2015-11-05 19:45:00

ንግደት ሰብ ውፉይ ሕይወት፡ ናብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነምሕረት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ፡ እዚ ዓመተ 2015 ዓመት ውፉይ ሕይወት ክኸውን ከም ዝኣወጁን ብ30 ኅዳር ብጳጳሳዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝኸፈትዎን ዝዝከር ኢዩ፣፣ በዚ ምኽንያት በቲ ብቤተክርስቲያን ዝወጸ መርሓ-ግብር መሠረት ከኣ ዝተፈላለየ መደባት ጸሎትን ዓውደመጽናዕትታትን ካልእ መደባትን ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ። ሐደ ካብኡ ከኣ ዝሓለፈ ቀዳም 31 ጥቅምትን ሰንበት ሐደ ሕዳርን 2015 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻ ኣሥመራ ዝርከቡ ኩሎም ሰብ ውፉይ ሕይወት፡ ካህናት፡ደናግል፡ ኣኃው፡ ተመሃርቲ ብጾምን ብጸሎትን ኣስተምህሮን መስዋዕተ ቅዳሴን ብዝተሰነየ መደባት ብብዝሕን ብዓቢይ መንፈሳውነትን ንሥርየት ኃጢኣት  ናብ እመ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ ነጊዶም።

ነጋድያን ከካብ ማሕበራቶምን ገዳማቶምን መጺኦም፡ ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ምስ ተኣኻኸቡ፡ኣብ ኣፍ ደገ ቤተክርስቲያን መራሒ መደብ ኣባ የማነ ኃይሉ ዕላማ እቲ ንግደት እንኪገልጹ፡ ኩልና ሓቢርና ንኣምላኽ ከነምልኽን ከነመስግንን፥ ብዓቢኡ ከኣ ብዝደኸምናዮ ምሕረት ኣምላኽ ክንልምን፡ ናብቲ ዝለኣኸና ኪንቀርብን ብእኡ ክንሕደስን ኢዩ። እቲ ሓቢርና ከነምልኾን ከነገልግሎን ባህ ዝብሎ ኣምላኽና፡ ነቲ ብኣፍ ኤርሚያስ ነቢይ ገቢሩ፡ “እንተተነሳሕካ ኪቕበለካ ኢየ፡ ከምብሓድስ ኣገልጋሊየይ ክትከውን ኢኻ። ከንቱ ዘረባ ገዲፍካ ቁምነገር እንተሰበኽኻ፡ መሊሰ ናተይ ነቢይ ክገብረካ  ኢየ” እናበለ ዘቕርበልና ዘሎ ዕደመ ሰሚዕና፡ ነዚ እሙን ቃል ተስፋ ሒዝና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዓቢይ እምነትን ተስፋን ንምቕራብ ኢዩ ኢሎም። ሲዒቡ ከኣ፡ ብህየንተ ሊቀጳጳስ ኣባ ከሰተ ገ/ዮሓንስ ዝተመርሐ ጸሎት ነጋድያን፡ ከምኡ’ውን “ተፈሳሕኩ እስመ ይቤሉኒ ቤተ እግዚኣብሔር ንሓውር፡” ዝብል ምስባክ ምስ ተገብረ፡ ነጋድያን መስቀል ኣምሪሖም፡ ብሓባር  ‘’ምእንቲ ስቓይ ዝመልኦ ሕማማቱ፤ ንዓናን ንመላእ ዓለምን መሓረና” ዝብል ጸሎት ናብ መለኮታዊ ምሕረት እናደገሙ፡ ንቤተክርስቲያን ሰለስተ ግዜ ብደገ ዓዊዶም ንውሽጢ ኣተዉ። ኣብ ቤተክርስቲያን ብኣስተንትኖን ብፍሉይ ኣርእስተ ጸሎት ኣብ ነፍሲወከፍ ምዕራፍ ማለት፡ ምእንቲ ውፉያት፡ ስድራቤት፡ ኣገልግሎት፡ መራሕቲ ቤተክርስቲያን እናተጸለየ፡ ጸሎት መቁጸርያ ብሓባር ምስ ተደግመ ከኣ፥ ግዜ ኣስተምህሮ ኣኺሉ “ጸሎትን ምስክርነትን ሰብ ውፉይ ሕይወት” ብዝብል ኣርእስቲ ብኣባ ኃይለ ተስፋማርያም ማኅበር ልኡካን ተዋሂቡ። ኣባ ኃይለ “ውፉያት ኣብ ዘለውዎ ሓጎስ ኣሎ”፡ ዝብል ቃል ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጠቂሶም፥“ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርያ ኔርኩም ኢኹም እሞ ክትምስክሩለይ ኢኩም” ዝብል ቃል ኢየሱስ’ውን ዘኪሮም፡ ናይ ኣምልኾን ምስክርነትን ምትሕሓዝ ማለት ኣምልኾ  ንምስክርነት፡ ምስክርነት ንኣምልኾ ናብኡ ናብኡ፡ ምልላስ ምኻኑ፡ ብካልእ መዳዩ ከኣ ኣምልኾ ዕለታዊ ኣንጻር ኃጢኣት እንገብሮ ቃልሲ እንኪኸውን፡ ምስክርነት ከኣ ናይ ምሕረት ስራሕት ምፍጻም፡ንእግዚኣብሔር ምፍቃርን ጽንዓት እምነትን ኢዩ፡ ኢሎም። ቀጺሎም ኣባ ኃይለ ውፉይ ሕይወት ንምኽርታት ወንጌል ዝሓቆፈ ዓይነት ሕይወት ብምዃኑ፡ ብድኽነት፡ ብተኣዝዞ፡ ብንጽሕና፡ ብእሙን መንፈስ ምጉዳል፥ ዘለዎ ሳዕቤንን ንምሕዋዩ ኪግበር ዝግብኦ ስጉምታትን ኣብነታት እናምጽኡ ብሰፊሑ ገለጹ። ኣብ መወዳእታ ከኣ በዚ ዓመት ውፉይ ሕይወት ንወፈያ ሕይወትና ብዝምልከት፡ በታ ዝተወፈናያዶ ንቕጽል ኣሎና? ንድሕሪት ዘብለና ሓሳበ-ተግባር ከይነጥሪ ክንስከፍ፡ ንጸሎትና ብዝምልከት ናይ ጸሎት ሰባት ዲና? ወይስ ትህኪት ይስዕረና ኣሎ? ንምስክርነት መንነትና ብዝምልከት ኢየሱስ “ኩልኻትኩም ንጹሓት ኣይኮንኩምን” ስለዝብለና ኣብ ቅድሚ ሰብን ድሕሪ ሰብን ሓደ  ሰብ ኮይንና፥ንጹሕ መንነት ንልበስ፡ ንምስክርነት ሓዋርያውነትና ብዝምልከት ከኣ ንጽምኢ ሕዝብና ኣብ ግምት ሕዝብና ግምት ዘእተወ፡ ንጡፍ ሓዋርያዊ ወፍሪ፡ መንፈሳውነትን ጸሎትን፡ እሙን መንፈስ፡ ቅንኣት ነፍሳት፡ ተባዕ መንፈስ የድልየና ኣሎ ዝብል ኣርባዕተ ገጻት ርእሰ ግምገማ ኣቕሪቦም ኣስተምህሮኦም ኣጠቓለሉ። ማዕረ-ማዕረ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ዝካየድ ዝነበረ መደባት ከኣ ብመዝሙርን ኣስተንትኖታትን መንፈሳዊ ንባባትን ዝተሰነየ፡ ኣብ ዓሰርተ ክልተ  ቦታታት ብውሽጥን ደገን ቤተክርስቲያን ምስጢረ- ምሕረት ኑዛዜ ይካየድ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ናይቲ ቡሩኽ ምሸት መደባት ብጸሎት ዓመተ ውፉይ ሕይወትን ብቡራኬን ተፈጸመ። ንጽባሒቱ ሰንበት ሐደ ኅዳር ከኣ ነጋድያን ከም መቐጸልታ ናይ ቀዳም ንግደቶም ምስ ምእመናን ብሓባር ናብታ እመ ኣድባራት ደብረ ኪዳነ ምሕረት ኣንጊሆም ተጋሰሱ። ሰዓቱ ኣኺሉ ከኣ ብጥዑም መዛሙር ዝተሰነየ፡ መስዋዕተ ቅዳሴ ብሸውዓውተ ለባስያን ካህናት ተጀመረ። ድሕሪ ንባብ ቅ.ወንጌል ከኣ ሰራዒ ካህን ኣባ ብርሃነመስቀል ክፍለማርያም ሓለቃ ማኅበር ልኡካን፡ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባባት ተመርኩሶም፡ ንዘመሓላልፎ መልእኽቲ በብሐደ ገሊጾም፡ ሰብውፉይ ኣብዚ ሎሚ እዋን ቤተክርስቲያን ኪኮንዎ እትሓቶም ዘላ ዓይነት ኣነባብራን ተልእኮን ምስክርነትን ኣመልኪቶም ንውፉያትን ምእመናንን እዋናዊ ስብከት
 ኣስሚዖም።

