ ሰበ ስልጣናትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ዝተሳተፍዎ ኣብቲ ደም ሰማእታት ዝፈሰሰሉ ቅዱስ ስፍራ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ እንሕበር፣ ቅዱስነቶም እቲ ኣብ መናሙጐንጐ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰማእታት ቅዱስ ስፍራ በጺሖም ምስ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳሳት ተራኺቦም ኣብኡ እውን ናይ ሓባር ጸሎት ከምዘዕረጉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ቅዱስ ካርሎ ልዋንጋናን 21 መንእሰያት ኡጋንዳ ዕለት 3 ሰነ 1886 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን’ቲ ንጉስና ኢየሱስ ክርስስቶስ እዩ እንክብሉ ንግስና ክርስቶስ ብምምስካሮም በቲ ናይቲ ከባቢ ንጉስ ዝተሰየፉን ንግስና ክርስቶስ ዝመስከሩን ኣብቲ መስዋዕትነት ዝኸፈሉሉ ቅዱስ ስፍራ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፦ ናይቶም ሰማዕታት ምስክርነት ክርስቶስ ናብ ኩሉ ማእዝን ዓለም ንምብጻሕ ኣብነት እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዘለገሱ ኦንዳርዛ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስብከት እቶም ሰማዕታት መንእሰያት ምስክርነቶም እነኽብሮ ብበዓላትን እቲ ምስክርነቶም ኣብ ቤተ መዘክር ብምንባር ከም ውርሻ ዓቂብና ነኸነንብሮ ዘይኰነስ እቲ ንሳቶም ስለ ክርስቶስ ዝኸፈለዎ ናይ ደም መስዋዕቲ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ናብ ኣባይትንና ጎረባብትናን ኣብ ዕለታዊ ሕይወትናን ኣብ እንነብረሉ ሕብረተሰብን ክሳብ ጫፍ ዓለም ብምምስካር ጥራሕ እዩ ቢሎም፦

ሰማዕታት ኡጋንዳ ንክርስትና ሕይወት ኣስጋኢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ክርስቶስ ዝኣወጁ

ቅዱስ ካርሎ ልዋንጋናን ብጾቱን ዝጠቐሱ ቅዱስ ኣቦና ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ምዕፋን ዘይከኣል እዩ፣ ብእምነት ምስ ተሓንጹ ብተራኦም እቲ ዝተቐበልዎ እምነት ምንባር ሓደገይና ኣብ ዝነበረሉ እዋን መስከርዎ፣ ምስክርነቶም ድማ ሎሚ እውን ክርስቶስ ዝእውጅን ሓይሊ መስቀል ዘበስርን እዩ፣ እቶም ሰማዕታት ንሕይወቶም ጥራሕ ዘይኰነስ ናይቶም ኣብ እምነት ንኽሓንጽዎም ብሓደራ ዝተቐበልዎም መንእሰያት ሕይወት ከይተረፈ እዩ ብሓደጋ ዝተቓልዔ፣ ክርስቶስ ብምምስካር ሕይወቶም ንሓደጋ ክሳብ ምቅላዕ ኣይፈርሑን፣ እቲ ዝነበርዎ እምነትን ምስክርነት ሎሚ ሰማዕታት ብዝብል ናይ ቅድስና እዋጅ ነኽብሮ ኣሎና፣ ኣብነቶም ሎሚ እውን ንዝቡሓት ሰባትን ንዓለም ኣስተንፍሶ እዩ።

ልኡካነ ወንጌል ንኽንከውን ክርስቶስ ይጽውዓና’ሎ ንብጾትናን ንጸላእትናን ንኹሉ ፍጥረት ሰብ ንኸነበስር። ነዚ ተልእኾ’ዚ ክፉታት ንምዃን ካብቲ ናይ ፍቅርን ምሕረትን ቤት ሕንጸት ዝዀነ ስድራ ቤት ዝጅምርን ኣረጋውያን ድኻታትን መበለትን ዘኽታማትን ንምክንኻን ዝሓንጽ እዩ።

ንስልጣንን ንዓለማውነት ጣዕሚ ዘይኰነስ ንጐይታ እሙን ብምዃን ነባሪ ዝዀነ ሓሴት ንለግስ፣ ናይ ሰማዕታት ምስክርነት ንስልጣንን ወይ ድማ ንዓለማዊ ጣዕሚ ዘይኰነስ ንእግዝኣብሔር እሙንን ቅኑዕን ናይ ሕይወት ምሉእነትን ስለ ካልኦት ምሕሳብ ገርሄና ንምዃን ዘብቅዕ ነባሪ ሓሴትን ሰላምን ዝህብ እዩ።

መጻኢ ብምጥማት ንኽውን ዓለም ሸለል በል ዝብል ምስክርነት ኣይኰነ፣ ምእንቲ’ዚ ንዓለም ህያው ሸቶ ዘቕርብ ንድኻታትን ዝተናዕቁን ቀረባ ንምዃን ዘብቅዕ ምስ ካልኦት ብምትሕብባር ንናይ ሓባር ጥቕሚ ንምትጋህ ዝድግፍ ብሓባር ቅኑዕን ፍትሕን ዝዓሰሎ ንማንም ዘይንጽል ናይ ወዲ ሰብ ክብሪ ንምንቕቓሕ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ዝዀነ ሕይወትን ናይ ሓባራዊ ቤትና ዝዀነ እቲ ዘደንቕ ተፈጥሮን ምህዳርን ንምክንኻን ዝሓንጽ እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ኦንዳርዛ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.