2015-10-24 18:39:00

ንግደት ሥድራቤታት ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ - ናብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ (P.2)


ክቡራንን ክቡራትን ሰማዕትና ኣብ ዝሓለፈ መደብና፡ ንንግደት ስድራቤታት ልዕለ- ሰበኻ ኣሥመራ፡ ናብ ርእሰ ኣድባራት ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪብና፡ ምንባርና ይዝከር።እነሆ እምበኣር እቲ ፡“ስድራ ቤት ዘቤታዊት ቤተ ክርስትያን እያ” ዝብል ኣስተምህሮ ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ሥላሴ ዘማኅበረ ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ።

ስድራቤት ዘቤታዊት ቤተ ክርስትያን

ጽሓፍቲ ክርስትና፣ ንስድራ ቤት ከም ሓንቲ ንእሽቶ ቤተ ክርስትያን ይቖጽርዋ። ቤተክርስትያን፣ ቅ. ቍርባን ዘሎወሉ፣ ተኣኪብና መደብ ሥርዓት አምልኾ ንገብረሉ ሕንጻ ኢዩ። እዚ ሕንጻ’ዚ ግን ከምቲ “ቅ.ጳውሎስ፡ ንስኻትኩም ቤተ መቕደስ አምላኽን ማኅደር መንፈስ ቅዱስን ምኻንኩም’ዶ አትይፈልጡን ኢኹም?”(1ቆሮ 3፡ 16) ዚብሎ፣ ኣምሳል እቲ ብሳላ ጸጋታት ምሥጢራት ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ ዘሎ ሰውነትና ኢዩ። ካብ’ዚ ስነ መጎት’ዚ እምበኣር፣ እቶም ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዘበሉ ዝኾኑ ዜቑምዎ ቅዋም ኣሎ። ንሱ ከኣ ኣብ ቋንቋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፣ ስድራ ቤት እያ። ዘቤታዊት ቤተ ክርስትያን ከኣ  ትበሃል።

ቅ.መጽሓፍ፣ ኣብ መጀመርያ ምዕራፉ ዘፍጥረት፣ እዛ ዘቤታዊት ቅዋም እዚኣ ከመይ ኢላ ከም ትምስረት የመልክተልና። “…ኣዳም ንሔዋን ሥጋኣ ካብ ሥጋይ፣ ዓጽማ ከኣ ካብ ዓጸመይ ኢዩ ኢሉ ንሔዋን ተቐበላን ፈተዋን። ንሱ ኣቡኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስኣ ይጽንበር። ሓደ ሥጋ ይኾኑ (2፣ 23-24)። ፍረዩን ተባዝሑን ኢሉ ከኣ ባረኾም” (1፣28) ይብለና። መስራቲ ስድራ ስድራ ቤት እምበኣር እግዚኣብሔር ባዕሉ ኢዩ። ሓላዊኣ ከኣ ንሱ ባዕሉ’ዩ። ቅ.ዳዊት እግዚኣብሔር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፡ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ (127:1)ይብለና።

ቅ.መጽሓፍ እግዚኣብሔር ንወዱ ኢየሱስ ኣብዚ ምድሪ’ዚ ዘሰናደወሉ ዝመችአ ቦታ ስድራ ቤት’ዩ ምኻኑ የመልክተልና። ኣብኣ ን30 ዓመት ኣቐመጦ። ኢየሱስ’ውን ኣብ ምድራዊ ተልእኾኡ፣ ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ዓበይቲ ተኣምራታቱ፣ ቀዳማይ ተኣምራቱ ንስድራ ቤትን ኣብ ስድራቤትን ገበሮ። ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ ብኢየሱስ ዝተባረኸ ቀዳማይ ቅዋም እምበኣር ስድራ ቤት’ዩ (ዮሓ 2፣1-12)። ጆን ቦውሪን ዝበሃል፣ ሓደ ሰብ ኣብ ምድሪ ዜስተማቕራ መንግስተ ሰማይ ስድራ ቤት እያ በለ። ነዚኣ እምበኣር’ያ ሎሚ ቤተ ክርስትያን ንእሽቶ ቤተ ክርስትያን ኢላ ትጽውዓ ዘላ።

