2015-12-01 16:47:00

ቅዱስ ኣቦና፦ ድኻታት ኣይንረስዕ፣ ኣብ ዝሳቐዩ ክርስቶስ ህያው እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 28 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ብናይ ኡጋንዳ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ናሉኮሎንጎ ኣብ ዝርከብ ብነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ንሱቡጋ ዝተመስረተ ብደናግል ደቂ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝመሓደር ቤት ግብረ ሰናይ በጺሖም ብናይ ኡጋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ሕክምን ሓዋርያዊ ሓልዮት ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሮበርት ሙሂርዋ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ቀረበ ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፦

ሓደራ ድኻታት ከይርስዑ

ኢየስስ ኣብ ድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ተስፋ ኣብ ዝቖረጹን ውሽጢ ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ። ድኻታት ኣይንረስዕ ኣፍሪቃ ድኻታት ከይትርስዕ ሓደራ። ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ህልውናን ከነብል ብወንጌል ትሑዛት ኢና። ናብ ድኻታትን መንእሰያትን ኣረጋውያንን ዘይምባልን ነቶም ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምርሳዕ እንታይ ከምዘስዕብ ጐይታ ብግልጺ ተዛሪቡ እዩ። ኣብ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ንኣይነትን ዘይተገዳስነትን ይሰፍሕ ኣሎ፣ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናይዚ ኣሉታዊ ባህሊ ግዳያት ኰይኖም ኣለዉ፣ ክርስትያን ብምዃንና ድማ ንኣኣቶም ብሱቕታ ክንርእዮም ዘይኰነስ ኣብዚ ኣሉታዊ ባህሊ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ዓለም ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስትን መሓርን ፍቕሪ ምልክታ ኰይንና ንረኸብ። ሰብ ካብ ግኡዝ ነገር ንላዕሊ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ፣ ነቶም ነኣሽቱን ዝተናዕቁን እንፍጽሞ ግብረ ሰናይ ኩሉ ንጐይታ ከምእንገብረ ባዕሊ ጐይታ ብዘየማትእ ቃሉ ገሊጽዎ እዩ። ፍቱዋተይ ተራ ብዝዀነ ተግባር ንጐይታና እነምልኽ ምዃንና ብዝገልጽ ኢየሱስ ብዘረጋግጽ ምልክትን ተግባርን ናብ ዓለም ፍቕሪ መታን ክኣትው ነገልግል፣ እዚ ሓይሊ ፍቕሪ’ዚ ጥራሕ እዩ ዓለም ክልወጥ ዝኽእል እንንልብሉ ዝለገስዎ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም ብብፁዕ ኣቡነ ሙሂርዋ ተሰንዮም ኣብ መካነ መቓብር ብፁዕ ካርዲናል ንሱቡጋ በጺሖምን ብዘዕረግዎ ናይ ሕሊና ጸሎት እቲ ኣብቲ ግብረ ሰናይ ማእከል ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘጠናቐቑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።

ሓቢሮም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.