2015-11-24 16:38:00

ቤተክርስትያን እምንቶአ አብ ውሕስነት ዓለም ዘይኮነስ መዝገባ ንኢየሱስ እንተደአ ጌራ እያ ተአማኒት ትኸውን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ “ቤተ ክርስትያን እንኮ ትሕጃአን መዝገባን ንኢየሱስ እንተጌራ ተአማኒት እያ እንተዘየሎ አይምውቅቲ አይዝሕልቲ ኮይና መንጎ መንጎ ኮይና እምንⶆአ አብ ውሕስነት ዓለም ክተንብር እያ” እንክብሉ ንምሳሌ ናይታ ዝነበራአ ክልተ ሰናቲም አብ ሙዳየ መባእ ዘቀመጠት መበለት ክምህረና አዘኻኺሮም፣

ናይ ዕለቱ ወንጌል ጐ.ኢ.ክ ምስ ሓዋርያት አብ ቤተመቅደስ እንከለው ሓንቲ ድኻ መበለት ነተን ዝነበራአ ክልተ ሰናቲም አብ ሙዳየ ምጽዋት ክተቀምጥ እንከላ ተዓዚቡ “ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።እዚኣቶምሲ ዅላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውድቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ እያ ዘውደቐት፡” (ሉቃ 21) እንክብል ንዚነአዳ ድኻ መበለት ዘመልክት ነበረ፣ ቅዱስነቶም ካብዚ ጥቅሲ እዚ ብምብጋስ “አብ ቅዱስ መጽሓፍ መበለት ክብል ከሎ በይና እንትነብር ማእምን ኮይና ዝሓልየላ ሰብአይ ስለዘይብላ ከምዝተኻእላ ብልማኖን ሓገዝን እትናበር እያ፣ ተስፋአ ጐይታ ጥራሕ እዩ፣ እዚ ምሳሌ እዚ ነታ ምጽ አት ጐይታአ ብ ዓቢ ሃንቀውታን ተስፋን እትጽበ ቤተክርስትያን እውን የመልክት፣ ከመይ እታ መርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን እንኮ ትሕጃአ ንሰማይ ስለዝኸደ ክሳብ ዝምለስ ብተአማንነት ክትጽበ ከላ ዓቢ ነገር እዩ፣ ኮይኑ ግን ተአማንነት አጕዲላ ብኻል እ ነገራት ክትመሓደርን ካብ እግዚአብሔር ዘይኮነ ካብ ዓለማዊ ነገራት ውሕስነት ሃሰውሰው ክትብል እንተጀሚራን ተአማንነታ አጥፊአ ማለት እዩ፣ እታ ሓቀኛ ቤተክርስትያን ከም ኩለን መበለታት እናነብዔት ሰለደቃ እትቃለስ አደ እያ፣

“መበለታት ወንጌል ትክክለኛ መል እኽቲ ኢየሱስ የመሓላልፋልና፣ ንአብነት እታ እንኮ ወዳ ብሞት ዝተፈልያ በዓልቲ ናይን መበለት ሽሕኳ ንቀብሪ ዘሰንይዋ እንተነብሩ ነቲ ቃንዛን ሥቃይን ግን በይና እያ ጸራቶ ነራ፣ ቤተክርስትያን እውን ልክዕ ከምአ ደቃ ናብ ኢየሱስ ክሰጋገሩ እንከለው ትበኪ፣ ካል እ ምሳሌ ከአ እታ ፍትሒ ደልያ ም እንቲ ደቃ ናብቲ ዓመጸኛ ዳኛ ወግሔ ሰብሔ ከይሰልከየት ትመላለስ መበለት እዩ፣ ፍትሒ አውጸአለይ እናበለት ትኩሕኩሕ ነበረት፣ ሽሕኳ እቲ ዳኛ ጨካንን ፈሪሃ እግዚአብሔርን ዘይብሉ እንተነበረ ተመላሊሳ ከይተሸግሮ ም እንቲ ፍትሒ የውጽ አላ፣ እዚአ አምሳል ናይቲ ለይትን መዓልትን ከየቋረጸትን ከይሰልከየትን እትጽሊ ቤተክርስትያን አምሳል እዩ፣ ስለዝኾነ ከአ ልቢ ቤተክርስትያን ወትሩ ምስ መርዓዊአ አብ ሰማይ እዩ ክህሉ ዘለዎ፣ ብዙሓት ባሕታውያን ናይ ምድረበዳታት ከምዘመልክቱና ነፍስና እውን አምሳል እዛ ቤተክርስትያን እዚአ እየን፣ ነፍስና መጠን ናብ ጐይታ ዝቀረበቶ ካብ ብዙሕ ናይ ዓለም ነገራት ትፍለ፣ እዚ ነገራት እዚ ካብ ኢየሱስ ዘርሕቀና ዘይሕግዘና ነገራት እዩ፣ በዚኸስ እታ ሓቀኛ ቤተ ክርስትያን ንመር ዓዊ አ እናተጸበየት ስለደቃ ወግሔ ጸብሔ እናበኸየት ዘለዋ ኩሉ እናዓደለት ነቲ እንኮ ተስፋአ ትጽበ፣ እታ አይምውቅቲ አይዝሕልቲ ኮይና ላንጋ ላንጋ ዘላ ቤተክርስትያን ካብ ዓለም ውሕስነትን ምጽንናዕን ክትረክብ ትቃለስ፣ ወያ ዓለም ግን አይሽንኳይ ውሕስነትን ምጽንናዕን ክትህብሲ ይትረፍ ንርእሳ አብ ሻቅሎትን ራዕድን እያ ትርከብ፣ ስለዚኸስ ቤተክርስትያንስ ትኹን ነፍሳትና ውሕስነትን አብ ጐይታ ጥራይ ዶ ይገብራ ወይስ አብቲ ንጐይታ ዘየሕጉስ ዓለማዊ ነገራት? ቢልና ነስተንትን፣ እዚ አብዚ ክንጅምሮ ንቀራረብ ዘሎና ዘመነ ምጽ አት ክሕግዘና እዩ፣ ንኩሉ ነቲ ተአማንነትና ዘይሕግዝ ነገራት ገዲፍና ናብ ጐይታ ቁልሕ ብምባል ጐይታ ኢየሱስ ነዓ ክንብል እንተኽ ኢልና ክንድሕን ኢና ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.