2015-11-05 19:41:00

አብ ሥድራቤት ዝግበር ምምሕሓር ንኅብረተሰብና ካብ ጭካኔ የድኅኖ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ “ነንሕድሕድካ ይቅረ ምብህሃል አብ ሥድራቤት እንተደአ ተማሂርካን በደል ምስ ተርኽበ ከይደንጐኻ ይቅሬታ ምሕታትን ነታ ሥድራቤት የደልድላ ንማኅበረሰብ ከአ ካብ ጭካኔ የለምልሞ” እንክብሉ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ብጽሞና ዝሰምዕዎም ዝነበሩን ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሮም ተዘዋዊሮም ሰላም ዝበልዎም ዝባረኽዎምን በሸሓት ዝቍጸሩ ምእመናን ምሂሮም፣ ከም መዛዘሚ ትምህርቶም ከአ ነቲ ድኅሪ ቍሩብ ሳምንታት ዝጅመር ኢዮቤል ምሕረት ዘኪሮም “እዚ ኢዮቤልዩ ምሕረት ንሥድራቤታት ጭቡጥ መንገድታት ዕርቂ ንምህናጽ ክምህረን ተስፋ አሎኒ” ቢሎም፣

ናይ ዘሎና ዘመን ኅብረተሰብ “ጨካን” ቢሎም ዝገለጽዎ ቅዱስነቶም ማኅበረሰና ከም ዝላባዕ ምድረበዳነት ጽልእን ምክፍፋልን እናዘርኤ ዝዕወት እኳ እንተመሰሎ ውጽ ኢቱ ግን እንር እዮ ዘሎና እዩ፣ አብ መንጎ እዚ አጻምእ እዚ ከም አብ ምድረበዳ ዝርከብ ማያዊ ቦታ ኦአሲስ ኮይና እተገልግል ስድራቤት ኮይና አብ ውሽጣ ምሕረት እናመሃረት ከም እንኮ መድኃኒት ነቲ አብ ከባቢአ ዘሎ ትፍውስ፣ በዚኸስ ሥድራ ቤት ዓባይ መምህርን መሰልጠኒትን ናይ ምሕረትን ይቅርታን እያ፣ አድላይነት ናይዚ ክገልጽ ጐ.መ.ኢ.ክ አብታ ዝመሃረና እንኮ ጸሎት አቡነ ዘበሰማያት “ንዝበደሉና ይቅረ ከም እንብል ንበደላትና ይቅረ በለልና” ቢልና ንሰማያዊ አቦና ዕለት ዕለት ክንልምኖ ተማሕጺኑና፣ ነዚ ናይ ነንሕድሕድካ ምምሕሓር ናይ ምሕረት ሥራሕ እንመሃረሉን እንለማመደሉን ከአ አብ ስድራቤት እዩ፣ ብዘይ ናይ ሓድሕድ ምሕረት ፍቅሪ ክነግሥ አይክእልን፣ ከይተመሓሓርካ ክንበር አይከአልን፣ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ብዙሕ ንጋገ፣ እዚ ጌጋ እዚ ካብ ድኻምነትናን ንአይ ይጠዓመኒ ካብ ዝብል ስምዒትን ኮይኑ አብ መንጎ ሰብ ሓዳር አብ መንጎ ውሉድን ወለድን ወዘት ክኸውን ይኽእል ኮይኑ ግን ንዝተገብረ ጌጋ ብኡንብኡ ይቅሬታ ብምሕታት እንተዘይፈውስናዮን ንዝጐዳእናዮን ዘቍሰልናዮ ርክብ ስድራቤት እንተዘይአሕዊናን መጠን ጊዜ ዝሓለፈ መጠኑ አብ ርእሲ ክበድ ክበድ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ፣ ክት ዕረቅ አብ ዘይትኽ እለሉ ደረጃውን ክበጽሕ ይኽእል፣ ፈውሲ ብጣዕሚ ቀሊል እዩ፣ ይቅረታ ብምሕታት ባይቶን መደረን አይኮነን ዘድሊ ብ ኡ ን ብ ኡ ይቅረ በለለይ ቢልካ ምትሕቁቋፍ እዩ ፈውሲ! አብ ኩራኹም ጸሓይ አይ ዕረብኩም! ይቅረ ከይተበሃሃልኩም ከትድቅሱ ሓደራ!እንክብሉ ናይ ምምሕሓር አድላይነት ምስ ገለጹ፣ ነቲ “ንሰብ በደሎም እንተዘይሓዲግኩምሎም አብ ሰማይ ዘሎ አቦኹም እውን በደልኩም አይክሓደገልኩምን እዩ” ዝብል ቃል ወንጌል ብምዝካር ክንመሓሓር ድሕሪ ተማሕጺኖም ነዚ እንተዘይገበርና ከምቲ ነቶም አብ መወዳእታ ፍርዲ “ጐይታይ ጐይታይ ዝብሉ ዘይኮነስ ፍቃድ አቦይ ዝገብሩ እዮም ዝድኅኑ ምናልባት ጐይታይ ብስምካዶ ተአምር አይገበርናን ጐይታይ ብስምካዶ አጋንንቲ አየውጻእናን እንተበሉውን ብሓቂ እየ ዝብለኩም ዘሎኹ አይፈልጠኩምን እየ” ዝብላ ቃላት ዕጫና ከይኮና ገና ብ አጋኡ ክንሰናዶ አዘኻኺሮም፣

ቅዱስነቶም አብ መጨረሽታ ትምህርቶም ዝዘከርዎ እቲ አብ ዝመጽ እ ወርሒ ዝጅምር ኢዮቤልዩ ምሕረት ኮይኑ ሥድራቤታት ካብዚ ናይ ጸጋ ግዜ እዚ ምምሕሓር ዝመሃራሉ ኃይሊ ክህበን ንለምን እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.