ኣባ ብርሃነመስቀል ንኣርባዕተ ናይቲ ዕለተ ሰንበት ንባባት።ማለት። ቅ,ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ። ቅድሚ ሽዑ ካብ እምነት ክርስቶስን ትምህርቱን ወጻኢ ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሩ፣ ብቐጻሊ ነቒሕካ እምነትካን ጸዋዕታኻን ብጽንዓት ንምሕላው ተባዕነትን ብርታዔን። ከምዘድሊ፤ቅ.ሓ.ጴጥሮስ’ውንብወገኑ “ሓቛቊ ልብኹም ተዓጠቑ፣ከማኡውን ተጠንቀቑ፣ ተስፋኹም ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ እትረኽብዎ ጸጋ ይኹን፣ “ኣነ ቅዱስ ኢየ’ሞቅዱሳን ኩኑ” ዚብል፤ከማኡ’ውን ኣብ ግብረ ሓዋርያት ቅ.ጳውሎስ ብሰንኪ ኣብ ክርስቶስ ምእማኑ ብዙኅ ስቓይን መከራን ከምዝረኸቦ፤ማርቆስ ወንጌላዊ ከኣ ሕዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ብመሪሕነት ቅ.ዮሓንስ መጥመቕ. ናብ ንስሓ ይኣትዉ ከምዝነበሩ ይትርኸልና።ቢሎም ብዛዕባ ጥምቀት’ውን ብሰፊሑ ገሊጾም፣

ቀጺሎም ናብ ሰብ ውፉይ ሕይወት ተመሊሶም፣ከምቲ ቅ.ሓዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ዝብሎም። ሎሚ’ውን ንዓና ናይ ሎሚ ሰዓብቲ ክርስቶስ ካባና ዝድለ መሠረታዊ ነገር ብቃል ጎይታ ወትሩ እናተሓደስና ኣብ እምነትናን ጸዋዕታናን ጸኒዕና ክንርከብ፣ብፍላይ ከኣ በዚ ኣጋጣሚ ምስሌነ ክርስቶስ ር.ሊ ጳ ፍራንቸስኮ ዓመት ውፉይ ሕይወት ኣዊጀሙልና ዘለዉ እዋን ንዓና ሰብ ውፉይ ሕይወት ሓያል ሓላፍነታዊ መጠንቀቕታ ኢዩ፣ ጎ.ኢ.ክ. ንቤተ ክርስትያን ዝሓደገላ ዓቢይ ህያብ በብእዋኑ ካሪዝማቲክ ዝኾኑ ወይዝኾና መስረቲ ማኅበር ውፉይ ሕይወት ካብ ማእከል ሕዝቡ ምትንስኡ ኢዩ፣

