2015-10-29 15:53:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ማሕበር “Gravissimum educationis-መሰረተ ሕንጸት” ኣቝይሞም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካቶሊካዊ ሕንጸት ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት ብኢደ ጽሑፍ ብዘስፈርዎ ውሳኔ መሰረት መንበሩ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝኸውን ሕገ ቆኖናውን ሕጋዊ ኣካል ዝዀነ ኣብ ዓለም ካቶሊካዊ ሕንጸት ብስነ ምርምራውን ባህላውን መጽናዕትታት ብምክያድ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዘነቓቕሕ ዝብል ሸቶ ዘለዎ  ማሕበር መሰረተ ሕንጸት ከምዘቖሙ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ዘቖምዎ ማሕበር መሰረተ ሕንጸት ዕለት 28 ጥቅምቲ 1965 ዓ.ም. ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “Gravissimum educationis-መሰረተ ሕንጸት” ብዝል ኣርእስቲ ዘጽደቖ ክርስቲያናዊ ሕንጸት ዝምልከት ውሳኔ ዝኽሪ መበል 50 ዓመቱ ኣብ ዝበዓለሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብኢደ ጽሑፍ ብዘስፈርዎ ናይ ውሳኔ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔ መሰረተ ሕንጸት ጠቒሶም ቤተ ክርስቲያን ሕንጸትን መዕበያን ኣብ ሕይወት ወዲ ሰብ ዘለዎ ኣገዳስነትን ኣብ ናይ ዘመንና ማሕበራዊ ዓቢይ ማሕታ (ጽልዋ) ከምዘለዎ እምነታ እዩ እንክብል ዘንበሮ ሓሳብ ጠቒሶም እዚ ድማ እቲ ካብ መለኰተ መስራቲ ዝተዓደለ ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ምድሓን ዝብል ዕላማን ኩሉ ኣብ ክርስቶስ ዝስርት ተልእኾ ብሥራት ድሕነት ምግልጋል ዝብል ሓሳብ ዘጠቓልል እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ፣ እቲ ማሕበር ካብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኽተሎ ናይ ውሽጢ ሕጊ ወጻኢ ሕገ ቆኖናውን ናይ ሃገረ ቫቲካን ፍትሃ ብሔርን መሠረት ገይሩ ዝቖመ ምዃኑ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.