2015-10-27 18:46:00

ዝኽረ በዓል ርእሰ ኣድባራት፡ ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ


ዓመታዊ ዝኽረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ፣ ከም ወትሩ ብጸሎት ምህለላን ኣስተምህሮታትን መደብ ጸሎት ታስዕቲ ተሰንዩ፣ ንዓይንን ልብንን ዘሐጉስ፣ ንመንፈስ ከኣ ብዘበራብር ኣገባብ ፣ ኣብቲ ታሪኻዊ ቁምስና ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ፣ ዝሐለፈ ዓርቢ 12 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም. ግዕዝ ብዙሕ ሕዝቢ ብዝተሳተፎ ድሙቕ ኣገባብ ከቢሩ ዊዒሉ።

እቲ በዓል ብድሮ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ያሬዳውያን መዘምራን ድሙቕ ዋዜማ ኣምስዮም። ለይቲ ከኣ ብማኅሌት ዘለሊት ዲቕ ክብሉ ኣርፈዱ። ንግሆ ከኣ ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፣ ምስ 12 ለባስያን ካህናት ዝመርሕዎ ካበየቦታኡ ካብ ከተማታን ገጠራን ዝመጸ፡ ገሊኡ ኣብ ቤተክርስቲያን፡ ገሊኡ ኣብ ብቅድሚ ቤተክርስቲያን ዝነበረ ዳስ፡ ገሊኡ ገአ ብኩሉ መኣዝን ቤተክርስቲያን ኣብ ቀጽሪ ኮይኑ፡ ብዙሕ ሕዝቢ ዝተሳተፎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉ። ድሕሪ ቅዳሴ ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን ምእመናንን ለባስያን ካህናትን እናተማህለሉ፣ መዘምራን እናዘመሩ፣ ሕዝቢ ብኣርባዕቲኡ ማዕዝን እናተባረኸ ግሩም ዑደት ተኻይዱ። ያሬዳውያን መዘምራን “ሚካኤል ግሩም፣ በመንፈስ ቅዱስ ሕቱም፣ መዓዛ ቅዳሴከ ጥዑም፣ ነዓ ነዓ፣  በበዓልከ ማእከሌነ ቁም” ቢሎም እንኪዝምሩ፣ መንእሰያት’ውን ዝተፈላለየ ናይ ምስጋና መንፈሳዊ መዛሙሮም ኣስሚዖም። ኣስዒቦም ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ንነጋድያን ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ እግዚኣብሔር፡ ክቡራን ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ ሎሚ ናይቲ ብሓቂ ተኣማኒ ዝኾነ፡ ብዘይካ እግዚኣብሔር ካልእ የለን ቢሉ ዝኣመነ ጥራሕ ዘይኮነስ ብግብሪ ዝመስከረ፡ ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ኮይኑ፡ ንሕና’ውን ብኣኡ ናብ እግዚኣብሔር ዝቐርብ ምስጋና፡ልመና፡ ውዳሴ ስለዘሎና፡ ናብዚ ቅዱስ ደብሪ ነጊድና ኣሎና ኢሎም። ቀጺሎም ብፁዕ ጳጳስ እዚ ዕለት ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት፡ ማለት ሳሙኤል ነቢይ ንዳዊት ዝቐብኣሉ፡ ክብረ በዓል ቅ.ማቴዎስ፡ክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ቅዱስ ሚካኤል ኢዩ ፡ ነዚ በዓል ኣብ እንብዕለሉ እዋን ናብ ሕይወትና ምልስ ቢልና ክንርእዮ ዘሎና ብዙሕ ኣሎ፡ ብምባል ንሰለስቲኡ ሓሳባት እንኪትንትኑ፡እቲ እግዚኣብሔር ንሕዝቢ እስራኤል ብመሳፍንትን ነብያትን ነገሥታትን ዝገብሮ ዝነበረ ሓልዮትን መሪሕነትን፡ እቲ ሕዝቢ ብወገኑ ዝገብሮ ዝነበረ ክሕደትን ጥልመትን ዝገልጽ ንሳሙኤል “ዚመርሓና ንጉሥ ሃበና” ቢሎም