ንሕና ሰብ ውፉይ ሕይወት እዚ ጸዋዕታ እዚ ንዓና ሓለፋ ፍቕሪ ስለዝተገብረልና ብጊደና ንጸዋዒና ከነፍቅሮን ናይ ፍቕርና ምልክት ከኣ። ንተልእኮና ብግቡእ እናፈጸምና ዝያዳ እሙናት ኮይና ክንርከብ። ምስ ቅ.ጳውሎስ ኮይና ከኣ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ መን ኢዩ ዝፈልየና።ስደት ድዩ መከራ ወይ ሞት ብምባል ሕይወትና ከይተረፈት ምእንቲ’ቲ ብፍጹም ፍቕሪ ዘፍቀረና ኣሕሊፍና ክንህብ ይግበኣና፣ ንሕሬትና ብዝግባእ ሞሳ ክንመልስ ኣሎና። እንተኾነ ግን ንሕና ብምኽንያት ተልእኮና ንዓለም ክንዲ ንልውጦ። ንሱ ናብኡ ይልውጠና ከይህሉ ክንጥንቀቕ ኣሎና፣ እዚ ዝብሎ ዘሎኹ ሓቂ እንተኮይኑ። እቲ ድኻምነትና እቲ ስንፍናና ኣበይን እንታይን ኮን ይኸውን? እቲ ቃል ኣምላኽ ናይ ዘመን ሓዋርያት ይኹን ናይ ሎሚ ዘይልወጥ ንሱ ኢዩ። ገለ ነገር ክፈልየና ዝኽእል እንተሃለወ ከኣ። እቶም ናይ ሽዑ ሰብ ቆሮንጦስ ፍሬ ናይቲ እዋንቲ ከምዝኾኑን። ነቲ ናይቲ እዋን እቲ ዝነበረ ጸገማት በቲ ናይቲ እዋን’ቲ ሜላታት ክገጥምዎን ክቃለስዎን ከም ዘሎዎም ትምህርቲ ተዋሂብዎም። ተጠቒሞሙሉ’ውን፣ ሎሚ ንዓና ናይ ዘመና ደቂ ሰብ። ከኣ ክርስቶስ መድኃኒ ንሱ ኮይኑ እቲ ቃል ድኅነት ቃል ኣምላኽ ንሱ ኮይኑ። ዝፈልየና እንተሃለወ። ንሕና ብርግጽ ናይ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ዝነበሩ ሰባት ኣይኮናን። ፍረ።ዉሉድ ናይ ዘመንና ሰባት ኢና፣ ቃልስና ከኣ ምስዚ ናይ ዘመና ብናህሪ ዝውንጨፍ ዘሎ ሕልኽላኽ ዝመልኦ ዝተወሳሰበ ዓለምና ኢዩ፣ ከመይ ናይ ሎሚ ሕብረተ ሰብ ናይ ትማሊ ሕብረተ ሰብ ኣይኮነን፣ ናይ ሎሚ ስድራ ቤት ናይ ትማሊ ስድራ ቤት ኣይኮነትን፣ ናይ ሎሚ መንእሰያት። ናይ ትማሊ መንእሰያት ኣይኮኑን።ናይ ሎሚ ሰብ ውፉይ ሕይወት ከኣ ናይ ትማሊ ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣይኮኑን፣

ንሕና ናይ ሎሚ ቤተ ክርስትያን።ናይ ትማሊ ቤተ ክርስትያን ኣይኮናን፣ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣዚዩ ቅልጡፍ ለውጥታት ዝረኣየሉ ዘሎ ዓለም እንነብር ዘለና ድኣ እምበር ኣብ ናይ በይንና ዓለም እንነብር ፍሉያት ሰባት ከምዘይኮና። ክርስቶስ መድኃኒ ባዕሉ ናይ ዓለም ድኣ ኣይንኹን እምበር ካብ ዓለም ኣይፈለየናን ከመይ ካብ ሕዝብና ተመሪጽና ናብ ሕዝብና።ናብ ሕብረተሰብ ዝተለኣኽና ኢና፣ ምኽንያት ምሕራይና ከኣ እቲ ሰናይ ብስራት ወንጌል ናብ ኩሉ ዓለም ከነብጽሕ ድልየት መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ፣ ቅ.ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ እንኪናገር። “ግናኽ ነቶም ብእኡ ዘይኣመኑ ከመይ ኢሎም ክጽውዕዎ ኢዮም።ብዛዕብኡ ከይሰምዑከ። ከመይ ገቢሮም ብእኡ ክኣምኑ።ብዘይ ሰባኺኸ ከመይ ኢሎም ክጽውዕዎ ኢዮም ብዛዕብኡ ከይሰምዑከ። ከመይ ገቢሮም ብእኡ ክኣምኑ። ብዘይ ሰባኺኸ ከመይ ገቢሮም ክሰምዑ ይብለና፣

