2015-11-14 17:07:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ እግዚኣብሔር እቲ ዓቢይ ጽባቔ እዩ ካልእ ኩሉ ግና በራሲ


ንኣማኒ ዘጻውዳ ክልተ ሓደገይና ፈተናታት ከምዘሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ንጎሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕዋተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ገሊጾም፣ እቶም ፈተናታት ድማ ኩሉ ነገር ንዘለዓለም ከምዝነብር ኣምልኮ ንምድራውያን ነገራትን ኣምልኮ ንልማዳትን ዝብሉ ከምዝዀኑ ተንቲኖም፦ እቲ ናይ ዕለቱ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 19  እቲ ዓቢይ ጽባቔ እግዚኣብሔር ምዃኑ ይረጋግጸልና። “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ” ከምዝብሎ እዩ። ናይቲ ሰብ ሎሚ ዓቢይ ሽግር ድማ፣ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይቲ እጹብን ድንቅን ነጸብራቕ ኣብ ዝዀነ ነገር ምፍጻም ስግደት እዩ፣ ብዝገደደ ድማ ኣብ ሓለፍትን ግዚያውያንን ባህታ ኣምላኺ ምዃን እዩ፣ ነገር ኵሉ በራሲ እዩ።

ኣብቲ ምድራዊ ጽባቄ ምጥባቕ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስብከት እምነት ኣብ ክልተ ዓይነት ምጥዓው ወይ ድማ ኣምልዀ ጣዖት ዝብል ተግባር ክወድቕ ከምዝኽእል ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ መጽሓፈ ጥበብ ምዕ. 13 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 9 ከምኡ ድማ ናይ ዕለቱ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 19ን ናይ ፍጥረት ጽባቔ ከንዘንትዉ እንከለዉ ዝገልጽዎ ሓሳብ መሰረት ገሊጾም፣ ብምትሕሓዝ ነቲ ጽባቔ ዘይኰነ ከም ጽባቔ ምርኣይ ዝብል ፈተና ከጋጥም ከምዝኽእልን ጽባቄ ነገራት ናብቲ ደረት ሰገር ዝዀነ ጽባቔ ዘሰጋግርን ኣብ ነገራት ዘሎ ነጸብራቓዊ ጽባቄ ሰገር ዘብልን ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ገሊጾም። ኣምልዀ ኣብ ህልውነት ከጋጥም ከምዝኽእል የተሓሳስቡ፣ እዚ ኣምልዀ ህልውነትዚ ድማ ብዘይ ካልእ ዓይነት ጽባቔ ዝዀነ ነገር እዩ። እንርእዮ ጽባቔ ናብቲ ፍጹም ጽባቔ ዘሰጋግር እዩ፣ ጽባቔ ነገራት ናብቲ ናብ ልዑል ጽባቔ ኣብ ምስግጋር እዩ።

“ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ዘበሉ ኵሎም ናይ ብሓቂ ዓያሹ እዮም፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ጽቡቕ ነገራት ይርእዮዎ ነቲ ሕያው ኣምላኽ ግና ኪርእይዎ ኣይከኣሉን… እዚ ዓለም ኣብ ዝመሓድርዎ ኣማልኽቲ ሓዊ ወይ ንፋስ ወይ ኣውሎ ንፋስ ወይ ዝዖዱ ከዋኽብቲ ወይ ማዕበል ውሒዝ ማይ ወይ ኣብ ሰማይ ዘለዉ ብርሃናት እዮም ኢሎም ይሓስቡ…” ዝዓርቡ ከምዘይምዃኖም ንናይ ንገራት ጽባቔ የምልኹ፣ ካልእ ዓራርቦ ከምዘየለ ዘሕስብ ማራኺ ዝኾነ ናይ ዓራርቦ ጽባቔ ኣሎ፣ እዚ ጽባቔ ዓራርቦ ግና ኣብ ገዛእ ርእሱ ከትርፍ ይኽእልን ክምልኸን ዝከኣል እዩ፣ ጽባቔኡ ግና ናብቲ ደረት ሰገር ጽባቔ ኣብ ምስግጋር እዩ፣ ኣምልዀ ህልውነት፣ ነገራት ከምዘይድምደሙ ከምዘለውዎ ከም ጣዖት ምሕሳብ።

ኣምልኾ ልማዳት

ኣቲ ካልእ ኣምልዀ ጣዖት ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣልባብ ዝዐውሩ ኣምልዀ ልማዳት ዝብል ምዃኑ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 17 ካብ ፍቕዲ 26 ክሳብ 37 ዘሎ ጠቒሶም፣ ኢየሱስ እቲ ሰዶምን ጎሞራን ዘዘክር ኣብ ዘመን ኖህ ዝነበረ ሰብ ክሳብ እቲ ማይ ኣይሂ መጺኡ ድማ ዘጥፍኦም “የብልዑን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ” ብዛዕባ ካልእ ምንም ከይሓሰቡ፣ ኩሉ ልሙድን ልማድን ከይኑ እዩ ተራእዩ። ሕይወት ከምዚ እዩ ኔሩ፣ ብዛዕባ እቲ ዓይነት ኣነባብራ ከይሓስብ ዝዓርብ ሕይወት፣ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣምልዀ ጣዖት እዩ፣ ኣብ ልማዳት ተጣቢቕካ ምንባር፣ ካብ ልማድ ናብ ልማድ ብኸምዚ ዓይነት ዕለት ብዕለት ዝንበር ሕይወት፣ እግዚኣብሔር ግና ኣሎ።

ነቲ ዘይዓርብ ጽባቔ ምምዕዳው

ርእየትና ምዕዳወናንን ዘገር ልማዳትን ይኹን እቲ ክንየው ፍጡራት ነገራት ኩሉ ዘሎ እንኰ እግዚኣብሔር ምዕዳወ፣ ቤተ ክርስቲያን ከምእተስተምህረና እቲ ዝዛዘም ዘሎ ዓመተ ሉጢርጊያ ኣብ ድግማ ሕይወት ከይንበር ኣብ ምድግጋም ከይንበር፣ ከም ናይ ሎጥ ሰበይት ንድሕሪት ብምርአይ ዘይይከነ ንዝሓለፉ ንጌታታ ኩሉ ሕቖኻ ምሃብ፣ ሕይወት ጽቡቕ ምዃኑ ርግጸይናነት እንተሎ ዕራርቦ እውን ጽባቑ እዩ ዝኸውን።

ንሕና ኣመንቲ ንድሕሪት ዝመለስ ሕዝቢ ኣይኰናን፣ ንቕድሚት ዝብሉ ደኣ እምበር፣ ኣብዛ ሕይወት ወትሩ ንቕድሚት ምስጓም፣ ምስቲ ልማዳት ዘሎና ኰይኑ ግና ነቶም ልማዳት ከይመለኰትና ንጽባቔ ምጥማት፣ ልማዳት በረስቲ እያቶም፣ ልምድታትና  ነኣሽቱ ጽባቔታት ዘለዓለማዊ ጽባቔ ዘንጸባርቑ ክብሪ ኣምላኽ ንኽስትንተ ዝድግፍ ማኅሌት ይዅኑ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግልጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.