2015-11-22 16:24:00

ቤተ ክርስትያን ንዋይ አይተምልኽ ኃይላ ቃል ኢየሱስ ይኹን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ “ቤተ ክርስትያን አብ ገንዘብን ሥልጣንን ከይትጠብቅ፤ አብ አምልኾ ንዋይ ከይትወድቅ ትተሓሎ፣ ኃይላን ሓጐሳን ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይኹን” እንክብሉ ሰበኺኾም፣

ብመሠረት ግጽው ናይ ላቲናዊ ሥርዓተ አምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትማሊ ዝቀረበ ቃል አምላኽ ቀዳማይ ንባብ ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ መቃብያን ኮይኑ እዞም ስድራ እዚኦም አብ ድሕነት እስራኤላውያንን አምልኾ እግዚአብሔርን ዓቢ ግደ ዘበርከቱ ኮይኖም ካብ ሽመትን ገንዘብን ጣዕሚ ናብራን አምልኾ እግዚአብሔር መሪጾም መሪር ቃልሲ ዘሕለፉ ኮይኖም ወላውን ከስድዕዎም ብዙሕ ገንዘብን ጣዕምን ብምውፋይ እንተፈተንዎም ቅንአት ቃል አምላኽ ስለዘቃጸሎም ንእምነቶም ክዋግኡን ነቲ ተራኺሱ ዝነበረ መቅደስ አምላኽ እንደገና ከንጽሑን ሕዝቢ ናብ እምነቶም ክጸንዑን ዓቢ አበርክቶ ዝገበሩ ምዃኖም ዝትርኽ እዩ፣ ሕዝበ እስራኤል እቲ ብአረማውያን ተወሲዱ ዝነበረ ቤተመቅዶስም እንደገና ክነጽሕን ክህነጽን መሥዋዕቲ ከዕርጉሉን ምስ ጀመሩ ዓቢይ በዓል ከምዝገበሩ እውን የዘንቱ፣ ቅዱስነቶም አብዛ በዓል እትብል ቃል ተመርኲሶም መንነቶም እንደገና ስለዝረኸቡን ብ አምልኾ ገሊጾም፣

“በዓል እንክበሃል ዓለምን ዓለማውያንን ክገብርዎ ዘይክእሉ እዩ እንተኽኢሎም ቁሩብ ምዝንጋዕን ዕግርግርን እዮም ክገብሩ ዝኽእሉ፣ ሓቀኛ ሓጎስ ናይዚ በዓል ካብ ኪዳን ይውለድ፣ እዚ አብ ግዜ መቃባውያን ዝተገብረ ምንጻሕ ቤተመቅደስ አብቲ ሎሚ ዘንበብናዮ ቃል ወንጌል ሉቃስ 19፤45 “ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ዚሸጡን ዚሻየጡን፥ ቤተይ ቤት ጸሎት እያ፡ ተጽሒፉ አሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ እናበሎም ኬውጽእ ጀመረ።” ምስ ዝብል ይተአሳሰር፣ ከምቲ ቃለ ወንጌል ብሰፊሑ ዝገልጾ ናይቲ ቤተመቅደስ ኃለፍቲ ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ንነገራት ከምዝለወጥዎን ነቲ ቤተመቅደስ ከምዘርስሕዎን የመልክት፣ እዚ ከአ አምሳል ቤተ ክርስትያን እዩ፣ እቲ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ዓለማዊ ፈተና ናይ ብልሽውናን ሥልጣንን ካልእን ወትሩ አሎ፣ እዚ ሥልጣን እዚ ግን ናይ ኢየሱስ ሥልጣን አይኮነን፣ ኢየሱስ ከምዚ አይግበርን ውጻእ አይበለን፣ ቤተይ በዓቲ ሠረቅቲ ገርኩሞ እዩ ዝብል፣ ቤተ ክርስትያን አብዚ ደረጃ እዚ ምስ እትበጽሕ ብሓቂ ዘሰክፍ እዩ፣