እዚ ተልእኮዚ ከኣ ብሓፈሻ ንኩሉና ብጥምቀት ናቱ ተለኣኽቲ እዃ እንተኾንና ብፍላይ ከኣ ነቶም ፍሉይ ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ዝጸገወና። “ንስኻትኹም ንምድሪ ጨው ኢኹም ጨው መቐረቱ እንተ ኣጥፍኤከ ብምንታይ ይምቅር? ንደገ ተደርቢዩ ብሰብ ክርገጽ እንተዘይኮይኑስ ዚጠቅም የብሉን፣ ንስኻትኹም ንዓለም ብርሃን ኢኹም ኣብ እምባ ዝተደኮነት ከተማ ክትክወል ኣይከኣላን ኢዩ” ይብለና ከማኡ’ውን “ኦ ኣቦይ። ዓለም ንስኻ ከም ዝለኣካኒ ምእንቲ ክትኣምንስ ኩላቶም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነ’ውን ኣባኻ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ምእንቲ ክኾኑ። እልምን ኣሎኹ”።እናበለ ምእንታና ወትሩ ይጽልየልና፣እቲ ሓቂ ክርስቶስ ምእንታና ምእንቲ ቀጸልቲ ስርሑ ዝኾንና ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝጽልየልና ብጸጋኡ ዘሰነየና ካብ ኮነ።ንምንታይ ደኣ እዚ ንዓና ሕድሪ ዝተዋህበ ዓለም ካብ እምነት እናረሓቐ።ፍቕሪ ሕድሕድ እናጠፍኤ።መልክዕ ክርስትና እናተዳኸመ ዝኸይድ ዘሎስ ስለምንታይ ኢዩ? ስለምንታይ ኢያከ ቤተክርስትያን ብመራሕታ። ብፍላይ ኣብዘን ዓመታት እዚኣተ ንዓመተ እምነት። ሓዲስ ስብከተ ወንጌል። ዓመተ ውፉይ ሕይወት። እንሆ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ከኣ ዓመተ ምሕረት እናበለት ካብ ድቃስና ከተበራብረና ትጽዕር ዘላ? መልሱ ናይ ኣቦይ ድኻምነት ናብ ኣደይ። ናይ ኣደይ ከኣ ናብ ኣቦይ ዘይኮነስ። ብሓፈሻ ኣብ ቤተ ክርስትያን ርኡይ ድኻምነታት ይርኤ ስለ ዘሎ ኢዩ፣ ነዚ እንተ ኣሚናሉ ከኣ መድኃኒቱ ከከም ጸዋዕታና መሰረታዊ ተሓድሶ የድሊ ኣሎ ማለት ኢዩ፣ ንሱ ከኣ ናብቲ ቃል ኣምላኽ። ቃል ክርስቶስ ዝኾነ ናብ ቅዱስ መጽሓፍ ተመሊስና ዝኣክል ግዜ ሂብና።ምሉእብምሉእዝብለና ኣስተንቲና፣ናትና ገቢርና ናብ ግቡእ መሳርዕና ተመሊስና። ምእታው ኢዩ፣

ዓለም ለካዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብፍላይ ኣብዘን ዘሎናየን ዓመታት ብተዛማዲ። ብዋሕዲ ጸዋዕታ ብዙኅ ኣይተሳቐየትን።ብዓይነት ጸዋዕታ ግን ብዙኅ ኢያ ተሳቕያን ትሳቐ ዘላን፣ ምስሌነ ክርስቶስ ፍራንቸስኮስ’ውን ኣብዚ እዋናት እዚ ኣብ ምቕባል ንምምልማል ንጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ኣዚና ኽንጥንቀቕ ከምዘሎና ስክፍታኦም ካብ ምግላጽ ድኅር ኣይበሉን፣  ከመይ ጎ.ኢ. ክርስቶስ ብርእሱ “ጽዉዓት ብዙኃት ኢዮም ሕሩያት ግን ውሑዳት ኢዮም”ኢሉና ኢዩ ቢሎም ስብከቶም ዛዘሙ፣

      

 








All the contents on this site are copyrighted ©.