1.ንስድራቤት ዘቤታዊት ቤተ ክርስትያን ዘብላ ቀንዲ  መንፈሳውንውት ኣባላታ ኢዩ፣-እዚከኣ፦
- ኣዘውቲርካ ብሓባር ምጽላይ። ኣብ ስድራ ቤት ሓቢርካ መዝሙረ ዳዊት ምድጋም፤ ጸሎተ መቝጸርያ ምጽላይ፤ መንፈሳዊ ንባብ ምንባብ፤ ሕይወት ጻድቃን ምንባብ፤ ድሮ ዝተነበ ወይ ድሒሩ ዝንበብ ንባባት ቅዳሴ ምሕላፍ፤ ስድራቤታዊ መደባት መንፈሳውነት ሳልስቲ፤ ሳብዕቲ፤ ታስዕቲ ዝተፈላለየ በዓላት፣ ንስድራ ቤት ብዙሕ ካብ ዝሕግዙ ረቛሒታት እዮም።
- ምንጻግ ማይ ጸሎት ኣብ ሰውነትካን፣ ክፍሊ ገዛውትን ካንቸሎን ካልእ’ውን
- ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላትካን፣ ጁባኻን ቦርሳኻን፣ መናድቕ ገዛኻን ንዋየ ቅዱሳን ምስልታትን ምሓዝን ምስቃልን- ዝበርህ ሽምዓን ዕንበባን ምዝውታር- ስድራ ቤት ናብ ሓዲስ ገዛ እንክኣትዉ፣ ካህን ጸዊዖም ምብራኽ፣ ንስድራኦምን ገዝኦምን ናብ ትሕቲ ሓለዋ ዝመረጽዎ ጻድቕ ምሙዕቋብ።
- ሓቢርካ ምምጋብ። ዋና ማእከል ናይ ሓንቲ ዘቤታዊት ቤተ ክርስትያን ሓቢርካ ትምገቦ መኣዲ ኢዩ። ሓቢርካ ዝግበር መኣዲ፣ ንዅሉ ኣብ ስድራቤት ዝዝውተር መንፈሳውነትን ጸሎታትን ምቹእ ባይታ ዚፈጥር’ዩ። ኣባላት ስድራ ቤት፣ ዘዘውትርዎ መንፈሳውነት፣ ምስ ኣዝማን ሊጡርጊያን በዓላትን ዝለዋወጥን ዝሕደስን ምስ ዝገብርዎ ብዙሕ ሓጋዚ’ዩ። እዚታት ንዝተፈላለየ ዓይነት ጾም ክትለማመድ፤ ግብረ ጽድቂ ምግባር ክትተባባዕ፤ ይሕግዝ’ዩ።
- ሕጻናት ቅድምን ድሕርን ድቃስ ኣብ ጎድኒ ዓራቶም ተንበርኪኾም ክጽልዩ ምምሃር። እዚታት ኵሉ ንግሥነት ኢየሱስ ኣብታ ስድራ ቤት ዘመልክት’ዩ ንዝሕታለ መንፈስ ዘበራብርን ኢዩ።

2. ኣርከስቲ ዘቤታዊት ቤተ ክርስትያን
ሎሚ ኣብ ዘቤታዊት ቤተ ክርስትያና፣ እዚ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ነገራት ስለዝጎደለ፣ ብዙኃት ካቶሊካውያን ወለዲ፣ ብቅድስና ንስድራ ቤቶም ከይመርሑ ዝተፈላለየ ብድሆታት ይገጥሞም ኣሎ። ሓደ ሓደ ካብዚ ብድሆታት፣-
-    ኣብ ኣባላት ስድራ ቤት ብዝሒ ተርእዮ ዘይምጽውዋርን ዘይምቅብባልን፡ 
-    ብዝሒ ፍትሕ ሰብ ሓዳር፡
-    ዘይሓላፍነታዊ ባህሪ ኣባላት ስድራ ቤት፡ 
-    ተርእዮ ዘይሰብኣውን ዘይክርስትያናውን ስነ ምግባራት (ሓሶት፤ ጉቦ፤ ስርቂ፤ ስኽራን፤ ስስዔ፤  ዝሙት፤ መስተ፤ ትህኪት፤ ወዘተ)፡
-    ብዝሒ ምሕሳም ህያብ በረኸት ማሕጸንካ፡
-    ብዘይ ኪዳን ተጠራኒፍካ ምንባር፡
-    ምጥፋእ ርዝነትን ቅድስናን ወሲባውነት፡
-    ምጥልላም ሰብ ኪዳን ኣብ ኣርእስቲ ወሲባውነት
-    ንብዙኅ ነገራት ብተዛማድነት ምርድኡን ምትርጓሙን
-    ብዝኂ ምክትታል ዘይሃንጸካ መጋበሪ መራኸቢ ብዙኃን
-    መንፈስ ውልቃውነትን ዓለማውነትን
-    ብሓፈሻ ድንቁርና 10 ትእዛዛትን 6 ትእዛዛት ቤተ ክርስትያንን ኽጥቀስ ይከኣል።

