2015-11-03 16:07:00

መንገዲ ቅድስና ሓርጎጽጎጽ ዝመልኦ እኳ እንተኾነ መንገዲ ሓጐስ እዩ፣ ር.ሊ.ጳ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርንቸስኮስ ንዝኽሪ ኩሎም ሙታን አብ ከተማ ሮማ አብ ዝርከብ ቨራኖ ዝበሃል መካነ መቃብር መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘዕረጉሉ ጊዜ “መንገዲ ቅድስና መንገዲ ሓጐስ እዩ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጐዓዛ መንገዲ ከአ እዚአ እያ፣ ምስ ኢየሱስ ዝጐዓዝ ከአ አብ ዘለዓለማዊ ሕይወት እዩ ዝወርስ” እንክብሉ ሰቢኾም፣ አብዚ ብዙኃት ቤተሰቦም ንምዝካርን ንአስተንትኖን ከምኡ እውን ናይ ከተማ ሮማ ሓዲስ ኮሚሳርዮ ፍራንቸስኮ ፓውሎ ትሮንካ ዝርከበዎም ሰብሥልጣንን አብ ዝተረኽቡሉ ቅዱስነቶም አብ ፍጻሜ ቅዳሴ አብ ልዕሊ ሓደ መቃብር ንዝክሪ ኩለን ናይ ሰበኻ ሮማ ነፍሳት ጻዕዳ ጽጌረዳ አንቢሮም፣

አብቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መጀመርያ ስብከት ብፅዕና ናይ ኩርባ ማለት ማቴ 5 ተመርኵሶም አብ ዘቅረብዎ ስብከት መንነት ቅዱሳን እንክገልጹ፤ “ቅዱሳን አብ ሰማያዊት ሃገር ቀዲሞምና ኃሊፎም ዘለው ኮይኖም ንሕና እዞም ህልዋት አብ እንገብሮ ናይ ምድራዊ ሕይወትና ንግደት ዝኾነ ጕዕዞና ዘሰንዩናን ዘተባብዑናን አኅዋትናን አኃትናን እዮም፣ ከማና ሰባት ክንሶም ነታ መንገዲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብተአማንነት ስለዝተጓዕዝዋ ተዓዊቶም፣ እዚ ጐዳና እዚ ባዕሉ ኢየሱስ እዩ፣ ምስኡ ኰይኑ ነዚ መንገዲ እዚ ዝጐዓዝን ነቲ ንሱ ዝመሃረን ናይ ብፅዕና መንገዲ አብ ግብሪ ዘውዕልን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ይወርስ፣ እዚ ጕዕዞ እዚ ንክትርድኦ ከቢድ እዩ ከመይ ተጻይ ህልው ኩነታት ስለዝጐዓዝ ኮይኑ ግን ጐይታ እዛ መንገዲ እዚአ መንገዲ ሓጐስ ስለዝኾነት ቀዲሙ ድሕሪ ሕጉስ እዩ ዝኸውን፣” ብማለት ምስ ገልጹ ናብተን መንገዲ ብፅ ዕና ዝገልጻ ቃላት ኢየሱስ ምልስ ብምባል “ብመንፈስ ድኻታት ብፁዓን እዮም ክብል እንከሎ ንልቡ ዝመልኮ ዓለማዊ ነገር ሓንቲ የብሉን ዝጽበያ መንግሥቲ አምላኽ ጥራይ እያ፤ ዝሓዝኑ ዝበኽዩ ብፁዓን እዮም እንክብል ከአ ሓዘን ዝይፈልጥ ምጽንናዕ ሓጐስን ከስተማቅር አይክልን፣ እወ እቶም ሥቃዮምን ሥቃይ ብጾቶምን ልቦም ተንኪፉ ከምዝሓዝኑ ዝገብሮም ብፁ ዓን እዮም፣ ከመይ እታ ርሕስቲ ኢድ እግዚአብሔር ከተጸናንዖምን ክትሕብሕቦምን እያ፣” እዚ ነቲ ብልምድና ንዝሓዘነ እግዚአብሔር ኢዱ የንብረልካ ንእንብሎ የመልክት፣

ቅዱስነቶም ካብዚ ቀጺሎም ናብ ዕለታዊ ናብራና ምልስ ይብሉ እሞ “ብዙሕ ግዜ ት ዕግሥቲ እንክጐድለና እንክንቁጣዕ ቀሚሽ አደይ ሓንኰለኒ እናበልና ዕሚም ነብዝሕ እንተኾና ወንጌል ዕጉሳት ትሑታት ብፁዓን እዮም ይብለና፣ እዚ ከምቶም ውሉዶም ከምዘንጸርጽሩ ዝገብርዎም ኮይኑ ግን ብት ዕግሥትን ብትሕትናን ዝ አልዩ አቦታትን አደታትን ምሳሌ እዩ፣ ኢየሱስ ነዚ ክብል እንከሎ ካብ ተመኵሮኡ ተበጊሱ እዩ ከመይ ብሕጻንነቱ ስደትን መከራን ተቀቢሉ ምስ ዓበየ ከአ ብዘይወዓሎ ክሲ ብሕሜታን ቅንእን ዝተላዕለ አብ ቅድሚ መጋባእያ ቆይሙ ነዚ ኩሉ ግን ብት ዕግሥትን ብትሕትናን እዩ ተቀቢልዎ ንድሕነትና ክብል ከአ ስለፍቅርና አብ መስቀል ተሰቂሉ ክሳብ ዝመውት ኮነ፣ መጀመርያ ባዕሉ ፈቲኑ ነቲ መሪር ጽዋዕ ጥ ዒሙን ሰትዩን እዩ ድሕሪኡ ንዘሎ ዓወት ዘመልክተልና፣ እቶም ንጽድቂ ዝጠምዩ ዝጸም ኡን ዝብሎም እውን ከማኡ ነቲ እግዚአብሔር ጥራይ ክህቦ ዝኽ እል ፍትሒ ክቅበሉ ስለዝኾነ ብፁ ዓን እዮም፣ እቶም ምሕረት ዝገብሩ እውን ከይፈረዱ ምሕረት ስለዝህቡ ብፁ ዓን እዮም፣ ነፍሲወከፍና ምሕረት የድልየና እዩ፣ ኃጢአተኛ ቢልካ ኃጢ አትካ ተአሚንካ ምሕረት ምሕታት ንቃል ዓለም ዝግበር አይኮነን፣ ስለዝኾነ ከአ ነቲ ንሕና እንልምኖ ምሕረት እንረኽቦ ንካል ኦት ምስ መሓርና ኢዩ፣ እቶም ብት ዕግሥቲ ሰላም ዝዘር ኡ እውን ብፁ ዓን እዮም ከመይ እዚኦም ደቂ እቲ ን እንኮ ወዱ ከም ዘር ኢ ሰላም ዘመደ አዳም ናይ ዝለ አኸ እግዚአብሔር አቦ ሓቀኛታት ደቂ እዮም፣ በንጻሩ እቶም ናይ ጽል እን ቅርሕንትን ክርዳድ ዝዘር ኡ ሕጉሳት አይኮኑን ተሃዊኾም ዝህውኹ እዮም እንክብሉ ብሰፊሑ ንመንገዲ ብፅ ዕና ምስ ገለጹ ጐይታ ጸጋኡ ክህበና እሞ ትሑታትን ገርሀይናታትን ኰና መጋበሪ ምሕረት አምላኽ ክንከውን ንለምኖ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.