2015-11-22 16:16:00

፩ ሰንበት ዘአስተምህሮ ኅዳር 12 2008 ዓ.ም.(11/22/2015)


ንባባት፡ ዕብ 10፡11-18፥ ይሁዳ 1፡17-22 ግ.ሓ. 5፡17-26፥ ማር 13፡24-32   ምስባክ፡ “ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ”። “ንዝሓለፈ በደልና አይትቝጸረልና፤ ቀልጢፍካ ምሕረት ግበረልና፤ ከመይ   ተስፋ ቆሪጽና አሎና”። መዝ 79፡8 ( ቅዳሴ ዘእግዚእነ፤ ነአኩተከ)።

ካብ ኅዳር 7 ክሳብ 7 ታሕሣሥ ወይ 13 ዘሎ ጊዜ ዘአስተምህሮ ይብሃል፥ አብ ቀዳማይ ሶምን ናይ አምላኽ ሕያውነት፥ ትዕግስቲ፥ ክብርን ምስጋናን ነቕርብ። ሎሚ ቀዳማይ ሰንበት ዘአስተምህሮ ዘኪርና አሎና። ዘአስተምህሮ ሓምሽተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። አብዚ ሓምሽተ ሰናብቲ ናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርትን ዝገበሮ ናይ ምሕረት ሥራሕን ክነስተንትን የዘኻኽረና። “አበሳና አይዘከረን (ዘኽታማት ክንከውን አይሓደገናን) ክንጠፍእ  አይሓደገናን፥ ሕያዋይ እግዚአብሔር፥ ሙሴ ንህዝቢ ሰንበት ብሓቂ ከኽብሩ አዘዞም” እናበለ መዝሙር ናይ ሎሚ ናይ አምላኽ ቅሩቡነት ንደቂ ሰባት ይነግረና። ኢየሱስ ንደቂ ሰባት ቃል ሃይማኖት የስምዖም ነበረ፥ ኩሉ መገዲ ድሕነት ነገሮም፥ ኮይኑ ግን ሰባት ልቦም አይከፈቱሉን ርሓቕዎ፥ እኳ ድአ አብ መጨረሽታ ቀተልዎ። ሎሚ ነፍስ ወከፍና ተቐበልቲ ቃል አምላኽ ክንከውን ዕዱማት ኢና። ንመገዲ አምላኽ ክንፈልጥ እሞ አብ ጉዕዞ ድሕነት ክንጸንዕ።

ቃል አምላኽ ንሎሚ ዝተነበልና አብ ተስፋ እና ነበርና መጻኢና ክንዕሪ ዘዘኻክር እዩ። እዚ እንነብሮ ዓለም ቀልጢፉ ደንጉዩ ክውዳእ እዩ፥ ነፍሲወከፍና መዓልትና ሓሊና አብ ቅድሚ አምላኽ ደው ክንብል ጸብጻብ ሕይወትና ክንህብ ኢና። ጸብጻብ እንህብ ካብኮና ካብ ሎሚ ዝጓነፈና ፈተና ይኹን ድኻም ተስፋ ክይቆረጽና አብ ሓቀኛ ሕይወት ክንጉዓዝ ንንገር አሎና። አምላኽ በብእዋኑ ይዛረብ አሎ፥ ክንሰምዕ ክንስተውዕል እሞ መገዲ ሕይወትና ክንዕሪ ንሕተት አሎና።

አብ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚአብሔር አብ ጽንኩር እዋናት አብ ጊዜ ስደትን ውግእን ንሱ ከም ዝቖጻጸር ዝነግር ብዙሕ አሎና። አብ ትንቢት ዳንኤል 12፡1-3 ዘሎ እንተ አንበብና ግሪኻውያን ነጋውስ ንምድረ እስራኤል ከም ዝወረሩ ንእምነትን ባህልን ክቕይሩ ከምዝገደድዎም እንተ ኾነ ንትእዛዛት ነጋውስ ብምእባዮም ስደትን ሞትን ማእሰርትን ከም ዝወረዶም ይነግረና። አብዚ ጽንኩር እዋን አምላኽ ምስኦም ከምዘሎ ጸኒዖም ክአምኑ ከም ዘለዎም አምላኽ መልአኹ ሚካኤል ልኢኹ ከም ዝሕልዎም ይነግሮም። አብ መወዳእታ ጽቡቕ ዝገበሩ አብ ሕይወት ዘለዓለም ከም ዝአትዉ እቶም ክፉእ ዝገብሩ ግን ናብ ኅፍረትን ናብ ናይ ዓለም ነውንርን ከምዝኸዱ ይነግር።