3. ፈውሲ ኃጢኣት ዘቤታዊት ቤተ ክርስትያን
ኣቡናት ዓለም፣ ካብ 5-24 ጥቅምቲ 2015 ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝዝቲ ሲነዶስ የካይዱ ኣሎዉ። እዚ ሲኖዶስ’ዚ ኣብ ዘተ ምእንቲ ክሕግዞም ኣቐዲሞም፣ ኵሎም ምእመናን ርድኢቶምን ርእይትኦምን ከምዝህቡ ተገይሩ ኢዩ። ምእመናን ነዚ ኣሳታፊ ዕድል’ዚ ስለዝሃበቶም ብዙሕ ተሓጕሶምን ኣሞጕሲምን እዮም። እዚ ከኣ ኣብ ሞንጎ ቤተ ክርስትያንን ምእመናንን ጽቡቅ መንፈስ ሓድሕዳዊ ዘተ ፈጢሩ። እንተኾነ ብዙኃት ምእመናን፣ ቤተ ክርስትያን ገና ብዛዕባ ኵነታት ስድራቤታዊ ሕይወት መጽናዕታ ክትቅጽል ትጽቢት ከምዘሎዎም’ውን ይገልጹ ኣሎዉ። 

ር.ሊ. ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኣብ መዕጸዊ ዝሓለፈ ሲኖዶስ፣ ተጋባእቲ ኣብ’ቲ ዝቐረበ እማሜታት ዓሚቕ ሓሳብ ኪገብሩን፣ ንህሉው ጸገማትን ብድሆታትን ስድራ ቤት፣ መፍትሒ ዝበልዎ ሓሳብ ከቕርቡን ኣተሓሳሰቡ። ከም ውጽኢት ናቱ ከኣ፣ ካብ 99 ጉጅለ ማሕበራት  ቤተ ክርስትያንን፣ ካብ 359 ዝኾኑ ውሉደ ክህነትን ስድራ ቤት ምእመናን፣ ብውልቅን ብጉጅለን፣ ናብ ቅድስቲ መንበር ተላእከ። ኣርእስቲ ዚካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ኣቡናት ብዛዕባ “ጸዋዕታን ተልእኾን ስድራ ቤት ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ህሉው ዓለምና” (The Vocation and the mission of the family in the Chruch and the contemporary world) ዚብል’ዩ። ተጋባእቲ ነዚ ኣርእስቲ’ዚ፣ ብመጀመርያ ነቲ ዝቐርብ ሎሚ ንስድራ ቤት ዝገጥሞም ዘሎ ብድሆታት ጽን ኢሎም ኪሰምዑ፡ ካልኣይ ቀንዲ ጸዋዕታ ስድራ ቤት ከነጽሩ፡ ሳልሳይ ከኣ ብዛዕባ ካብ ስድራ ቤት ዝሕተት ዘሎ ወፍሪ ተልእኾ ክዝትዩ እዮም። 

ኣብዚ ሠለስተ ክፍሊ’ዚ መጠን ቍጽሪ ኣባላት ናይ ሎሚ ስድራ ቤት እንታይ ኰይኑ ይውሕድ ኣሎ? ናይ ሎሚ መንእሰያት እንታይ ኰይኖም ንሓዳር ይፈርሕዎ ኣሎዉ? ስለምንታይ ኢዩ ፍትሕ ዝበዝሕ ዘሎ? ዚብሉ ሓሳባት’ውን ክዝተየሎም መደብ ኣሎ። ተወሳኺ’ውን ብዛዕባ እቶም ተፋቲሖምስ ካብ ጸጋ ምሥጢራት ርሒቖም ዚመላለሱ ክግበረሎም ዝግባእ መንፈሳዊ ክትትል’ውን ክዝተ እዩ።

