2015-11-24 16:24:00

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኰሎምቢያ


ኣብ ኮሎምቢያ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ኣውጉስቶ ካስትሮ ኵይሮጋ መንግስቲ ሃገረ ኰሎምቢያ ሕዝባዊ ውሳኔ ንናይ ሰላም ብዝብል ኣገላልጻ ምስቲ ኣብታ ሃገር ፋርክ እተሰምየ ብረታዊ ቃልሲ ዘካይድ ግንባር ምስ ዘካይዶ ናይ ሰላም ዘተን ንናይ ሓባር ስምምዓትን ብተዛማድነት ድይ ዘቕርቦ? እቲ ውሳኔ ድማ ሕገ መንግስታዊ መትከል ዘለዎ ድዩ? ከምኡ እውን ናይ ዓለም ሓቆፍ ሕጊ ዘኽብር ድዩ እንክብል ሕቶ ብምቕራብ እቲ ናይ ሰላም ሕዝባዊ ውሳኔ እንታይ ማለት ምዃኑን ሸቶኡ ድማ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ክግለጽ ከምዝሓተተ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ሰላም ኣብ ጽኑዕ ክብሪ ክቐውም

መንግስቲ ኰሎምቢያ እቲ ዝተበገሰ ናይ ሰላም ዘተን ስምምዓቱን ኣብ ጽኑዕ ናይ ሰላም መሰረት ዝቖመ ክኸውን ከምዝግብኦ ብፁዕ ኣቡነ ካስትሮ ኵይሮጋ ኣብ ብሔራዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዕርቅን ፍትሕን ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም ብፍላይ ድማ ኣብቲ ዝካይድ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ናይቶም ኣብቲ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ኣደዳ ናይ ዝዀኑ ኣባይቲ ስድራን ወለዲ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ኣብ ድኅረ ሕድ ሕዳዊ ግርጭት ባህላውን ሰብኣውን ደገፍ ክግበረሎምን ሰላም ምሉእ ብምሉእ ንምርግጋጽ ድማ ኣብቲ ዕርቅን ሰላምን ቀንደይና ተዋሰእቲ ክዀኑ ሓደራ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.