አብዚ ዓለም ከይተዓገስካ ከይተጸመምካ ዓወትን ቅድስናን አይርከብን እዩ። በቲ ዝጓነፈና ጸገማትን ፈተናን ልብና ከይንዓጹ እሞ አፍደገ ሰማይ ከይዕጸወና ክንጥንቀቕ ይግብአና። ንሕና ድኹማት ፍጥረት ሕነ ንምፍዳይ ንምቕያም ንብብትታን ንኽፍአት ድሕር ዘይንብል ኢና። በዚ ድኹም ጠባያት ክንደይ ሰባትን ስድራበታትን አብ መንግኦም ሰላም ተሳኢኑ ዘይሳቐዩ አብ ልብና ምልስ ኢልና ጽን ክንብል እንተ ኽአልና ንዅሉ አብ ጽቡቕ ክንቅይር ተስፋ ክንገብር ንኽእል ኢና።

አምላኽ ንኣና ፍጡራቱ አይሓድገናን እዩ ንሕና ኢና እንሓድጎ። ብፍላይ ነገራት ከም ድላይና ምስ ኮነልና ሃብቲ ጥዕና ፍልጠት ብሰባት ህቡባት ምስ ኮና ንአምላኽ ክንሓድግ አይጽግመናን እይ። አምላኽ ግን አብ አፍደገ ልብና ኮይኑ ክንምለሶ እቲ ተዋሂቡና ዘሎ ጸጋ መጋበሪ ድሕነትና ክንገብሮ ሕሹኽታኡ ብቐጻሊ ይሓተና። ከምቲ አቦ ጥፉእ ውሉድ ውሉዱ ክሳብ ዝምለሶ ኩሉ ጊዜ በታ ዝጠፍአላ መገዲ ዝጸበዮ ዝነበረ ንነፍሲ ወከፍና ካብቲ ዓጊቱ ሒዙና ዘሎ ወጺእና አብ አምላኽ ክንምለስ ይጽበየና አሎ። ካብ ክፍአትን ኃጢአትን ሓራ ክንከውን መጀመርያ ባዕልና ንመገዲ ድሕነትን ሰላምን ፍቕርን ክንጅምሮ አሎና። አብቲ ንልብና ጸልማት ሸፊንዎ ዘሎ እዋን አብኡ ብርሃን ክርስቶስ ክበርቀልና ሃረር ክንብል ይግብአና።

ምስ አምላኽ ከይራኸብ ዓጊቱኒ ዘሎ ነገር አሎኒዶ? ኢልና ሕይወትና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ብርግጽ ሓደ ነገር አብ አምላኽ ከይቀርብ ወይ እውን ንሱ ዝደልዮ ከይገብር ዝዓገተኒ ነገር አሎ ኢልና ንርእስና ክንሓትት ሽዑ ክነለሊዮ እሞ ክንሳሕ ንሕተት አሎና። ምስ አምላኽን ምስ ሰብን ከይራኸብ ጽቡቕ ከይገብር ዓጊቱ ሒዙኒ ዘሎ ክፈልጦ እሞ ክስዕሮ አብ አምላኽ ክንምለስ ክንብህግ ሽዑ ንጎደና ሰላምን ዕርቅን ሕድገትን ክንተሓሓዞ ብምሉእ ተስፋ ክንብገስ እዋኑ እዩ።