ነቶም ብዘይ ኪዳን ተጸናቢሮም ስድራ ቤቶም ዝመርሑ ኣመንቲ ዝግበር ጉስነት ብርእሱን ኣገባብ ጉስነትን ብዕምቆት ክዝተየሉ ኢዩ። ምኽንያቱ ነቲ ንሶም ዝነብርዎ ፍቕሪ ሓድሓድ፤ ተኣማንነት፣ እቲ ናብኦም ዜቕንዕ ጕስነት ሓልዮት፤ ምሕረት ሓድሓድን፤ ናብ ሓድሓዶምን ደቆምን ዋጋ ዘይህብ ኰይኑ ይርከብ ኣሎ። እዚ ከኣ ንዓኦም ካብ ቤተክርስትያን ኣጸቢቕካ ዘርሕቕ ስምዒትን ስጉምትን ይፈጥረሎም ኣሎ። ምስ’ዚ ቀዲሙ ዝተባህለ ዜሳኒ ሓሳብ’ውን ብዛዕባ ነቶም ካብ ቀዳማይ ኪዳኖም ተፋቲሖም፣ ኣብ 2ይ 3ይ … ተጻሚዶም ሓዳሮም ብጽቡቕ ኣብ ምምራሕ ዝርከቡ ዝግበር ጉስነት ኢዩ። እዚ ነጥቢ’ዚ ካብ ብዙኃት  ምእመናን ትኵረት ዝገበረ’ዩ። 

ኣበው ሲኖዶስ ነዞም ሓንሳብ ወዲቖምስ ኣብ ዝወደቕዎ ዘይተረፉ ምእመናን ፍሉይ ጕስነት ፍቕሪ፤ ሓልዮት ኪግበረሎም ይግባእ። ነዚኣቶም ካብ መኣዲ ኣምላኽ ምግላሎም ንወሰን ምሕረት ኣምላኽ ዘይገልጽ ኣገባብ ጕስነት’ዩ። እዚ ንብዙኃት “ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ኃጢኣት ዝምሕር እንድዩ፣ ስለምንታይ ቤተ ክርትያን? ተጣዒስካ ሓዲስ ሕይወት ምጅማር ዕድመ ጻዋዒት ብዙኃት ነቢያት’ዶ ኣይኮነን የብል ኣሎ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ከም ኵሎም  ቅድሚኦም ዝነበሩ “ስድራ ቤት ምንጪ ዔላ ማይ “ኅውነት”’ዩ ዚብል ኣርእስቲ ዘሎዎ ሓሳብ ኣስተንትኖ ኣቕረቡልና። ኣብኡ ናብ ዓለም ሰላም ዚዘርእ ስድራ ቤት’ዩ በሉ። ሰላም ብቐዳምነት ኣብ ስድራና ንመሃራ ረቛሒት ኢያ። ነቲ “ንስኻትኩም’ሲ ኵልኻትኩም ኣኅዋት ኢኹም” (ማቴ 23፣8) ዚብል ኣርእስቲ ትምህርቲ ኢየሱስ ንመሃሮ ኣብ ስድራ ቤት’ዩ። ንኵነታት ዝተፈላለየ ድኽነት ኅብረተሰብ ዓለም ንቃለሶ ብ“ኅውነት”ዩ እውን በሉ (ረቡዕ 1 ጥሪ 2014፣ መበል 47 ዓለም ለኸ ዕለተ ሰላም)። ንሶም ኣብ መኽፈቲ’ቲ ሲኖዶስ “ስድራ ቤት በቲ ተራ ዝውቱር ዕለታዊ ሕይወት ኣቢልካ ወንጌል ዝስበኸሉ ስፍራ ኢዩ።  ስድራ ቤት ኣብዛ ጸልማት ዝበዝሓ ዓለም፣ ከም ሓደ ደሚቑ ዚበርህ ፋኑስ ኢያ። ከም’ቲ ሰብኣዊ ተሞክሮ ኢየሱስ፣ ኣብ ስድራ ቤት ዝተኾስኮሰ፣ ከምኡ ከኣ ሰብ ብዅሉ ዝዅሰኮሰሉ ስፍራ ስድራ ቤት’ዩ” በሉ። 

