2015-11-24 16:21:00

ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ብፁዓን ጳጳሳት፦ ብዘይ ፍርሒ ንሲራውያን ተመዛበልቲ ምድጋፍ


እቲ ኣብ ፓሪስ ዝተፈነወ ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ ሽበራ ነቲ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ነቶም ናይ ውግእን ዓመጽን ኣደዳ ዝዀኑን ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝቐርብ ደገፍን እንገዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንተመዛበልትን ስደተይናታትን ሲርያውያን ዝቐርቡ ናይ ሰብኣዊ ድጋፍን እንገዳን ከተዓናቕፍ የብሉን ዝብል ሓሳብ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሊድስ ድሕሪ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓባር ሰነድ ተነቢሩ ከምዘሎ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ወትሩ ኣብ ጎድኒ ስደተይናታት፣ ሓገዝ ዝከኣልን ግብኡን እዩ

መንግስታት ስለ ድኻታትን ተመዛበልትን ስደተይናታትን እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ግምት ብምሃብ ግቡኦም ክፍጽሙ ትሑዛት እያቶም ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ናይ እንግልጣርን ወይልስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንተመዛበልትን ስደተይናታትን ምድጋፍን ምእንጋድን ኣብቲ ዝተኣንገድሉ ሃገርን ሕብረተሰብን ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ዘኽእሎም ዕድል ክፍጠረሎምን ብሓፈሻኡ ባህሎምን ሃይማኖቶምን ከላልዩን ምስ ናይ ዘእንገዶም ሃገር ባህልን ሃይማኖትን ቋንቋን ክላለዩ ዘብቅዖም ባይታ እውን ክፍጠረሎም ሓደራ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፦ እቶም ዑቕባ ዝሓቱ ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮም ተሓልዩ ነቲ ሕቶኦም ብቑዕ መልሲ ምሃብ ናይ ሓደ ሃገር ሚዛን ሰብኣዊ ስልጣነ እዩ ከምዝበሉ ገሊጹ።

እቲ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ንኹሉ ሕዝቢ ዓለምን መንግስታትን ብድሆ እዩ

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ካቶሊክ ምእንጋድን ብቑዕ ሓገዝን ደገፍን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ምቕራብ ተዋፊሩ ዝህቦ ኣገልግሎት ዝነኣድ እዩ። እዚ ድማ ወንጌላዊ ፍቕሪ ዝምስክር ምዃኑ ገሊጾም፣ እቲ ዝረአይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንኹሉ ብድሆ እዩ፣ ስለዚህ ኩሉ ከከም ዓቕሙን ሓላፍነቱን ኣብ ግብረ ሰናይ ክዋሳእ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.