ዘመን አስተምህሮ ብፍሉይ ዘዘኻኽሮ አብ ኃጢአትና አብ ድኽመትና ክንተኩር ዘይኮነ አብ ምሕረት አምላኽ ክነተኩር እዩ ዝሓተና ዘሎ። አብ ጉዕዞ ሕይወት አዒንትና ንአምላኽ ክርእያ ቋሕ እንተ ነብለን፥ ሕልናና ንዝኵሕኩሖ ክምልስ እንተ ነፍቅድ አብ ርክባትና ምስ አምላኽ ይኹን ምስ ሰብ ዓቢ ተሓድሶን ተስፋን መውረደልና።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ማርቆስ ብዛዕባ ዳግማይ ምጽአት ይዛረብ። ማርቆስ ወንጌሉ አብቶም አብ ጸልማትን ጭንቀትን ስደትን ዝነብሩ ዝነበሩ ብዛዕባ እምነቶምን ክገብርዎን ክፈልጥዎን ዝግብኦም ነገራት እዩ ጽሒፉ። ብዙሓት ብሰንኪ እምነቶም ተቐቲሎም ብዙሓት ከአ አብ ፍርሒ ይነብሩ አለዉ። አብ ጽሑፉ አብ መጨረሻ ክርስቶስ አብ ልዕሊ ኩሉ ከም ዝነግስ አብ ከምዚ ኵነታት ጸኒዖም እንተ ሞቱ አብ መበር ግርማ አምላኽ ከምዝሳተፉ እቶም ድኹማትን ኃጥአንን ግን ከም ዝጠፍኡ የስተምህር።

ማርቆስ አብ ምልክታትታ ክዕዘቡ የስተምህር፥ ነዚ ከረድእ ምስላ ኦም በለስ ይነግር። ቆጽላ ክጥጥዕ ምስ ረአኹም እዋኑ ትፈልጡ ስለዚ አብ ሕይወትኩም እውን ነቲ ዘሎ ኩነታት ርኢኹም ናይ አምላኽ ነገራት ዘክሩ ይብል። ሎሚ ንአና ዝውሃብ ምልክት አሎናዶ? አብ ዓለም ብገፊሑ፥ አብ ዓድናን ህዝብናን፥ አብዛ ንእሽቶይ ማሕበርና እንታይ ምልክት ይውሃበና አሎ? ሓቀኛ ፍርዲ ክንህብ እሞ ኩነታትና ክንርኢ መጀመርያ ዘስተውዕል ልብን ሕልናን የድልየና። አብ ሓሶትን ስምዒታውን ነገራት ተአሊኽና ክንፈርድ እንተ ፈተና ፍርድና ቅኑዕ አይክኸውንን እዩ። ነዚ ከምቲ ዝድለ ክንርእዮ አብ አምላኽ ክንምለስ አሎና። ምስ አምላኽን ሰብን ርክበይ ከመሎ ክንብል አሎና። መዓልታዊ ሕይወትና ክንርኢ እንተ ዘይከአልና እንጉዓዞ ጉዕዞ መወዳእታኡ ክኸብደና እዩ።

ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ዝነግረና ዘሎ መልእኽቲ ተስፋ፥ ሓቦን ሓጎስን እዩ። አብዚ ንሓዲስ ዘመን አብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ብዝያዳ ክንሰናዶ ምእንቲ እዩ ዝንገረና ዘሎ። ዘጓንፈና ጸገማት ይኹን አብ ዓለምና እንርእዮ ጽንኩር ኩነታት ብዘየገድስ ካብ አምላኽ ከይንፍለ ምስትውዓል ይሓተና። ሎሚ አብ ዓለምና ብዙሓት ክርስትያን ብሰንኪ እምነቶም ይቕተሉን ይስደዱን ንርኢ አሎና። ዘገርም ዝሓለፈ ዓርቢ 13 ኅዳር 2015 አብ ዓዲ ፈረንሳይ ብስም አምላኽ 130 ተቐቲሎም። ቀተልቲ “አላህ ወአክበር” እንበሉ ደፊሮም አብ ዓዲ ክርስትያን ንጹሓት ሰባት ቀቲሎም። አብ ማእከላይ ምስራቕ ሰሜንን ምስራቕን ምዕራብን አፍሪቃ፥ አብ አስያን ፕሲፊክን ኮታ አብ ምሉእ ዓለም ብዙሓት ንጹሓት ክርስትያን ካብ ዓዶም ይስጎጉ ይቅተሉ አለዉ እዚ ሕማም ብስም ሃይማኖት ንሰባት ምቕታል ምስዳድ ምእሳር ልሙድ ኮይኑ። ሎሚ ዳርጋ ክርስትያን ምዃን ዘፍርሕ ኮይኑ ዘሎ ይመስል። እዚ ኹሉ እናኾነ አምላኽ ስለምንታይ ሱቕ ኢሉ ይርኢ አሎ አብ ዝብል ክንአቱ ይደፍአና። አምላኽ ሱቕ አይበለን ብቤተ ክርስትያኑ ብልኡኻቱ ዓው ኢሉ ይዛረብ አሎ፥ ንሕና ኢና ከይንሰምዕ ልብና ዓጺና ዘሎና።