ቀዳሞት ኣስተምሃርቲ ናይ’ዚ ከኣ ኣቦን ኣደን እዮም። ኢየሱስ ንጴጥሮስ “ተፍቅረኒ ዲኻ? በሎ። እወንታዊ መልሲ ናቱ ምስ ሰምዔ ከኣ እምበኣር ኣባጊዔይ ሓሉ” (ዮሓ 21፣ 15-17) ክብል ንሠለስተ ጊዜ ኣረጋገጸሉ። ሓደ ካብ ኪዳናዊ ሓላፍነት ወለዲ እምበኣር፣ ንደቆም ብበትሪ ፍቕሪ ምጕሳይ ኢዩ። ከም’ቲ ናይ ኢየሱስ ተደፊኡ ኣእጋር ተመሃርቱ ዝሓጸበ፣ ብትሕትና ተደፊኦም ኣእጋር ደቆም ዝሓጽብሉ ቅዱስ ቦታ’ዩ። ኣብ’ዚ ብልሽውና፤ ጉቦ፤ ወገነይ ወገንካ፤ ዓለማውነት፤ ውልቃውነት፣ ንኅብረተሰብን፣ ከም ፍልሖ ንዕንጨይቲ፣ እናቖንቆኖ  ዝኸይድ ዘሎ ኅብረተሰብ፣ ንስድራ ቤትካ ካብዚታት ናጻ ክትገብር ከቢድ ምኻኑ ርግጽ’ዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኅብረተሰብ፣ ወለዲ ኒሕኩም ዘበራብረልኩም ሓሳባትን ትምኒትን ክህልወኩም ይግባእ። ንኣብነት፣
-    ከምቲ ናይ ኢያሱ “ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ኢና እነገልግል” (እያ 24:15) ምባል፡ 
-    ንወለዲ ኢየሱስ መሲልካ ደቅኻ ምዕባይ፡ 
-    ንደቅኻ ብ10 ትእዛዛት እግዚኣብሔር ቀይድካ ምዕባይ፡
-    ንደቅኻ ኣብዛ ብዙሕ ተስፋ ዘይብላ ዓለም ተስፋ እናሃብካ ምምልላስ፡
-    ኢየሱስ ብመንገዲ ድኽነት ስለ ዘድሓነና፣ ደቅና ወትሩ ንድኻታት እናፍቀሩ ከም ዝዓብዩ ምግባር፡
4.መደምደምታ
ïልሂቕ ር. ሊ. ጳጳሳት በነዲክቶስ  ከም’ዚ ክብሉ ተዛረቡ፣- ንሕና አመንቲ ሕልፊ እቶም ዘይአምኑ፡ ነቲ እግዚኣብሔር ዚህበና ጉዕዞ መዋዕል ብተስፋን ብሃንቀውታን ንጽበ ኢና። … ሕዝበ እግዚአብሔር ካብ ቀደም ጀሚሮም ንዓለም በቲ አብአ ዘሎ ጭንቅን መከራን ዘይኮነስ፣ በቲ አብአ ዘሎ ተስፋ ዚህብ እዮም ኪጥምትዋ ዝርከቡ። ልቢ ወድሰብ ንተስፋ ሃንቀው ካብ ምባል አይገደፈን። ካቶሊካውያን ብሓፈሻ፣ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ከኣ ብፍላይ፣ ብሳላ’ዚ ተስፋ’ዚ፣ ብዘይ ቃል ዓለምን ርእሰ ልዕልናን፣ በቲ ዝተፈላለየ መሓውራት ቤተ ክርስትያና ኣቢሉ ድርኺት ረኺቡ ዚንቀሳቐስ ተግባራቶም፣ ንኅብረተሰብ ዓለም  ተኣምር ዚገብሩ ዘሎዉ ክፍሊ ኅብረተሰብ ኢና። እቲ ምሥጢራዊ ሓይልን ጥበብን ናይ’ዚ ከኣ ባዕሉ እግዚኣብሔር ኢዩ። 

