2015-11-24 16:45:00

ዜና ርእሰ መንበር ሊቀ ጵጵስና ዘበአሥመራ - ዓውደ መጽናዕቲ ሲኖዶስ ጳጳሳት


ቤተክርስቲያን፣ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ስድራቤት ፍሉይ ትኩረት ብምግባር ከምዘስተንተነትን ከምዘጽነዐትን፣ ብፍላይ ከኣ ሎም ዘመን ካብ 4 ክሳዕ 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም “ጸዋዕታን ተልእኮን ስድራቤት ኣብ ቤተክርስቲያንን ናይ ሎሚ ዓለምን” ብዝብል ርእሰ-ሓሳብ፡ ኣብ ቫቲካን፡ ብመሪሕነት ቅዱስ ኣቦና ር. ሊ. ጳ. ኣቡነ ፍራንቸስኮስ ሲኖዶስ ጳጳሳት ከምዘካየደት ብቀረባ ዝዝከር ኢዩ፣፣ ኣብዚ ንሰለስተ ሳምንታት ምሉእ ዝተካየደ፡ 270 ካብ ምሉእ ዓለም ዝመጹ ካቶሊካውያን  ኣበው ጳጳሳት ምስ ዝተወሰኑ ኣሕሉቕ ገዳማትን፡ ካልኦት ዕዱማት ካህናትን ደናግልን ሰበኪዳንን፡ ዘይካቶሊካውያን ዕዱማት ኣጋይሽን ሰበ ሞያን፡ ብሓፈሻ ኣስታት 318 ጉባኤይናታት ዝተሳተፍዎ ሲኖዶስ፡ ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ወኪሎም ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም  ዘመንበረ ኣሥመራ ኣብዚ ዓቢይ ጉባኤ (ሲኖዶስ) ተሳቲፎም ነይሮም።

ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ  ካብዚ ናይ ቫቲካን መገሻኦም ምስ ተመልሱ፡ ቀዳም 14 ሕዳር 2015 ዓ.ም ኣብ ኣዳራሽ ርእሰ ኣድባራት፡ መካነ መንበር ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ፡ ንውሉደ ክህነትን ምእምናንን ብዛዕባ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እቲ ሲኖዶስን ኣገባቡን ውጽኢቱን መግለጺ ሂቦም። ብፁዕ ሊቀጳጳስ ንኣርእስትን ዝነበረ ኩሉ መደባትን ኣገባባትን ነናይ ሰሙኑን፡ ንትሕዝቶ እቲ 94 ዓናቅጽ ዘለዎ ፍረ ሲኖዶስ ዝኾነ ሰነድን በብሓደ እንኪትንትኑ፥ ቅድሚ መኽፈቲ መደብ ማለት ብድሮ ዕለት 3 ጥቕምቲ መግለጺ መደባትን ከምኡ’ውን ምስክርነታት ዝተፈላለየ ጸገማት ዘለወን ስድራቤታትን ሕጹያትን ተሰሚዑ።ብ4 ጥቅምቲ ከኣ ብወግዒ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝምራሕ መስዋዕተ ቅዳሴ እንኪኽፈት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ስብከቶም “ሲኖዶስ ፓርላማ ኣይኮነን፡ ናይ እምነት ጉዕዞ ኢዩ” ብምባል ዳርጋ መምርሒ ነቲ ሲኖዶስ ዝኸውን መልእኽቲ ኢዮም ኣስሚዖም ኢሎም። ኣገባብ እቲ ጉባኤ ብሓሙሽተ ቋንቋታት ተርጎምቲ ዝነበርዎ ብጉጅለታት ዘተን ብምልኣት ጉባኤን ይካየድ ከምዝነበረ ዝገለጹ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ሰሙን ብመሠረት ናይ ሥራሕ መምርሒ፡ ተጋባእቲ ኣብቲ ስድራቤትን ህሉው ኩነታትን ዝብል ቀዳማይ ኣርእስቲ ህሉው ኩነታት ስድራቤት ኣብ ቤተክርስቲያንን ዓለምን ኣብ ዝተገምገመሉ፡ ነተን ብተኣማንነት ዝነብራዝ ዘለዋ ስድራቤታት ኪተባብዓ፡ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ዝርከባ ስድራቤት፡ ብፍላይ ናይ መንእሰያት ጸገም፡ ፍርሒ ምእሳር ቃል ኪዳን፡ ቁጠባ፡ ዕዳን ጉዳያት ቤትፍርድን፡ ብዛዕባ ቃል ኪዳን እምነት ዘይብሎም፡ ዝተደናገረ ትርጉም ፍቕሪ፡ ጉዳያት ጾታ (ምስ ዝደለካዮ ሓደ ዓይነት ጾታ ምምርዓው)፡ ስድራቤትን ጥርንፉነትን፡ ከምኡ’ውን ጉዳይ ሽማግለታት፡ መኣምንን፡ ዘይተምርዓዉን፡ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ኣሉታዊ ጽልዋን፡ ወሊድ ብልቃሕ ማህጸንን፡ ምስናይ ፍሉይ ጉስነቱ ንነፍሲወከፍ ሓሳብ ብሰፊሑ ከምዝተዛረብሉ፡ ተንቲኖም ገሊጾም። ኣብቲ ካልኣይ ሰሙን ከኣ ብዛዕባ ጸዋዕታ ስድራቤት እንኪዝረብ፡ ስድራቤት ብእግዚኣብሔር  ዝተመሥረተት፡ መሠረት ኩሉ ኅብረተሰብን ቤተክርስትያን ምዃና፡ ብኣምሳል ቅ.ሥላሴ ዝቆመት፡ ብዘይፍታሕ ቃል ኪዳን ዝጸንዐት ምዃና፥ ካብ ብሉይን ሓድሽን ብዛዕባኣ ዝገልጽ ክፍልታት እናተጠቐሱ፥ ፍቕሪ ሕድሕድን ሓልዮትን ክህሉ ከምዝግባእ ነቲ ሰነድ እናተወከሉ ኣረዲኦም። ኣብቲ “ተልእኮ ስድራቤት” ዝብል ኣርእስቲ፡ ከመይ ገቢርና ንስድራቤት ንጓስያ ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ሣልሳይ ክፋል ከኣ ስለምንታይ ኢዩ ቃልኪዳን ሎሚ ዘለቕለቕ ዝብል ዘሎ ንዝብል ሕቶ ጽቡቕ ምስንዳው ኣቐዲምካ ስለዘይግበር ኢዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ተበጺሑ። ስለዚ ሰለስተ ደረጃታት ምስንዳው፡ ማለት ናይ ርሑቕ ምድላው፡- ቆልዑ ኣብ ገዛ ክመሃርዎ ዘለዎም መሠረታዊ ሓቅታት ሕይወት፥ ማእከላይ ምድላው፣- መንእሰያት ኣብ ዓቕመ ኣዳም-ሄዋን ምስ በጽሑ፡ ኣብ ሰውነቶም ብዛዕባ ዝመጽእ ለውጥታትን ምዕባለታቱን ብከመይ ይቖጻጸርዎን ምምሃር፤ ሣልሳይ ናይ ቀረባ ምድላው ከኣ ኣብ ሕጸ ምስ በጽሑ፡ ብዛዕባ ትምህርተ ሃይማኖቶምን ምስጢረ ተኽሊልን ብዝግባእ ክፈልጡ ምግባር፣ ቃልኪዳን ምስ ኣሰሩ ከኣ ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ ዓመታት ምስናይ (ምሕጋዝ) ከምዘድሊ ኣስሚሮምሉ። ኣብዚ ተልእኮ እዚ ካህናት “ሓዋርያት ስድራቤት” ኪኾኑ እቲ ዝግባእ ጉስነት ንስድራቤት ክህቡ ተመሃሮ ከለዉ ንባዕሎም ጽቡቕ ኣፍልጦን ዝኣኽል ምድላዋትን ክገብሩ ከምዘለዎም፣ ኣብ ሕይወት ስድራቤት፣ ፍቕሪ፣ ድሌት፣ ናጽነት ኣድለይቲ ምዃነን፥ ዘይባህርያዊ መከላኸሊ ጥንሲ ቤተክርስቲያን ከምዘይትቕበሎ፣ ሕይወት ናይ እግዚኣብሔር ምዃኑ፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ስድራቤት ተቐባሊት ጥራሕ ዘይኮነትስ ብወገና’ውን ወሃቢት፡ ሰባኺት ወንጌል ክትኸውን ከም እትኽእል ኣብ ሲኖዶስ ከምዝተሰማምዕሉ ወሲኾም ገሊጾም። ኣብ ምዝዛም እቲ ሰፊሕ መግለጺኦም፡ ብፍላይ ብዛዕባ እታ ኣብ ሲኖዶስ ብዙሕ ዘካትዐት፡ ንዝተፋትሑ ቅ.ቁርባን ምሃብ ኪፍቀድ እትብል፡ ግን ንኩነኔ ዘይኮነስ፡ ንእርማት ንዝተፋትሑ ቅ.ቁርባን ምሃብ እኳ ዘይከኣል እንተኾነ፡ ቃል ኣምላኽ ክሰምዑ፡ ቤተክርስትያን ክመጹ ምክትታልን ምትብባዕን ከምዘድሊ ሲኖዶስ ከምዘርግኦ ንተሳተፍቲ ኣብሪሆሎም። በዚ ከኣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ፡  ካብ መኽፈቲ ክሳዕ መዕጸዊ እቲ ጉባኤ ንዝነበረ ሃዋውን ንትሕዝቶ እታ ፍረ እዚ ሲኖዶስ ዝኾነት ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝቐረበትን ናብ ምሉእ ዓለምን ዝተዘርግሐትን 94 ዓናቕጽ ዘለዋ ሰነድ፡ ኣብ ክልተ እብረ ናይቲ መደብ ዓውደመጽናዕቲ ብሰፊሑ ገሊጾም። ካብ ተሳተፍቲ ንዝቀረበሎም ሕቶታት'ውን መብርሂ ሂቦም። ትሕዝቶ'ዚ ሲኖዶስን መልእኽቱን ንኩሉ ምእመን ክበጽሕ ተላብዮም ከኣ ብጸሎት ነቲ ኣኼባ ዛዘምዎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.