ካልእ ሓደ ካብቲ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ሞራላዊ ሕይወት ደቂ ሰብ አብ secularism and hedonism ማለት አብ ሃብቲ ምቾት ጣዕሚ ዘምቢሉ። እቶም ንአምላኽ ዘይዝክሩ ዝሓለፈሎም እቶም መገዲ አምላኽ ዝሓዙ ግን ይሳቐዩ ዘለዉ ይመስል። ንአምላኽ ብዝርኢ ብዙሕ ሕቶታት ንሓትት ደፊሮም አምላኽ የለን ዝብሉ፥ እዚ ዅሉ ክኸውን እንከሎ አምላኽ አበይ ነሩ? ገለ ክገብር አይክእልን እንድዩ? እዝን ካልእ እናሓተቱ ህላዌ አምላኽ ይኽእሕዱ። ብዙሓት ከአ ንሃይማኖት በቲ ንሶም ዝደልይዎን ዝፈትውዎን ጥራሕ ክምራሕ ዝደልዩ አለዉ። አነ ነዚ አይአምነሉን አይቅበሎን እናተባህለ ክንአምኖ እንደሊ ባዕልና ንውስን እዚ እውን ንመገዲ ጥፍአት ዘግፍሕ እምበር ዝሕግዝ አይኮነን።

አብ መንጎ እዚ ዘጨንቕን ዘሸግርን ሕቶታት ዘሕጉስ ሰናይ ወረ ካብ ንባባትና ንረኽቦ። ንባባትና ተስፋ፥ ናይ ምንጻሕ፥ ናይ ተሓድሶ፥ ተሓድሶን ትንሣኤን ከምዘሎ ይገልጹልና። ሓንቲ ክርስቶስ ዘረጋገጸልና አብ መጨረሻ ጽቡቕ አብ ልዕሊ ክፉእ ከም ዝዕወት እዩ ፥ ግን ብወገና ክንገብሮ ዝግብአና አሎ። ሱቕ ኢልና ነገራት ባዕሎም ክቕየሩ ክንጽበ የብልና ንኽፉእ ክነጽግ ንጽቡቕ ክንስዕብ ይግብአና። ክፉእ እናረአኻ ሹቕ ምባል ክልተ ወጽዓ አልኦ። መጀመርያ ሱቕ ብምባልና ነቲ ሕማቕ ከም ዝቕጽልን ንገብር አሎና ምናልባት ንሕና ነቲ ጌጋ ዓው ኢልና እንተ ንዛረበሉ መተቐየረ ሱቕ ምባልና ግን ከም ዝቕጽል ይገብሮ። ካልአይ ንርእስና ንጉዳእ፥ ንአይ ይጥዓመኒ ኢልና አብ ብጻይናን ዓለምናን ዝወርድ ዘሎ ጸገም ከምዘይ ምልከተና ኮና ስለ እንነብር ውዒሉ ሓዲሩ ንአና እውን ይጎድአና። አብ ብዙሕ ክፍሊ ዓለም ንነገራት ስአን አብ መጀመርያ ምዕራዮም ከምኡ ዓው ኢልካ ንሕማቕ ብሓባር ስአን ምዝራብ ሰብ ሎሚ ይሕረድ ይጠፍእ ንርኢ አሎና። “ቆርበት ብሩሑሱ ሰብ ብንኡሱ” ከምዝብሃል ነገራት ካብ መጀመርያ ክዕረዩ ይግብኦም።