ብመሠረት ሓደ መጽናዕታዊ ዳህሳስ፣ ብዓለም ለኸ ደረጃ፣ ኣብ ካቶሊካዊ ቍምስናታት፣  እቶም ዳይናሚክ ካቶሊክ፣ ብትግኣትን ብቅንኣት ሃይማኖቶምን ንቍምስናኦም ዝሓልዩ፤ ብሕሙማትን ድኻታትን ዝግደሱ፤ ን10 ትእዛዛት እግዚኣብሔር ጸኒዖም ዝሕልዉ፤ ጉድለቶምን ድኻምነቶምን ዝእመኑ፤ ሞባኦምን ዕሽሮምን ብትኣማንነት ዚምጽውቱ፤ ብሥሩዕ ንመንፈሳውን ግዙፋውን መደባት ቤተ ክርስትያኖም ዝከታተሉ 7% እዮም። ቤተ ክርስትያን ካቶሊኽና ብምስክርነት እዞም 7% ጥራይ ገይራ እያ ንዓለም ክትጸሉ ትርከብ ዘላ። ንሳቶም ነዚ ንክገብሩ ዝሕግዛኦም 4 ነገራት እየን እየን፣-
1ይ- ኣዘውቲርካ ምጽላይ (ልዕሊ ኵሉ ከኣ ቅዳሴ)። ትጉሃት ካቶልካውያን፣ ንጸሎት ካብ ዕለታዊ ሕይወቶም ከጕድሉ ኣይርከቡን እዮም። ንመዓልቶም ብጸሎት ይጅምሩን ይዓጽዉን። ክጽልዩን ከጸልዩን ጊዜ ኣይስእኑን እዮም። 2ይ-መጽናዕቲ። ትጉሃት ካቶሊኽ ክፈልጡ ጽምእን ጥሜትን ዘሎዎም እዮም። ትሕዝቶ ዘንብብዎም ጽሑፋት ዝያዳ፣ ቅ. መጽሓፍን፣ ንካቶሊካዊ እምነቶም ዝምልከትን እዮም። ዕላማኦም ከኣ ቤተ ክርስትያን እንታይን ንምንታይን ተስተምህር፣ ሓቂ ንምፍላጥን ኢዩ።
3ይ- ልግሲ። ትጉሃት ካቶሊካውያን፣ ጊዜኦም፤ ገንዘቦም፤ ፍቕሮም፤ ሓልዮቶም ዝልግሱ እዮም። ንድኻታትን ንሕይወት ቤተ ክርስትያን መካየዲ ዝውዕል ደረት ዘይብሉ ሓልዮት ይገብሩ።
4ይ- ስብከተ ወንጌል። ቀናኣትን ትጉሃትን ካቶሊካውያን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንኻልኦት ክነካፍል ዚብል ብርቱዕ ድላይ ዘሎዎም እዮም። ንርእሶምን ንኻልኦትን ኣብ ዝተፈላለየ ካቶሊካዊ መደባት ክሳተፉ ክዕድሙ ይብህጉ። ከምኡ ምግባር እቲ ዝበለጸ ክፍሊ ሕይወቶም ገቢሮም ይቖጽርዎ። 

ኣብ ዓለም ዘሎዉ ቍጽሪ ዘይብሎም ካቶሊካውያን ተቕዋማት፣ ከም ኣብያተ ሕክምና፤ ኣብያተ ታሕተዋይ ደረጃ ትምህርቲ፤ ኣብያተ ዩኒቨርስቲ፤ ተቕዋማት ምዕባሌ ደቂሰብ፤ ማሕበራት ረድኤት …በቶም 7%  ብሓይሊ ናይቶም ትጉሃት ዝበልናዮም ካቶሊካውያን ዝንቀሳቐስ ኢዩ። ንኅብረተሰብ ዓለም ካብዚ ዝዓቢ ተኣምራት እንታይ ኣሎ?! ነዚኣቶም እቶም ዝተረፉ 93% ካቶሊካውያን እንተ ዝሕወስዎምስ፣ ዓለምና እንታይ ኮን ምኾነት?ናይ ሎሚ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ብሓፈሻ፣ ኣቦን ኣደን ከኣ ብፍላይ “ኣነኸ ካበየኒኦም እየ”? ኢሎም ክሓቱን መልሲ ክረኽብሉን ይግባእ። እግዚኣብሔር ንስድራ ቤትና ይባርኽን ይሓሉን እንክብሉ አስተምህሮኦም ዛዘሙ፥








All the contents on this site are copyrighted ©.