2015-10-31 16:12:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ግዱድ ስራሕን ሓደስቲ ግብረ ጊልያነትን ምውጋድ


ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ዛዕባ ሓድሽ ግብረ ንግድ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣማእኪሉ ዝዘተየ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ከምእተዛዘመ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣልቫሮ ቫርጋስ ማሪኖ ሓቢሮም ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ጸረ ሓድሽ ግብረ ንግድ ሰብ ዝዓዪ ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ፍልዩ ሓይሊ ጸጥታ ዝሓቁፍ ነዚ ጸያፍ ተግባር ብምክትታል ዘቃልዕን ናይ ወዲ ሰብ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ክኽበር ዘነቓቕሕ ጉጅለ ቅድስቲ ማርታ ዝተሰምየ ወግዓዊ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ዘዳለዎ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 30 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዝዀነ ዓይነት ሓድሽ ግብረ ጊሊያነት ንምውጋድ ናይ ኵሉ ጻዕሪ ይሓትት ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልኽቲ ከምዘመሓላለፉ ኣፍሊጦም።

እዚ ወግዓዊ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ብፁዕ ካርዲናል ቦርጎሊያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓረዩ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ መንበሪኦም ክኸውን ምስ ሓረዩ ናይቲ መንበሪኦም ሕንጻ ስም መጸውዒኡ ገይሩ ዝቖመ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ምዃኑን ናይዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ልኡኻት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ምስ ቅዱስ ኣቦና ከምእተራኸቡ እክዝከር ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ እቲ ዓለም ሓቆፍ ጉጅለ ቅድስቲ ማርታ ማድሪድ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ሎረንዞ ዘኤኮሪያል ነቲ ዓውደ ጉባኤ ንኸካይድ ብምሕራዩ ፍልዩ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓጎስን ርውየትን ከምእተሰምዖም ገሊጾም፣ እዚ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ብዘካይዶ ዘሎ ጐስጓስ ጸረ ንግድ ሰብ ብዙሕ ውጽኢት የዕትር ምህላዉን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ መላእ ከንቲባታት ርክብ ክካይድ ምግባሩን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ድማ ናይ መላእ ሃገራት ከንቲባታት ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ብዝብል ስም ገሊጾም ሓደስቲ ግብረ ጊሊያነት ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ  ክተግሁ ምዃኖም ዘረጋግጽ ናይ ሓባር ውሳኔ ዝተነብሮ ናይ ስምምዕ ሰነድ ክፍረም ዕድል ምፍጣሩ እውን ከምዝዘከሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣልቫሮ ቫርጋስ ማሪኖ ኣፍሊጦም።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ብሑቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ዝውዕል ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ካብ ዘስፈሮም ነጥብታት ሓደ እቲ ናይ ግዳድ ስራሕ ዝብል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ሕጻናት ኣብ ውትድርና ዓለም ምዱጓንን ዝኣመሰሉ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ክሳብ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ካብ መላእ ዓለም ጠሪሹ ክውገድ ዝብል ነጥቢ ጠቒሶም እዚ ዓይነት ግዱድ ስራሕ ምውጋድ ናይ ኵሉ ጻዕሪ ይሓትት ከምዝበሉ ቫርጋስ ማሪኖ ሓቢሮም።

ከምቲ ዕለት 25 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ሕዝባዊ ባይቶ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦  መላእ ሕዝቢ ዓለም ብጽንዓት ናይ መላእ ሃገራት መንግስታት ብጭቡጥ ተግባር ዝተሰነየ ቅልጡፍ ውጺት ዘዕትር ባህርያዊ ተፈጥሮ ንምዕቓብን ብሉጽ ዝገብርን ብዘይተደናጐይ እቲ ካብ ማሕበራዊውን ኤኮኖሚያውን ሕዝብታት ዝንጽል ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝግለጽ ሓደስቲ ግብረ ጊልያነትን ናይ ሰብነት ውሳጣዊ ክፍሊ ኣካል ንግድን ትሕቲ ዕድመ መጋበሪያ ጸያፍ ተግባራትን ንሩካቤ ስጋን ጊልያ ዝገብር ንኣመንዝራነት ዝዳርግ ስራሕን ንግድ ኣጸ ፋርስን ኣጽዋር ውግእን፣ ኣሸባርነትን ዓለም ሓቆፍ ናይ ገበን ተግባራትን ጠሪሹ ክጠፍእ ዝድግፍ ስሉጥን ግብረኣውን ቀጻልን ውሑስ መስፈርቲ ከረጋግጹ ሓደራ እንክብሉ ዘቕረብዎ ሓሳብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም፦ እቲ ከሃሌ ኵሉ ፈጣሪ ጉጅለ ቅድስቲ ማርታ ዝተቐበሎ ጥንቓቔ ዝሓትትን ሰብኣውነትን ክርስትያናውን መለለዪ ዘለዎ እቲ ናይ ክርስቶስ ስቓይን ኣቑሳልን ዝውክል ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘጋጥም ዘሳቕይ ቁስሊ ምፍዋስ ዝብል ተልእኾኡ ንቕድሚት ከብሎ ጸጋኡን ሓይሉን ይዓድል ብዝብል ጸሎት ነቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለል ልኡኽ ጋዜጠይና ቫርጋስ ማሪኖ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.