2015-11-03 13:37:00

ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ቅዱስ መስቀል ዑደት ኣብ ብራሰልስ


እታ ናይቲ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ በቢ ኽልተ ዓመት ዝዳለው መዓልቲ መንእሰያት ትእምርቲ ዝዀነ ዓቢይ መስቀል፣ ናብቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዓለም  ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ናብ ዝከይደሉ ከተማ ክራኮቪያ ቅድሚ ምብጻሑ ከምቲ ልሙድ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑደት ይፍጹም ከምዘሎን፣ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ በልጂም ርእሰ ከተማ ብራሰልስ ብ 600 መንእሰያት ኣቀባብላ ተገይሩሉ ኣብ ሰበኻታት ቤልጂም ዑደት የካይድ ምህላዉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ቤልጅማዊ ካቶሊካዊ መንእሰይ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ነቲ መስቀል የሰንይ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መስቀል ዕለት 31 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ብራሰልስ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱሳት ሚካኤልን ጉዱላን በጺሑ ጸሎትን ኣስተንትኖንን ዓለም ሓቆፍ ተፈላጥነት ዘለዎም ውሩይ ስነ ጠቢብ ግረጎርይ ቱርፒንን ካልኦትን ቃል ምስክርነት ብዘቕረብሉ መንፈሳዊ መደብ ከምእተኻየደን ድሕሪ እዚ መደብ’ዚ ድማ ኣብ ጐደናታት ብራሰልስ ዑደት ፈጺሙ ኣብ ከባቢ ደስ ሪሸስ ክላይረስ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን በጺሕ ጸሎተ ዘለሊት ተፈጺሙን ንጎሆ ዕለት 1 ሕዳር 2015 ዓ.ም. እቲ መስቀል ብናይ መላእ ሃገራት ዓለም ሰንደቕ ዕላማ ተኸቢቡ መንእሰያት ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።            








All the contents on this site are copyrighted ©.