2015-11-12 19:20:00

መዓርገ ክህነት ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ


ካቶሊካዊ ተቅዋመ ንባበ መለኮት፡ ኣብዚ ዓመት ካብ ዘፍረዮም ክልተ ካብ ማኅበር ገዳም ሲታውያን፡ኣባ ተባረኽ ነብየን ኣባ ሥዩም ተወልደመድህንን፡ ሐደ ከኣ ካብ ማኅበር ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ፡ ኣባ ወልደትንሣኤ ሱራፌል፡ዝሓለፈ ሰንበት 8 ሕዳር 2015 ዓ.ም ብኢድ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ፣ ድሕሪ’ቲ ንሓያሎ ዓመታት ብቤተክርስትያን ክወሃቦም ዝጸንሐ፣ ንክህነት ዘሰናዱ ትምህርትን መዕበያን ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ፡ ብቤተክህነትን ያሬዳውያን መዘምራንን፣ ብደናግልን ምእመናንን  ብወለዶምን ኣኅዋቶምን፣ ቤተሰብን ፈተውትን ተሰንዮም መዓርገ ክህነት ተቐቢሎም። 

ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ድሕሪ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ እግዚኣብሔር፣ ካብ  መገሻይ ብጸሎትኩም ብደሓነ ሰላም ስርሐይ ኣሳሊጠ ተመልሰ፡ እንቓዕ ገጽ ንገጽ ኣረኣኤየና፡ ኣብ ደገ ዘለዉ ሕዝብና ናፍቆት ኣለዎም፡ ብዙሕ ሰላም ኢሎምኹም፡ድሕሪ ምባል እቲ ኣብ ሮማ ብዛዕባ ስድራቤት ዝዘተየ ሲኖዶስ ጳጳሳትውን ብዓወት ከምዝተፈጸመ ጠቒሶም፤ ስድራቤት መሠረት ኩሉ፡ መሠረት ሕብረተሰብ፡ መሠረት ሃገር፡ መሠረት ቤተክርስቲያን እያ። ስድራቤት ኣብ ዝደኸመትሉ ጸዋዕታ ክህነት ይውሕድ፡ ስድራቤት ኣብ ዝበርትዓትሉ ከኣ ጸዋዕታ ክህነት ይፈሪ። ስድራቤት እንተጠዓየት፡ቤተክርስቲያን ትጥዒ፡ ስድራቤት እንተደኸመት ከኣ ቤተክርስቲያን ትደኽም። ስለዚ ንስድራቤት ክንጽልየላን ክንደኽመላን የድሊ፡ ካህናት ከኣ ሓዋርያት ናይ ስድራቤት ኪኾኑ፡ ነታ ዘፍረየቶም ስድራቤት ክሓልዩላ ይግባእ ኢሎም።

