2015-10-22 15:35:00

ዋዕላ ሲኖዶስ ኣብ ምስንዳው ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም.


ዕለት 21 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ብጹዓን ኣበው ሲኖዶስ ብ13 ነኣሽቱ ጉጅለታት ተመዳድቢቡ ኣብ ሳልሳይ ናይ ሲኖዶስ ናይ መዛተዪ ሰነድ ዓንቀጽ ሰለስተ “ተልእኾ ስድራ ቤት ሎሚ” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ኣሞርኵይዙ ዝዘተየ ምንባሩ እንክንገር፣ እቲ ዋዕላ ድማ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ዕለት 24 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ናብ ምሉእ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝቐረብን ድምጺ ዝወሃበሉን ሰነድ ኣብ ምስንዳው ከምዘድህበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ሲኖዶስ ገና ኣብ ጉዕዞ እዩ

እቲ ናይ ዕለት 21 ጥቅምቲ 215 ዓ.ም. ናይቶም ናይ 13 ነኣሽቱ ጉጅለታት ኣበው ሲኖዶስ ዘካየድዎ ዋዕላ ሕጂ እውን ገና ብዙሕ ክጓዓዝ ከይግብኦ ብዝብል ናይ ሓባር ጽማሬ ሓሳብ ክጠቓለል ከምዝኽእል ፒሮ ሓቢረን፣ እቲ ዝተኻየደ ዘተ ብሓደ መዳይ ናይ ዝተፋትሑን ዳግም ዝተመርዓዉን ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዳግማይ ሱታፌ ክህልዎም ዝብልን ከምኡ ድማ ብዛዕባ እቶም ስሕበት ሓደኣዊ ጾትዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ኣብ ዝምልከቱ  ኣርእስታት ዝተኻየደ ምንባሩን ድማ ኣመልኪተን።

ዝተፋትሑን ዳግም ዝተመርዓዉ፣ ስንዮታኦምን ዝተፈላለየ ነፍሲ ወከፋዊ ኣቀራርባን

እቲ ዝተኻየደ ዘተ ብሓፈሻኡ እቲ ዝቆሰለ ስድራ ቤት ብምሕረት ስነ ምምሃር መሰረት ምእንጋድን ስንዮታ ምቕራብን ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት እዚ ከይዲ’ዚ ግና ጉጅለኣዊ ምግምማዕ ዝፈጥር ኣቀራርባ ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ሥርወ እምነት ሓደጋ ዝፈጥር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከይህልው መታን ዓቢይ ጥንቃቔ ዘድልዮ እንገዳን ስንዮታን ክኸውን ይግብኦ ከምዝበለ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ፒሮ ኣስዒበን እቲ ዝተብሃለ ሓሳብ ብኸመይ መገዲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ይግብኦ ንዝብል ሕቶ ድማ ናይቶም ዝተፋትሑ ጉዳይ ብሓፈሻዊ መልክዕ ዘይከነስ ብፍሉይ መልክዕ ክርአን ነፍሰ ወከፋዊ ኣቀራርባ ክግበረሉን፣ ጉዳይ ነፍሲ ወከፍ ፍቱሕ ብግሊ ምርአይን ብኻልእይ ደረጃ ድማ ልልያ ዝብልን፣ ኣይፋል እቲ ሕቶ ሥርወ እምነት ዝምልከት እዩ ዝብሉን ስለዚህ እዚ ጉዳይ’ዚ ብሲኖዶስ ዘይኰነ በጉባኤ እዩ ማለት ብመልክዕ ጉባኤ ቫቲካን መልሲ ክወሃቦ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ እውን ቀሪቡ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ ትማሊ ዋዕላ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎን ቅዱሱ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ዝኣወጅዎ ይፈታሕ ዝብል ውሳኔ ዝወህቦ ምስጢረ ተኺሊል ዝምልከትን ብይን ንምሃብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርዲ ኣሰራርሓ ጥንቃቔ ዝተመልኦ ኰይኑ ብዙሕ ጊዜ ዝወስድ ጉቱት ኣሰራርሓ ከይከውን ዝብል ዘስፈሮ ሓሳብ ስርወ እምነት ዝምልከት ጉዳይ እዩ እናበልካ ግቡእ ፍርዲ ከይሃብካ ምስግጋር አየድልን ዝብል ምዃኑ እቲ ዋዕላ ከምዘቓልሖ ፒሮ ገሊጸን።

