2015-11-07 16:28:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ሕያዋይ ሳምራዊ ሓላይ ሕይወት ካብ ምጽናስን ኣረጋውያንን ድኻታትን


ልኡካን ማእክል ሓገዝ ንሕይወት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብቕዱስ ኣቦና ዕለት 10 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ኣቀባብላ ከምእተገበረሎምን ካብ ቅዱስነቶም፦ ሓልዮ ንሰብኣዊ ሕይወትን ምንቕቓሕ ስድራ ቤትን ንሓደ ክርስቲያን ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝተኣሳሰረ ተግባር እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዝዀነ ዓይነት ማሕበራዊ ሕሰም ንዝርከብን ነቶም ሰብኣዊ ክብሮም ዝተመንዝዑን ብምድጋፍ ዝኽወን እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምእተቐበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

እቲ ወንጌላዊ ሰብ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኣቢሉ ዝጓዓዝ ዝነበረ ብጓሓሉ ተቐጥቂጡን ንብረቱ ተመዚዑን ንበይኑ ዝተሓደገ ሎሚ እውን ኣብ ጎዳናታት ከተማታትና ይጓዓዝ ኣሎ፣ ከይተሰረቑን ከይተቐጥቀጡን እውን ኣብ ጁባኦም ቀያሕ ሳንቲም ዘይብሎም ርእሶም ኣድኒኖም ገጻቶም ዝዓጠረ ወይ ድማ ካብቲ ናይ ደቂ ሃገር ፍልይ ዝበለ ቅርጸ መልክዕ ዘለዎም ነቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ብዘናድዩ ተጓዓዝያን ሰባት ዝተመልኤ እዩ።

ኣብ ጎድኒ ድኻታት ገዛእ ርእስኻ ምንባር

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቶም ናይ ኢጣሊያ ምንቅስቓስ ስለ ሕይወት ማሕበር ኣባላት ኣብቲ ናይቲ ሳምራዊ ክፉት ልቢ ዘለዎም ሰባት፣ ኣገልግሎት ዝፍጽምሉ ማእከል ስለ ሓልዮ ሕይወት ዝዓዩ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም ነተን ኣብ ጽንኩር ኩነት ዝርከባ ኣዴታት ነቲ ኣብ ውሽጠን ዝዓብይ ናይ ሕይወት ጸጋ ከይቕንጽላ ብምሉእ ተወፋይነት ዘገልግሉ ምዃኖም ቅዱስነቶም ብምርግጋጽ ሓዋርያ ክርስቶስ ነቲ ዝደመየ ሕይወት፣ ኣብ ሕሰም ንዝርከብ ሕይወትን ንስኡናትን ካብቲ ዝወደቕሉ ስቓይ ዘተንስእ እዩ፣ ብድኽነትን ሕማንም ብስእነት ስራሕን መንበሪ ቤትን ክንደይ ኣባይቲ ስድራ ተነቀፍቲ ኰይኖም ኣብ ሕሰም ወዲቖም ይርከቡ፣ ክንደይ መንእሰያት ተደናጊሮምን መርሕ ምገዲ ስኢኖምን ኣብ ቀባሕባሕ ሕይወት ወዲቖም ንዝተፈላለዩ ወልፍታትን ጊልያነትን ስግኣት ተቓሊዖም ኣብ ሕይወት ተስፋ ንምርካብ ብሃረርታ ዝጽብዩ ኣለዉ።

ሕቆ ዘይምሃብ

እቲ ናይ ሕይወት ማእከል ሰፊሕ ልቢ ዘለዎ ኰይኑ ንሕይወት ዝህቦ ኣገልግሎት ግቡእን ክቡርን እዩ። ብውልቃውን ማሕበራውን ጦብላሕታ ከም ሕያዋይ ሳምራዊ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ሕሰምን ድኽነትን ምዝመዛን ዝወደቑ ኣብ ምድረ በዳ ሕይወት ንዝርከቡ ዝሓቁፍ ክፉት ኣእዳው ይሃልዎ።

እንነብረሉ ዘሎና እዋን እንተዀነ ብዝተፈላለዩ እዋናውያን ጓሓሉ ዕርቃኖም ዝተርፉን እቲ ዘለዎምን ዝገደደ ድማ ሰብኣዊ ክብሮም ኵሉ ዝምንዝዑን ዝቖሰሉን ሰባት ዝተመልኤ እዩ፣ ኣብ ቅድሚ እዞም ክንክንን ሓለዋን ዝተነፍጎምን ዝሳቐዩን ኣሓትና ሕቶ ኣገዳሲ ሕይወት ፊት ብዙሓት ሕቖኦም እንክህቡ ገሊኣቶም ድማ ደው ቢሎም ኣብራዀም ዓጺፎም ብለዋሕ ተወፋይነት ነቲ ኣውያቶም ጽን ይብሉ።

ሕያዋይ ሳምራውያን ኩኑ

እቲ ማእከል ኣብ ቅድሚ እቲ ንሕይወት ስግኣት ዝዀነን ንሕይወት ንሓደጋ ኣብ ዘቃልዕ ኩነት ተረኺቡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣርብዓ ዓመት ኣገልግሎቱ ካብ ሕብረተሰብ ዝተነጸለን ከም ውዳቕ ዝሕሰብን ኣብ ዘይርጉጽ ኩነት ዝነብር ከይህሉ ብዙሕ ጻዕርታት ከምዘካየደ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ዘኪሮም፣ እቲ ማእከል ብሓልዮ ሕይወት ኣብ መላእ ኢጣሊያ ናይ ተስፋን ንቡዙሓት ሰባት መጋበርያ ዳግማይ ልደት ኰይኖም ከምእተረኸቡ ድማ ኣዘኻኺሮም፣ ብሓቂ ስለ እቲ ብፍቕሪ ተነቓቒሕኩም ኣትህብዎ ኣገልግሎት አመስግነኩምን እተባብዓኵምን ኣብዚ ናይ እዋንና ሕያዋይ ሳምራውያን ዘብለኵም ናይ ዝስዋእ ፍቕሪ ኣገልግሎት ብእምነት ንቕድሚት በሉ፣ ነቲ ተነቓፊ ዝዀነ ሕይወት ናይ ምውላድ ክቡር መሰል ዘለዎ ግቡእን ጥዑይን ህላዌ ንዝሓትት ካብ ምግልጋል ኣይትሰልክዩ ሓደራ።

ሓልዮ ንኣደነት

ሕይወት ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ብጽንዓት ከተነቓቕሑን ኣብ ሓልዮት ኣባይቲ ስድራን ብፍላይ ድማ እቲ ቀዳማይ ሃይብቲ ሕብረተሰብ ዝዀነ ዝውለድ ሕጻንን ክብሪ ጓለ ንስተይትን  መእንቲ ክትጣበቑን ከተገልግሉን ንቑሓት ኵኑ፣ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣባላት ናይቲ ናይ ሕይወት ማእከል ሃይማኖትን ዜግነትን ከይበሉ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ድማ ኣድኒቖም ነቶም ናብዚ ማእከል ዝውከሱ ስደተይናታትን እተን ጸገም ዘለወን ኣዴታትን ኣብ ውሽጠን እቲ ናይ ሕይወትን ኣደነትን ፍቕሪ ክዕወት እተቕርብዎ ውፉይ ኣገልግሎት ምዝካር እፈቱ ኢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከእተፈነዉ ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.