ቀጺሎም ብፁዕ ሊቀጳጳስ ናብ ናይቲ ዕለት ፍትሐት ቅዱስ ወንጌል ተመሊሶም፡ “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ንስኻትኩምውን ንሓድሕድኩም ክትፋቀሩ ትእዛዘይ እዚ ኢዩ፡፡ ሰብ ካብቲ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ ንሕይወቱ በጃ ኣኅሊፉ ዚህቦ ዚዓቢ ፍቕሪ የብሉን። ንስኻትኩም እዚ ዝእዝዘኩም ዘበለ እንተፈጸምኩም ኣዕሩኸይ ኢኹም። ደጊም ጊላዎት ኣይብለኩምን ኢየ፥ ጊልያስ ጎይትኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን ኢዩ፥ ኣነ ግና እቲ ካብ ኣቦይ ዝሰማዕኩዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለዘፍለጥኩኹም ኣዕሩኸይ ኢኹም እብለኹም ኣለኹ። ኣነ እየ ዝኃሬኹኹም እምበር ንስኻትኩም ኣይኃሬኹምንን። ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ፥ ፍሬኹምውን ምእንቲ  ነባሪ ኺኸውን ሸምኩኹም...”። ዝብል ቃል ቅዱስ ወንጌል ጠቒሶም፥ እቶም ብክህነት ዝተጸውዑ ካህናት ኣዕሩኽ፡ መጓጅምቲ ኢየሱስ ኢዮም። ቀንዲ ስርሖም እንታይ ኢዩ እንተኢልና ከኣ ንክርስቶስ ከፍቅርዎ፡ ብግብሪ ብፍቕሪ ክክተልዎ ኢዩ። ካህናት ምስ ኢየሱስ ዓሚቕ፡ ፍሉይ ዕርኽነት የድልዮም። ዕርክነት ከኣ ፍልጠት፡ መስዋዕትነት፡ ተጋድሎ፡ መስቀል ይሓትት። ናይ ኢየሱስን ካህንን ዕርኽነት ኪዳን ኢዩ። በዚ ኢያ ከኣ ቤተክርስቲያን ንካህናት “ካልእ ክርስቶስ”፡“ምስሌነ ክርስቶስ” እናበለት እትጽውዖም። እዚ ከኣ ብሓደ ወገን ዓቢይ  ክብሪ ኢዩ፡ በቲ ሐደ ከኣ ሓላፍነት ኢዩ። ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ኢየሱስ ...ንስኻትኩምከ ክተከዱዶ ትደልዩ ኢኹም? ምስ በሎም፡ “ ጎይታይ ንስኻ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ቃል ኣሎኻ፥ ናብ መን እሞ ኽንከይድ” ቢሉ ዝመለሰሉ፥ካህን ዓርኪ ክርስቶስ እንተኾይኑ ዝመጸ እንተመጸ ካብኡ ኣይፍለን ኢዩ። ብሓሳብ፡ብግብሪ ንክርስቶስ ይኽተል፡ ኣብ ሓዋርያዊ ስርሑ ከኣ ኣብዚ ክርስቶስ ብኣካል እንተዝህሉ እንታይ ምገበረ እናበለ ናይ ክርስቶስ ሓሳብ ይሓስብ። ካህን በጃ ኪኸውን መዓልቲ መዓልቲ መስቀሉ ዝጸውር ኪኸውን ኣለዎ፡ ንኩሉ ዘኽእለና ጸጋ  ከኣ ክወሃበና ኢዩ። ስለዚ ሓደስቲ ካህናት ንጸዋዕታኩም ብሓጎስ ተቀበልዎ፡ ጸሎት ወለድኩም፡ ማኅበርኩምን እተን እተገልግልወን ነፍሳትን ክሕግዘኩም ኢዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት እንጅምረሉ ክህነት ትቅበሉ ስለዘለኩም ናይ ምሕረት መልእኽተይናታት ኩኑ፡ ክህነትኩም ንቅድስና ይግበረልኩም፥ እንክብሉዎም ንወለድን ማኅበራቶምን ከኣ እንቓዕ ጻማኩም ሃበኩም ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ። ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ “ድሉው ውእቱ” ተባሂሉ ንነፍሲወከፎም ተዜሙን፡ ሕዝቢ ኢድ ሓደስቲ ካህናት ተሳሊሙን ሥርዓት ሢመተ ክህነት ተፈጺሙ።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወቶም።

ኣባ ተባረኽ  ነብየ ሲታዊ፡
ካብ ቡሩኻት ስድራ ኣቶ ነብየ ኤልያስን ወ/ሮ ኣኽበረት ኪዳነን ብ17 መስከረም 1988 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ደብረ ኢየሱስ ዋስደንባ ተወልዱ፣፣ 1ይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ጉሽ/ሓዲሽ ዓዲ 2ይ ደረጃ  ከኣ ኣብ ከረን  ካብ 1994 ክሳዕ 2007 ዓ.ም ተኸታቲሎም።

ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ትምህርቶም ተኸታተሉ፣ ጸዋዕታ ክህነት ምስ ተሰምዖም ከኣ ኣብ ገዳም ማኅበር ሲታውያን ሓቲቶም ማኅበር ምስ ተቐበሎም፣ ድሕሪ ዘድሊ ምስንዳው ኣብ ኣሥመራ ብ2007-2008 ዓ.ም. ተመኹሮ ገይሮም፣ ኣብ 2008 ዓ.ም. ከኣ መጀመርያ መብጽዓ፣ ከምኡ’ውን ኣብ 2012 ዓ.ም. ዓብይ መብጽዓ ኣብ ኣሥመራ ገበሩ፣፣ ጸዋዕታኦም ንምኵስኳስ ብ2009 ዓ.ም. ብፍልስፍና ዝጀመርዎ ትምህርተ መለኰት ኣብዚ ዓመት’ዚ እንክፍጽሙ፡ ብ18 ሓምለ 2015 ዓ.ም. ኣብ  ደብረ መድኃኔ ዓለም ገጀረት ኣሥመራ መዓርገ ዲቁና ለበሱ፣፣ ብ8 ሕዳር 2015 ከኣ መዓርገ ክህነት ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ ተቐበሉ። 

ኣባ ሥዩም ተወልደመድህን ሲታዊ፡
ኣባ ሥዩም ተወልደመድህን፡ ብ22 ነሓሰ 1985 ዓ.ም.ፈ. ካብ ቡሩኻት ስድራ ኣቶ ተወልደመድህን ድራርን  ወ/ሮ ሓሰት መሓርን ኣብ ቆሮትነጃር ተወሊዶም፣፣ ዕድመኦም ንትምህርቲ ምስ በጽሐ 1ይ ደረጃ 1994 ክሳዕ 2001 ኣብ ኣሸራ፣ 2ይ ደረጃ ትምህርቶም  ከኣ ካብ 2002 ክሳዕ 2006 ኣብ ከረን ተኸታተሉ፣፡ ንምንኩስናዊ ሕይወት ዘሰናድዎም መንፈሳዊ ትምህርቶም እናተኸታተሉ 1ይ፣ 2ይ ፣3ይ መብጽዓ ኣብ 2008፣ 2011,2012  ገበሩ። ዲቁናኦም ከኣ ምስዞም መካህንቶም ብሓንሳብ ነበረ። ካብ 2008 ዓ.ም ዝጀመርዎ ፍልስፍናን ተሎግያን’ውን ብግቡእ ተኸታቲሎም፣ እነሆ እቲ ንዓመታት ዝደኸምሉን ዝተመነይዎን ጸዋዕታ ክህነት ሃረርታ ልቦም ሰሚሩ፡ ዝተኰስኮስሉ ሲታዊ መነኮሳዊ ሕይወት ኪቅጽልዎ ብክህነት ከገልግሉ ዝሓለፈ ሰንበት 8 ኅዳር 2015 ዓ.ም. ተወፍዮም፣፣
 
ኣባ ወልደትንሣኤ ሱራፌል ማኅበር ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ፡
ወለዲ ኣባ ወልደትንሣኤ ብልሙድ መጸዊዒኦም ኣባ ብራዘር ኣቶ ሱራፌል ብደሆን ወ/ሮ ሰፈር መብራህቱን ይበሃሉ። ብ14 ግንቦት 1983 ከኣ ኣብ ጉሽ ሓዲሽ ዓዲ ከበቢ ዒላበርዕድ ተወልዱ።

1ይ ደረጃ ኣብ ዓዶም ጉሽ፡ 2ይ ደረጃ ትምህርቶም ከኣ ካብ 1999 ክሳዕ 2004 ዓ.ም ኣብ ደቀምሓረ ፈጺሞም። ብድሕሪ‘ዚ ኣብ ዓመተ 2006-2007 ተመኩሮ ኣብ እምባትካላ ምስ ገበሩ፡ ቀጺሎም ከኣ ፍልስፍና ንክልተ ዓመት፡ ተዮሎጊያ ድማ ንኣርባዕተ ዓመት ተኸታተሉ፡ መብጽዓዖም በብግዚኡ እናሓደሱ ብ18 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣብ ደብረ መድኃኔ ዓለም ገጀረት ኣሥመራ  ዲቁና እንኪቕበሉ፣ እነሆ ሕጂ ከኣ ኣምላኽ ሰሚሩዎ፣ ኣብቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝተመነይዎን ዝተጸበይዎን መዓርገ ክህነት በቂዖም፣፣ እግዚኣብሔር ይመስገን።








All the contents on this site are copyrighted ©.