አብ ዓለም ዓመጽቲን ክፉአትን ንግዚኡ ዝተዓወቱ እዩ ዝመስሎም ከምኡ እውን እዩ ዝመስል እንተ ኾነ እቲ ሓቂ ከምኡ አይኮነን። ናይ ክፉአት ሰባት ጥፍአት ሞት ዘይተርፍ እዩ። ንርኢ አሎና ቀተልቲ ሰብ ዝነበሩ ውዒሎም ሓዲሮም ጥፍአቶም ይወርዶም እዩ። ከም ክርስትያን ሕልና ክህልወና ግድን እዩ። ኢድና አጣሚርና ክፉእ ዓመጽ ክወርድ ሱቕ ኢልና ካብ ሰማይ ክቕየረልና ክንጽበ የብልና። ፍሉይ ጸሎትን መስዋዕትን ክንገብር ግድን እዩ። አብቲ ከአል ኩሉ አምላኽ ክንምለስ እንከሎና ጥራሕ እዩ ነገራት ዝቕየር።

መልእኽቲ ዕብራውያን ንሎሚ ዝተነበልና አብ ጽንኩር እዋን ብምሉእ እምነትን ተስፋ ክንጉዓዝ ከምዘሎና የዘኻክረና። ክርስቶስ ምእንታና ንሓንሳብን ንሓዋርን በጃ ኮይኑ አድሒኑና እዩ። እዚ ናይ ክርስቶስ መስዋዕቲ ክንቅደስ አፍደገ ከፊቱልና። ክርስቶስ ከም ካህና አብ ታቦት ልብና ኮይኑ ክቕድሰና ይደሊ አሎ። ነቲ ክርስቶስ አብ መወዳእት ክንኮኖ ዝደልየና ክንከውን ትዕግስትን መስዋዕትን ክንከፍል አሎና። ተስፋ ዘቍርጽ የብልናን።

እሞ ሎሚ አሕዋተይ ንክርስቶስ እንታይ ክነቕርበሉ ንኽእል። እንታይ ዓይነት መስዋዕቲ ክነዕርገሉ ንኽእል። ዝገጥመና ኵነታት ብዘየገድስ ጽቡቕ እናገበርና ክንቅጽል ንኽእልዶ? ምናልባት ጽቡቕ ክንገብር ዘበራትዕ እንተ ዘይረኸብና አብቶም ጽቡቕ ገሮም ብአምላኽ ዓስቦም ዝረኽቡ ርኢና ብተስፋ ንጽቡቕ ንበገስ። አብዚ ዓለም ስለ እንነብር ዘሎና ሓደ ክንዝንግዖ ዘይብልና ነገር አሎ ሓደ መዓልቲ አብዚ ዓለም አብ ቅድሚ አምላኽ ጸብጻብ ክንህብ ኢና ስለዚ ሎሚ ብዘይምሕላል አብ ጽቡቕ ክንወፍር ይግብአና። ሎሚ ሕጂ ነሰናይ ክንጅምሮ ይግብአና አርከበሉ ጌና ንእሽቶይ እየ እናበልካ ንርእስኻ ምትላል ይአክል። “ስዓቱን ዕለቱን አይትፈልጡን ኢኹም እሞ ተሰናዲኹም ጽንሑ” ይብለና አሎ።

፩ያ ሰንበት ዘአስተምህሮ እምብአር ድኽመትና ኃጢአትና አለሊና አብ ምሕረትን ጸጋን አምላኽ አሚና ክንምለስ፥ አብ ቅድሚኡ አብ እንቀርበሉ ዝአክል ስንቂ ሒዝና ክንጸንሕ ልብና ንኽፈተሉ። ንሱ ኽአ አታ/ቲ እሙንን ሕያዋይን አብ ቁሩብ ተአሚናክ እኻ እሞ አብ ሓጎስ ጎይታኻ/ኺ እቶ ክብለና እዩ።

ኦ አምላኽ አባኻ ክምለስ ጉዕዞ ሕይወተይ ክቕይር ሓግዘኒ ንበሎ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.