ንእግዚኣብሔር ሓዲጎም ብናቶም ሕቶ ንጉሥ ኪቕብኣሎም ዘቕረብዎ፡ እግዚኣብሔር  ከኣ ሕራይ ግና ነቲ ንጉሥ ኪግዝኡን ኪብብሩን ባሮት ኮይኖም ከገልግሉን ምኻኖም ክፈልጡ ሓቢሩ ንጉሥ ኪቅብኣሎም ከምዘፍቀደ፡ እቲ ዝተቐብኤ ንጉሥ ሳኦል ግና ከም ፍቓድ ኣምላኽ ስለዘይከደ፡ ኣምላኽ ዝከም ልበይ ዝበሎ ዳዊት ከምዝተቐብኤ ብሰፊሑ ገሊጾም፡ ሎሚ’ውን ፍትሕን ሰላምን ካብ እግዚኣብሔር ስለዝኾነ፡ ከም ልቢ ኣምላኽ ብፍትሕን ብሰላምን ዜመሓድሩን ዝመርሑን ካህናትን መራሕትን ኣመሓደርትን ክህበና ንኣምላኽ ንለምን እንክብሉ። ኣብቲ ካልኣይ ሓሳብ ከኣ ንጸዋዕታን ኣገልግሎትን ማቴዎስ ወንጌላዊ ገሊጾም፡ ከምቲ ማቴዎስ ኣብ ወንጌሉ” ንሐኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ከምዘየድልይዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ደልዩ ከም ዘይመጸ፡ ሕጂ’ውን ኣምላኽ ንሓጢኣት እምበር ንሓጥኣን ስለዘይጸልእ፡ ኣብዚ ሓጢኣት የለን ዝብሃለሉ ዘሎ ግዜና፡ በቲ ጊጉይ ትምህርቲ ከይተደናገርና ኣብ ፍርዲ ኪንቐርብ ምኻንና ፈሊጥና፡ ነቲ መስዋዕትኩምን በዓላትኩምን፡ ክፍኣት እናገበርኩም እትፍጽምዎ ኣኬባታትኩምን እጸልኦ ኣለኹ።...”ተነስሑ፡ ካብ ሓጢኣትኩም’ውን ተሓጸቡ፡ ገዛእ ርእስኹም ኣንጽሑ። ኣብ ቅድመይ ክፉእ ምግባር  ሕደጉ። ሠናይ ምግባር ተመሃሩ፡ ብቅንዕና ፍረዱ፡ ንጥቁዓት ርድእዎም፡ ንዘኽታማት ፍትሒ ኣውጽኡሎም ንመበበለታት ተጣበቑለን” ዝብል ኣብ ትንቢት ኢሳይያስን ኣሞጽን ዝተዋህበና ድምጽን ቃልን ኣምላኽ ሰሚዕና፡ ብሓጢኣትና ክንእመንን ክንሳሕን የድሊ። ኣእዳውና ብደም፡ መልሓስና ብሓሶት፡ ልብና ብቂምታ መሊኡ ከይህሉ ንጠንቐቕ። ሎሚ ዓመጽ ይበዝሕ፡ ሕውነት ይጠፍእ፡ ስደት ይበዝሕ፡ ሰላም ይጠፍእ፡ ውግእ ይብርትዕ ኣሎ። ስድራቤት እንተፈሪሳ፡ ቤት እንተዓንያ እግዚኣብሔር ምልክት ኢዩ ዝህበና ዘሎ፡ ንሓድሕድና ንፋቀር፡ ሰላም ንበሃህል፡ ምሕረት ክንረክብ መሓርቲ ንኹን። ንግደትና ስጋዊ  ዘይኮነ ንሰማይ እናጠመትና ናይ እንገብሮ ጉዕዞ ምልክት መንፈሳዊ ንግደት ይኹን። ንኣበሳና መከሓሓሲ መባእ ሂብና ንኸይድ ከይንህሉ፡ ኣምላኽ በዚ ኣይታለልን ኢዩ ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም፡ ነቲ ኣብ ታሕሳስ ዝጅመር ዓመት ኢዮቤል ምሕረትን ኣብ ሮማ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ ስድራቤትን ዘኪሮም፡ ነቲ ዓመት ምሕረት ንመነዮን ንድለየን ክብሉ ንዝሕሰብ ዘሎ መደባት ምኽፋት ማዕጾ እምነት ኣብዚ ሰበኻ ኣመልኪቶም፡ ፍረ እቲ ጉባኤ ስድራቤ ከኣ ንስድራቤት እቲ ግቡእ መልክዓ ዘልብስ ኪኸውን ተመንዮም። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ንቅድስቲ ሃገር ዝገበርዎ ምብጻሕ ናይ ዝረኸብዎም ስደተይናታት ሃለዋት ቅማቕ ምኻኑ ክብረት ከምዘይብሎም ገሊጾም፡ ካብ ዘለውዎ  ስቃይን ውርደትን ኣምላኽ ከውጽኦም ንለምን’ውን ቢሎም፡ ቃለ ቡራኬ ሂቦም ስብከቶም  ዛዚሞም። ቃለ ምስጋና ቆሞስ ኣባ በርሀ ሩፋኤል’ውን ተሰሚዑ፡ ብእግዚኦታን ቡራኬን ዝኽረ በዓል ተፈጺሙ፡ ተሳታፊ ሕዝቢናብ ዝተደለወሉ ኣዳርሽ ኣምሪሑ ብሓባር ጸበል ተኻፊሉ፡ ኣመስጊኑን ተመባጺዑን ንነናብ ቦታኡ ብሰላም ተመልሰ።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.