ዝቖሰለ ስድራ ቤት ዘተንስኦ ሓልዮት ዝብል ምዕዶ ቅዱስ ኣቦና

ኣቶም ዝተፋትሑ ኣብ ቅዱስ ቁርባን መንፈሳዊ ሱታፌ ክህልዎም እዚ ማለት ድማ ናይ ንስሓን ጣዕሳን ካልኦት ናይ ዕርቂ መገዲ ገሊኣቶም ኣበው ሲኖዶስ ድማ ናይ ፍቕሪ ውጥናዊ ከይዲ እንክብሉ ብዝገልጽዎ ሓሳብ ብዛዕባ ዝተፋፍትሑ ዝምልከት ሕቶ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ናይ ሃገራት ናይ ብፁዓን ኣበው ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ኣማኻሪ ስልጣን እምበር ናይ ውሳኒ ስልጣን የብሉን ስለዚህ እዚ ጉዳይ’ዚ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ በቲ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ዝኽፈት ናይ ምሕረት ዓመት ምኽንያት እውን ነታ ዝቖሰለት ስድራ ቤት ክትትንስእ ዝድግፍ ኣኽናፍ ዝልግስ ንጹር ሓሳብ ክህቡሉን ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዘጽንዕ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ጳጳሳዊ ድርገት ክቐውም ይግብኦ ዝብል ሓሳብ ብምቕራብ፣ ኰይኑ ግና እቲ ሲኖዶስ ብዛዕባ ፍቱሓት ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ንዝምልከት ሕቶ ብዝወሃቦ መልሲ ክፍረድ ኣይግብኦን ዝብል ሓሳብ ከምእተቓልሔ ፒሮ ኣመልኪተን።

ዝምባለ ስሕበት ናብ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝምለት ሕቶ፣ ናይ ሲኖዶስ ኣርእስቲ ድዩ ኣይኰነን?

ብዛዕባ እቶም ዝምባለ ስሕበት ናብ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ዝምልከት ነጥቢ ዝተፈላለየ ኣቀራርባ ዝተገብረሉ ኽኸውን እንከሎ። ነዞም ዜጋታት ኣዚኣቶም ብዘይ ኣድልዎ ምቕባልን ምእንጋድን ኰይኑ ግና እዚ ኣርእስቲ’ዚ ናይ ሲኖዶስ ዝክረ ነገር ኣይኰነን፣ ዝለዚ እቶም ናይ ብፁዓን ሲኖዶስ ኣበው ጉጅለታት ካብዚ ሲኖዶስ ዝተፈልየ ነዚ ጉዳይ’ዚ ጥራሕ ዝምለት ናይ ገዛእ ርእሱ ኣኼባ ይሃሉ ዝብል ሓሳብ እውን ከምዘቕረቡ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን፣ ነአሽቱ ጉጅለታት ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ እቶም ዝምባለ ስሕበት ናብ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ዜጋታት ዘኽታማት ከዕብዩ ዝፈቕድ ሓሳብ ዘይቅቡል እዩ ቢሎም፣ መርዓን ዝምባለ ስሕበት ናብ ሓደኣዊ ጾታዊ ስሚዒት ብዘለዎም ዝቐውም ብሓደ ናይ ምንባር ምርጫን ዘይመዓራረይ እዩ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ስድራ ቤት ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል በዓል ቤትን ጥንቁቕን ቀጻልን ሕንጸት ኣብ ምስጢረ ተኽሊልን

