2015-11-25 11:45:00

ናይ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሓውጾተ ኖልዎ አብ ከንያ ኡጋንዳን ሪፓብሊክ ማእከላይ አፍሪቃን


ቅዱስነቶም ካብ መንበሪኦም ከተማ ቫቲካን ተላዒሎም በቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ልክዕ  ሰዓት ሸውዓተን አርብዓ ደቂቅን ናብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ፍዩሚችኖ ምስ በጽሑ ነቲ ነዊሕ ምስንዳእ ዝተገብረሉ ናይ መጀመርያ ሓውጾተ ኖልዎ ናይ አህጉር አፍሪቃ ንምጅማር ንከንያ ገጾም ሰዓት ሾመንተ ነቂሎም፣ እዚ ጉዕዞ እዚ ንኡጋንዳን ሪፓብሊክ ማእከላይ አፍሪቃን እውን ዘጠቃለለ እንክኸውን ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ሎሚ ምሸት በቆጻጽራ ሰዓት ከንያ ሰዓት ሓሙሽተ አብ ጀሞ ከንያታ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑ ትጽቢት ይግበር፣ ከምቲ ወትሩ ዝገብሩ ቅዱስነቶም ካብታ ከተማ ቫቲካን ሒዛቶም ዝመጸት መኪና አብ እግሪ እታ ሒዛቶም እትጐዓዝ ነፋሪት ምስ ወረዱ ነታ ጸላም ቦርሳኦም ሒዞም እንክብገሱ ንከፋንውዎም አብኡ ንዝተረኽቡ ናይቲ ከባቢ ጳጳስ ዝኾኑ ናይ ፖርቶሳንታ ሩፊና አቡን ብፁዕ አቡነ ረአሊ ከማኡ እውን ናይ ሲቭልን ወታሃደራትን ኃለፍቲ ሰላም ቢሎም አብታ ነፋሪት ምስ ደየቡ ቅድሚ ንውሽጢ ምእታዎም  ኢዶም እናወዛወዙ ሰላምታ አቅሪቦም፣

እታ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ንከንያ ገጻ ክትበርር ምስ ጀመረት ወትሩ ከምዝገብርዎ አብ ክሊ አየር ናይ ዓዲ ጣልያን ስለዝነበሩ ናብ ናይ ሃገረ ጣልያን ፕረሲደንት ሰርጅዩ ማታረላ ተለግራም ልኢኾም፣ ትሕዝቶ ናይቲ ተለግራም ከአ "አብ ከንያ ኡጋንዳን ሪፓብሊክ ማእከላይ አፍሪቃን ሓውጾተ ኖልዎ ንምግባርን አብዘን ሃገራት ንዝርከቡ ብእምነት አኅዋትና ክርስትያን ንምርኻብን ብዓቢ ሃንቀውታ ጕዕዞይ አብ ዝጅምረሉ ንአኹም ንክቡር ፕረሲደንት ዝኸበር ሰላምታይ እንከቅርብ ንመላእ ሕዝቢ ሃገረ ጣልያን ሠናይ ዘበለ ኩሉን ብልጽግናን ልባዊ ጸሎተይ እናዕረግኩ ነዛ መል እኽቲ እጽሕፈልኩም አሎኹ" ዝብል እንክኸውን፤ ናይ ሃገረ ጣልያን ፕረሲደንት ሰርጅዮ ማታረላ ከአ ብወገኖም ስለቲ ተለግራም አመስግኖም "ናይ አፍሪቃ ዕብየትን ምዕብልናን ተኽእሎ ብውግእን ፖሎቲካዊ ዘይርጉእነትን ከምኡውን ብድኽነትን ዘይማዕርነትን ተዓጊቱ አሎ፣ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕኩም ነቶም አባኡ ዝርከቡ ማኅበረ ክርስትያን ደገፍ ዝህብን ዘጸናንእን ክኸውን አብተን ትበጽሕወን ሃገራት ከአ ናይ ሰላምን ሕውነትን ዘተን ምልክት ኮይኑ ንመጻኡ ናይ አህጉር አፍሪቃ ተስፋ ዝህብ ክኸውን ምንዮተይ እገልጽ" እንክብሉ እንደገና ሰላምታኦምን አኽብሮቶምን ብምግላጽ ናይ መልሲ ተለግራም ከምዝለአኹሎም ተመልኪቱ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.