2015-11-05 16:57:00

ሓድሽ ቤት ምኽሪ ንቤት ሕክምና ዘሕጻነ ኢየሱስ


እቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝተመዘ ሓድሽ ናይ ዘሕጻነ ኢየሱስ ቤት ሕክምና ቤት ምኽሪ ምሕደራ ዕለት 4 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ቀዳማይ ኣኼባኡ ከምዘካየደ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ብሓደስቲ ኣባላት ዝቖመ ሓድሽ ናይ ውሽጢ መምርሕን ሕዳሴኣዊ ተልእኾን ዝተቐበለ ናይቲ ቤት ሕክምና ቤት ምኽሪ እቲ ቤት ሕክምና ግልጽነት ዝዓሰሎ ምሕደራን ናይ ምትሕብባር መንፈስ ዝነብርን ዝህቦ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ድማ ክብ ብዝበለ እዋናዊ ርኽበት ስነ ምርምር ዝተሰነየ ክኸውን ዝድግፍን ዝመርሕን ምዃኑ ናይቲ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ኣደ መንበር ማሪየላ ኤኖክ ከምዝገለጻ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።

ሓድሽ ቤት ምኽሪ

ናይቲ ብሓደስቲ ኣባላት ዝቖመ ቤት ምኽሪ ኣደ መንበር ኤኖክን ኣባልቱ ድማ ፒየትሮ ብሩነቲን ፈሩቾ ደበርቶልን ማሪያ ቢያንካ ፋሪናን ካተሪና ሳንሶነን፣ ኣና ማሪያ ታራንቶላን፣ ኣንቶኒዮ ዛናርድሪ ሊንዲ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ማሪየላ ኤኖክ እቲ ናይቲ ቤት ሕክምና ቤት ምኽሪ ግልጽነት ዝነብር እዩ

እቲ ቤት ሕክምና ዝኽተሎ ናይ ውሽጢ ሕግን ስሮዓትን ብሓድሽ መንፈስ ንምሕንጻጽ ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮኒል ቀረባ ኰይኖም ዘርኣይዎ ሓልዮትን ዝለገስዎ ምዕዳንን ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣደ መንበር ማሪያላ ኤኖክ ገሊጸን ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣባላት ንኽዀነ ብፁዕነቶም ዝሓረይዎም ድማ ነቲ ሓላፍነት ብእሽታ ብምቕባሎም ኣመስጊነን እቲ ቤት ምኽሪ ምሕደራኡ ግልጽነት ዝተነብሮ ከምዝኸውን ሓቢረን ነቲ ቤት ሕክምና ዘገልግል ዝውፈይ ሃብቲ ገንዘብ ኣጠቓቕማኡን ኩሉ ብግልጺ ዝቐርብ ከምዝኸውን አረጋግጽ ቢለን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ እውን ዝተፈላለዩ ናይ ደገፍን ምትሕብባርን ተበግሶታት ዘነቓቕሕ ከምዝኸውን እዩ ከምዝበላ ናይ  ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፦ እቲ ቤት ምኽሪ ብብሉጻት ኣባላት ዝቖመ እዩ

ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓርሊን ኣብቲ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካይዶ ቀዳማይ ኣኼባኡ ብጻዕቂ ስራሕ ምኽንያት ክርከቡ ብዘይ ምኽኣሎም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ኣብ መልእኽቶም ድማ ንኣባላት ሓደሽቲ ቤት ምኽሪ ቤት ሕክምና ዘሕጻነ ኢየሱስ ቅርበቶምን ምስጋናኦምን ገሊጾም ብኣኦም ተሓሪዮም ነቲ ዝተውሃቦም ከቢድ መዝነት ብእሽታ ብምቕባሎም ድማ ኣመስጊኖም ኣቲ ብዘይ ካልእ ሕቡእ ድላይን ጥቕምን ዘይተመርሔ ሰዓብቲ ኢየሱስ ኣብ ምዃን ደቀ መዛሙርቲ ዘርኣይዎ ተወፋይነት ዘንጸባርቕ እዩ፣ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ቤት ሕክምና ንምግልጋል ዝተጸውዑ ብምዃኖም ድማ ኣገልግሎቶም ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ከምዘመልከቱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ነቲ ዝተቐበልዎ ሓላፍነት ድማ ብቑዓት ምዃኖም እምነቶምን እምነት ቤተ ክርስቲያንን እምነት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዝተሓደሰ ተማልኢ ንጥፈት

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ እቲ ናይ ቤት ሕክምና ዘሕጻነ ኢየሱስ ቤት ምኽሪ ምሕደራ ዝህቦ ኣገልግሎት ብዝተሓደሰ ተማላኢ ንጥፈት ከምዘበገሰ ጠቒሶም ነቶም ናይቲ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ኣባላት ደገፎምን ሕውነታዊ ቅርበቶምን ኣብ ጸሎቶም ህልዋን ምዃኖም እውን ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ፣ እቲ ቤት ሕክምና ዝህብዎ ኣገልግሎት እቲ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ሎሚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንዝፍጽምዎ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ዝምስክር ከምዝኸውን እምነቶም ምዃኑ ከምዘረጋገጹ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.