“አብ ቤተ ክርስትያን ኩሉ ግዜ ፈተና ብልሽውና አሎ፣ ቤተ ክርስትያን አብ ክንዲ ተአማንነታ አብቲ ንጉሥ ሰላምን ጐይታ ሓጐስን ድሕነትን ዝኾነ ክርስቶስ ክንዲ ምግባር አብ ገንዘብን ሥልጣንን እንተደአ ጠቢቃ ጸገም እዩ፣ እዚ ከአ እዩ ቃለ ወንጌል ዝነግረና፤ ኃለፍቲ ቤተ መቅደስ መንፈስ ተልእኮኦም ዘንጊዖም እምንቶኦም አብ ገንዘብን ሥልጣንን ገሮም፣ መመኽነይታ ም እንቲ ክረኽቡን ር እሶም ሓራ ከውጽ ኡን ከአ ነቲ ሓርነት ዘልብስ ሕጊ መንፈስ ሓፍ ብዘይብል ደረቅ ሕጋታቶም ተኪኦሞ፣ አብ ወንጌል ማቴዎስ 23 ከአ “ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ። ስለዚ ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሐልዉን፡ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ።  ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም፡ ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን።  ኵሉ ግብሮም፡ ሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩ። ክታባውቶም የግፍሑ፡ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ። ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣብ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ። ኣብ ዕዳጋ ኺሳለምዎም፡ ብሰብውን መምህራን ኪብሀሉ ይፈትዉ።” ብማለት ብወይልኦም ዝቃናኡ ይገንሖም፣ ከምዚ ምስ ኮነ ሕዝበ እግዚአብሔር ትርጉም ክስ እኑሉ ጀሚሮም፣ ምኽንያቱ መራሕቶም ክንዲ አምልኾ እግዚአብሔር አብ ገንዘብን ሥልጣንን ተጣቢቆም ስለዝተዓዘቡ፣ እዚ እቲ አብ ኦሪት ዝነበረ ዓለማውነት እዩ፣

“ኢየሱስ ካብ ቤተመቅደስ ዘባረሮም ንሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ዘይኮነ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ እዩ፣ ኮይኑ ጸሓፍትን ሊቃነ ካህናትን ምስቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ምት እስ ሳር ነርዎም፣ ከመይ ብልሽውና ነሩ፣ ጉቦ ይቅበሉ ነሮም ክንዲ ንእግዚአብሔር ንጉቦ ከምልኹ ጀሚሮም፣ ዓቢ ዕንቅፋት ስለዝኾኖም ከአ ወንጌል ጸሓፍትን ሊቃነ ካህናትን ን ኢየሱስ ክቀትልዎ ይደልዩ ነሮም ይብለና፣ አብ መጸሓፈ መቃብያን ተመልኪቱ ዘሎ ይሁዳ መቃቢስ እውን ከምዚ እዩ አጋጢምዎ ከመይ እቲ ሕዝቢ ጽን ቢሉ ይሰምዖ ነሩ፣ ሓይሊ ኢየሱስ ቃሉን ምስክርነቱን ፍቅሩን እዩ ነሩ፣ ኢየሱስ አብ ዘለዎ ዓለማውነት የለን ንብልሽውናን ጉቦን ቦታ የለን፣ ናይ ነፍሲ ወከፍና ዕለታዊ ቃልስና እዚ እዩ፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ዕለታዊ ግድል እውን እዚ እዩ፣ ስለዚኸስ ቤተ ክርስትያን ወትሩ ምስ ክርስቶስ ኮይኑ ነቲ ካብ አፉ ዝወጽ እ ቃላት እናሰም ዔት ክትነብር አለዋ እንተዘየሎ ካል ኦት ክጕይትቱላ እዮም፣ ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ወይ ን እግዚአብሔር ወይ ከአ ንገንዘብን ሥልጣንን እዩ ንክልተ ጐይቶት ከገልግል ዝኽ እል ስለዘየልቦ፣ ስለቤተክርስትያን ንጸሊ ካብዚ ፈተና እዝን ካል እ ፈተናታትን ንክንድኅን ነቶም አብ ፈቀዶኡ ብሰማዕትነት ምስክርነቶም ዝህቡ ዘለው ንዘክር፣ ከመይ ካብቶም አብ መጀመርያ ክፍለዘመን ዝነበሩ ሰማዕታት ናይ ሎሚ ሰማዕታት ይበዝሑ፣ ነዚኦም ንዘክር ጐይታ ጸጋኡ ክህነና ንለምኖ፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.