2015-10-29 15:42:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ንማሕበር ሰራዊተ ክርስቶስን ኣባላቱን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ጀሚሩ ብወግዒ ዝኽፈትን ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ልቢ ዝዛዘም ቅዱስ ዓመተ ምሕረት ብምሕሳብ ንመንፈሳዊ ማሕበር ሰራዊተ ክርስቶስን ንናይቲ ማሕበር መላእ ኣባላትን ብምኽንያት ዝኽረ መበል 75 ዓመተ ምስረታ ማሕበረ ሰራዊተ ክርስቶስ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ከምዘንበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበረ ሰራዊተ ክርስቶስን መላእ ኣባላቱን ዘንበርዎ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ መንበረ ንስሓ ውሳኔ ገይሩ ከምዝሰነዶን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ናይ ስራዊተ ክርስቶስ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቃ ኣባ ኤድዋርዶ ሮብለስ ጊል ብዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ድማ እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ናይ ሓዋርያዊ መንበረ ንስሓ ዓቢይ ኣናዛዚ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፒያቸንዛ ፊርማ ዝተነብሮ ኰይኑ ከምእተመሓላለፈን እቲ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ኣብ 2015 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓለ ክርስቶስ ንጉስን ኣብ 2016 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ልቢ ዝጽገው ክኸውን እንከሎ፣ ኰይኑ ግና እቲ ማሕበርን ኣባላቱ እዚ ጸጋ ንኽዕደልዎ ንንጉሰ ክርስቶስን ቅዱስ ልቢን ዘለዎም ኣኽብሮን ተወፋይነት ብጸሎትን ኣስተንትኖን ምልዋጥን ኣብ  ናይ ውፉይ ሕይወት ጸዋዕታኦም ኣብ ክርስትያናዊ ጸዋዕታኦምን ስድራ ቤት ኣብ ምክልኻል ጸዋዕታኦምን ኣሙናት ኰይኖም ንኽርከቡ መታን ብጸሎትን ንስሓን ተጊሆም ምስ ዝርከቡ እዩ ዝብል መንፈሳውን ሰብኣውን ቅድመ ኩነት ዝተነብሮ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ናይ ሰራዊተ ክርስቶስ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ሮብለስ ጊል ንመላእ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ስለ እቲ እግዚኣብሔር ብለውሃቱ ዝዓደሎ ጸጋ ማሕበረ ሰራዊተ ክርስቶስ ሞሳ ክንመልሰሉን ሓዋርያት ምዃንና እንሕድሰሉን እሙናት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መንግስቲ መሰኻኽር ክንከውን መታን ቅዱስ ኣቦና ዝዓደልዎ ጸጋ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክንጥቀምሉ ተባዓትን ትጉሃትን ኰይና ንረኸብ ሓደራ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲመንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.