2015-12-01 16:29:00

ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንናይ ኡጋንዳ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራን


ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ኡጋንዳ ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ሙንዮንዮ ብናይ ካምፓላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕእ ኣቡነ ስፕርኣን ኪሲቶ ልዋንጋ ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ቀሪቡን ኣብኡ ንሕንጸት ሓንቲ ሓዳሽ ቤተ ክርስቲያን መሰረተ እምኒ ባሪኾም ምስ ኣንበሩ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳውያን መራሕቲ ብሓባር ናይ ሰላም ትእምርቲ ኦም ከምዝተኸሉን እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕ ምዃኑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሲሚሊያኖ መኒከቲ ኣስዒቦም ነቶም ናይ ሙንዮንዮ ሰበኻ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን መምሃራት ኣቢያተ ትምህርትን ተቐቢሎም ቀዳሜ መምህር ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዘስመረ ምዕዳን እንክልግሱ፦

ተልእኾ መምህራን ኣቢያተ ትምህርትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ዘለዎ ኣገዳስነት ሓቢሮም ምስ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናት ዲያቆናትን ብምትሕብባር መጓሰይ እግዚኣብሔር ክከናኸኑን ክከላኸሉን ሓድሽ ዜና ኣብ መላእ ሃገሮምን ኣባይቲ ስድራን ከብጽሑ ዝተጸውዑ ምዃኖም ገሊጾም፣ እዚ ኣገልግሎት’ዚ ብጽንዓትን ብተወፋውይነትን ተግባር ንኣባይቲ ስድራን ወለዲ ንውላድ እምነት ከመሓላልፉን ቃልን ሕይወትን ብዘጣመረ ምስክንረት ወንጌል ብምብጻሕን ኣብ ኩሉ መዳይ ንሕዝቢ ቀረባ ብምዃን ኣብ ሃገሮም ዘርኢ እምነት ዘራእትም ኰስኰስትን ንሕጻናትን መንእሰያትን ጸሎት እትምህሩን ኢኻትኩም ከምዝበሉ ገሊጾም።

ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ንመምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ እምነት ትምህርትን ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ትምህርቲ መንፍሳውነትን መዳይ ክሓንጹን ክድግፉ ጽዉዓትን ትሑዛትን እያቶም እንክብሉ ዘተሓሳሰቡ ቅዱስ ኣቦና ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝዕድሎ ሃሴት ኣካፍሉ ኢሎም ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 1 ፍቕዲ 5 “ብርሃን እውን ኣብ ጸልማት የብርህ፣ ጸልማት ግና ኣይሓዞን” ዝብል ቃል ጠቒሶም፣ ኣብ ሙንዮንዮ በቲ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ንጉስ ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ ክርስቶስ ስደትን ሕልቂትን ክርስቲያን ተፈጺሙ እዩ፣ ናይ ኡጋንዳ ሰማዕታት ደሞ ዝፈሰስሉ ከባቢ እዩ፣ እቲ ዝፈሰሰ ደሞ ዝኹላዓሉ እዩ፣ እቲ ናይ ሰማዕታት ጽንዓት እምነት እቲ ብክርስቶስ ዝተኣትወ ናይ ተስፋ ቃል እሙን ምዃኑ ዝምስክር እዩ ቢሎም ብቛንቋ ስዋህሊይና ኣሚካማ ኣባወ ኦሙኪሳ እግዚኣብሔር ይባርኽኩም ቢሎም ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ መኒከቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.