2015-10-29 16:08:00

ብፁዕ ካርዲናል ኣሪንዘ፦ “ሱር በተኽ ሓዋርያውነት”


“ሱር በተኽ ሓዋርያውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቅዱሳት ምስጢራትን ስርዓት ኣምልኾን ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ልሂቅ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፍራንሲስ ኣሪንዘ ዝተደርሰት መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመት ዕለት 28 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕንጻ ራዲዮ ቫትካን ኣብ ዝርከብ ማርኰኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔት ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ባርቢይ ሓቢረን።

እታ መጽሓፍ ኩሉ ዓለማዊ ምእመን ይዅን ኣብ ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ዝነብር ክርስትያን ወንጌል ብሱር በተኻውነት ምልዋጥ ክነብር ዝተጸውዔ ምዃኑ እተነጽር መጽሓፍ ንንባብ ንኽትበቅዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ደራሲ’ታ መጽሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ኣረንዘ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ኢየሱስ እዩ ንዓ ሰዓበኒ ዝብል፣ እዚ ሰዓበኒ ዝብል ካብ ኢየሱስ ዝጽገው ጸዋዕታ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝንበር እዩ፦ ጳጳስ ካህን ዓለማዊ ምእመን ብምዃን ዝግለጽ እዩ። እዚ ኵሉ ጸዋዕታ’ዚ እዩ ቤተ ክርስቲያን ዘብል። ቤተ ክርስቲያን እቶም ኣብ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ዝዀኑ ጸጋ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበሉ ማሕበር ማለት እያ ቢሎም፣ ክርስቶስ ኩሉ ሓዲግካ ኩሉ ሸይጥካ እቲ ርካብ ንድኻታት ዓድሎ እሞ ንዓ ሰዓበኒ ይብል፣ ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎ ዓመተ ውፉያን ሕይወት ዘቃልሖ ሓሳብ እውን እዩ። ንድኻታት ሃቦ እሞ ንዓ ሰዓበኒ። ሰለስተ ማሕላ ውፉይ ሕይወት ወትሩ ኣብ ምድላይ እግዚኣብሔር ዝነብር ናይ መንፈስ ናጽነት ዘጸግው እዩ፣ ዕለት ብዕለት ቃል ኣምላኽ ምስትውዓልን ምጽላይን ምስትንታንን ልባትካን ኣእምሮኻን ናብ እግዚኣብሔር ክብ ምባል ማለት እዩ። ንናጽነትና ምልኣት ዝህብ እዩ እንክብሉ ናይ ውፉያንን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ሮድሪገዝ ካርባሎ ብወገኖም ጸዋዕታ ሓንሳብ እትቕበሎ ጥራሕ ዘይኰነስ ዕለት ብዕለት ኵስኮሳን ሕንጸት ዘድልዮ እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሃሳብ ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ባርቢይ ሓቢረን።   








All the contents on this site are copyrighted ©.