2015-11-17 16:16:00

ስልማት ራትዚንገር 2015 ዓ.ም.


ዕለት 16 ሕዳር 2015 ዓ.ም. እቲ በቢ ዓመቱ ንብሉጻት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ዝወሃብ ራትዚንገር እተሰምየ ስልማት ናይ 2015 ዓ.ም. ስነ ስርዓትን መደባት ዓወደ መጽናዕትታትን ዛዕባ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍክሊ ዜናን ሕትመትን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተውሃበን ናይ 2015 ዓ.ም. ስልማት ብቑዓት ተባሂሎም ንዝተሓርዩ ሊባኖሳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ፕሮፈሰር ናቢል አ ኩርይን ከምኡ እውን ንብራዚሊያዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ማሪዮ ደ ፍራንካ ሚራንዳ ዝወሃብ ምዃኑ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ዮሰፍ ራትንዚገር ማሕበር ናይ ስነ ምርምር ኮሚቴ ኣባል ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ፍራንሲስኮ ላድራኢያ ፈረርን ከምኡ እውን ናይ ዮሴፍ ራትዚንገር ማሕበር ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጁዘፐ ስኮቲን ናይቲ ማሕበር ቤት ምኽሪ ምሕደራ ዋና ጸሓፍን ናይ ዮሰፍ ራትዚንገር ተኸታታሊ ዓበይቲ ናይ ስነ ምርምር ድርሰታት ተርጓሚ ፕሮፈሰር ፒየርሉካ ኣዛሮን ዘረባ ከምዘስምዑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፣ ብምኽንያት እቲ ዝወሃብ ስልማት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ዮሰፍ ራትዚንገር ፍካሬን ኣምርን ዘማእከለ ናይ ሓደ ሰሙን ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝካየድን፣ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ብበነዲክቶስ መበል 16 ስም ዝጽዋዕ እቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝሃብዎ 200 መጻሕፍቲ ዝተነብሮን ኣብቲ ናቶም ቲዮሎጊያዊ ኣምር ተማእኪሉ ዝጸሓፉ ዘለዉ ዓበይቲ ናይ ምርምር መጻሕፍትን ከምኡ እውን ናቶም ዓበይቲ ናይ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ድርሰታቶም ዝንበሮ ቤተ ንባብን መጻሕፍትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክቐውም ምዃኑን ገሊጾም፣ ኣብቲ ብኣኦም ዝተደርሰ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ እተሰምየ ዓዋዲት መልእኽቲ ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝዓወጅዎ ኣብ ቀረባ እዋን ብወግዒ ዝኽፈት ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ብምትሕሓዝ ምስ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ብምትሕብባር ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኣጎስቲኒያኑም መንበረ ጥበብ ዓውደ መጽናዕቲ ዝካይድ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ናይ ራትዚንገር ስልጣናዊ ቲዮሎጊያዊ ትምህርት ኵላውነት ባህርይ ዘለዎ

ነቲ ስልማት ዝተሓርዩ ሊባኖሳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ናቢል ኤል ኩርይ ናይ ዮሰፍ ራትዚንገር ናይ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን መጻሕፍቲ ናብ ቋንቋ ዓረብ ዝተርጐሙን ከምኡ እውን ብራዚሊያዊ ናይ ቲዮሊጊያ ሊቅ ንዓሰርተ ዓመት ናይቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብፁዕ ካርዲናል እንከለዎ ብኣቦ መንበርነት ዝመርሕዎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ኣባል ኰይኖም ዘገልገሉ ኣባ ማሪዮ ደ ፍራንካ ሚራንዳ ከምዝኾኑ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘረባ ዘስምዑ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳሪያ ፈረር ሓቢሮም፦ ላቲን ኣመሪካ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ላቲን ኣመሪካዊ ር.ሊ.ጳ. ዓዲላ፣ እዚ ድማ እታ ኣብ ላቲን ኣምሪካ እትሪከብ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኩላውነት ባህርይ ከምእትነብር ዘረጋግጽ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ድማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብኽልተ ሳንቡእ እያ እተተንፍስ፣ ምዕራብን ምስራቕን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ማዕረኣዊ ኣገዳስነት ዘረጋግጽ ኣበሃህላ ድማ እዩ፣ ስለዚ እቶም ናይ ራትዚንገር ስልማት ተሰልምቲ ድማ ካብ ላቲን ኣመሪካን ካብ ምስራቕ ዓለም ዝመጹ እያቶም ከምዝበሉ ጂሶቲ ሓቢሮም፣

እቲ ስልማት እስተውዕሎን ዘታይነትን ምዕራብ ዓለም ዘረጋግጽ እዩ

ብፁዕ ኣቡነ ጁዜፓ ስኮቲ ብወገኖም ኣብ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኤል ኩርይ ኣማእኪሎም ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ናይዞም ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጹ ነቲ ስልማት ብቑዕ ተባሂሎም ዝተሓርዩ ዓረባዊ ዓለም ዘለዎ ብቕዓት ኣስተውሎን ኣብ ዘተ እምኖት ዘረጋግጽ ምዃኑ እንከመልክቱ፦ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ክሳተፉ ንዘይከኣሉ ንዓመታት ነቲ ማሕበር ዮሰፍ ራትዚንገር ዝመርሑ ብፁዕ ካርዲናል ካሚሎ ርዊኒ ኣመስጊኖምን ናይቲ ማሕበር ዮሰፍ ራትዚንገር ናይ ስነ ምርምር ጉዳይ ዝከታተል ኰሚቴ ኣቦ መንበር ድማ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ማሕበር’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከባ መናብርተ ጥበብ ምስ 500 መናብርተ ጥበብ ዝተሓበር ምዃኑ ከምዘመልከቱ ጂሶቲ ገሊጾም።

ራብዓዕ ተኸታታሊ ክፍሊ ዓበይቲ ድርስታት ራትዚንገር ንንባብ በቒዑ

ናይቲ ዮሰፍ ራትዚንገር ማሕበር ቤት ምሕደራ ዋና ጸሓፊ ፕሮፈሶር ኣዛሮ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ኣብ ስነ ኢየሱስ ዘተኰረ ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ራብዓይ ተኸታታሊ ክፍሊ ዓበይቲ ድርሰታት ዮሰፍ ራትዚንገር ንንባብ ከምዝበቕዔ ገሊጾም እቲ ቀጻሊ ንኽሕተም ተዳልዮ ዘሎ መጽሓፍ ራትዚንገር ድማ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተኰረ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.