2015-11-12 16:36:00

ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ፦ ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ኣብ ጐዳና ወንጌላዊ ሕዳሴ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ፊረንዘ ኣብ ዝተኻየደ ሓምሻይ ቤተ ክርስቲያናዊ ዓውደ ጉባኤ ንምስታፍ ኣሚቶም ኣብ ፊረንዘ ኣብ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣሊያ ቡፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ጆኖቫ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ብፁዕ ካርዲናል በርጎሊያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ኣብታ ናይ ፈለማ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምእመናን ንቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ክጽልዩ እንክብሉ ዘቕረብዎ ሓደራ ዝተቐበለ ማሕበረ ክርስትያን ኣብቲ ኣብ ፊረንዘ ዝተኻየደ ቤተ ክርስቲያናዊ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ምንባሮም ገሊጾም፣ እቲ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ድዩ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ዝለገስዎ ስብከትን እቲ ኩሉ በቲ ሓውጾተ ኖልዎ ኣጋጣሚ ዝለገስዎ ምዕዳን ኩሉ ብብዙሓት ናይ ስነ ቤተ ክርስቲያን ሊቓውንትን ተዓዘብትን መራኸቢ ብዙሃንን ታሪኻዊ ዝብል ኣገላልጻ ተዋሂብዎ እዩ፣ ብሓቂ ነቶም ናይ ሓሴት ምኽንያት ዝዀኑና ቅዱስ ኣቦና ነመስግን፣ ዓቢይ ፍቕርን ቅርበትን ብምርኻቦም ጥራሕ ዘይኰነ ብጠቕላላ ብዘስምዕዎም ዓሚይቕን ጽዑቕን መልእኽትታቶም ኣቢሎም እውን ገሊጾምዎ እዮም። በቲ ኣብ ፊሬንዘ ብዝተኻየደ ቤተ ክርስቲያናዊ ዋዕላን ኣብኡ ምርኻቦምን ምዕዶታቶምን ንቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያን ማሕበረ ክርስቲያንን ጓሶትን ዘለዎም ቅርበት ብዝለዓለ ደረጃ ክስተማቐር ከምዝገበሩን ንሶም እውን ናይ ኢጣሊያ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበር ክርስቲያንን ጓሶትን ፍቕርን ቅርበትን ከምእተሰምዖን ርግጽ እዩ እንክብሉ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ጓሶትን ሕዝብን ክሰምሩ ከምዘተሓሳሰቡን እቲ ጥምረት ምድግጋፍን ምትሕልላይን ብሓባር ንዕብየት ምዝታይን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖሎዎ ጓሶትን ሕዝበ እግዚአብሔርን ሓላፍነት ኣለዎም እንክብሉ ከምዝገለጹን፣ ማሕበረ ክርስቲያን በቢ ሓላፍነቱን ዕለታዊ መነባብሮኡን ድማ መስካሪ ክኸውንን ብፍላይ ድማ ኣብ ምግልጋል ድኻታትን ዝተናዕቁን ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብን ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ ባህላዊ መዳያት እውን ዝምስክሮ ክኸውን ኣተሓሳሲቦምን ናይ ሰብኣውነት መሰረት ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ተንቲኖምዎን ሰብ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ንኢየሱስ ምርኣይ ከምዝግብኦ ኣገንዚቦም እዮም እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.