እቶም 13 ጉጅለታት ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ስድራ ቤት ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ግብረ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝዓርፈሉ ሸቶ ጥራሕ ዘይኰነስ በዓል ቤት እውን እዩ። እዚ ሓሳብ ተልእኾ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ስድራ ቤት፣ ቤተ ክርስቲያን ከተተባብዖን ኣድላይነቱ ድማ ክትድግፎ ኣብ ዝብል ሓሳብ ምሉእ ስምምዕ ዘለዎም ምዃኖም ፒሮ ሓቢረን። ምዝ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዕባ ምስጢረ ተኽሊል፣ ጥንቃቔ ዘለዎን ንዝምልከቶ ጉዳይ ብልክዕ ዘነጣጥር ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተማእከለን ናይ ርሑቕ ናይ ቀረባን (ናይ ዚመጽእን)፣ ቅልጡፍን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ደረጃ ብዘለዎ መገዲ ክቐርብ ኣለዎ ከምዝበሉ ፒሮ ገሊጸን።

ቤተ ክርስቲያን ንመሰረታዊ ትምርህትታታ ባህርይ ከይሃሰየት ቋንቋኣ ከተሕድስ

እቲ ብነእሽቱ ጉጅለታት ተወዳዲቡ ዝተኻየደ ዋዕላ ሲኖዶስ፣ ቤተ ክርስቲያን እትጥቀመሉ ቋንቋ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ዘትዩ፣ ካብቲ መሰረታዊ ትምህርታ ባህርይ ከይወጸት እትጥቀመሉ ቋንቋ ከተሕድስ ይግብኣ እንክብሉ ከምዘስመሩሉን፣ እዚ ድማ ኩሉ ፍጥረት ንእተቕርቦ ትምህርቲ ክርድኦ ዘኽእሎን ትምህርታ ድማ ንዅሉ ምዃኑ ዝምስክር እዩ። ንኣብነት ዝተፋትሑ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ሱታፌ ክልኩል ምዃኑ ዝገለጽ እትጥቀመሉ ቃል ቁጥበት ካብ ቅዱስ ቍርባን ብዝብል ሓሳብ ክግለጽ ኣለዎ እንክብሉ ከምዘመልከቱን ከምኡ እውን ጾታዊ ስምዒትን ሰብኣዊ ኣካልን ኣብ ውሽጢ ሰብ ሓዳር ጽባቔኡን ሓጐሱን ከተስተምህርን፣ ከምቲ ሰብኣዊ ሕይወት እተሰምየ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዓዋዲ መልእክቲ ከምዝብሎ፣ ወላድነትን ንጽሕናን ዘለዎ ጽባቔን ሓጎስን ከተመሓልልፍ ዘብቅዓ ሓድሽ ቋንቋ ክትጥቀምን፣ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ድማ ሓላፍነት ወላድን ሕንጸት ውላድን ዝብሉ ነጥብታት ብዕምቆት ክጽናዕ ኣለዎ ከምዝበሉ ፒሮ ገሊጸን።

ሕንፉጽ መርዓ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንናይ ሓባር ዘተ ዕድል እዩ

እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ዝፍጸም መርዓ እወታዊ ጎድኑ ምርኣይን ከምኡ ድማ ካብ ከምዚ ዓይነት ሓዳር ዝውለዱ ሕጻናት ኣብ ዝስዕብዎ ሃይማኖት ዝምልከት ምይይጥን ሕንጸትን ወሳኒ ምዃኑ ዝሓበሩ ብፁዓን ኣበው ምስ እዚ እተሓሒዞም እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ዝቐውም ሕንፉጽ ሓዳር ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ንዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዕድልም ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ምስ ስድራ ቤት ዝተተሓሓዙ ከም ሕማምን ሞትን ዝኣመሰሉ ኩነታት ሕይወት ቆላሕታ ክግበረሉን ብዘይ ቃል ኪዳን ዝነብሩ ሰብ ሓዳር ኣብ ምስጢረ ተኺሊል ሕንጸት ክረኽቡ ምድጋፍ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ዝተፋትሑ ወለድታት (ኣቦታት) ናይ ድኽነት ኣደዳ ንዝዀኑ ቆላሕታ ክግበር

ድሕሪ ፍትሕ ናይ ድኽነት ኣደዳ ዝዀኑ ወለድታት (ኣቦታት) ቆላሕታ ክግበረሎምን ነተን ብማሕበራዊ ቅድመ ፍርድታት እዚየን ዝጥቅዓ ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ዘርእየኦ ንቕድሚት ናይ ምባል ትብዓተብ ተደናቕነት ክረክብን ክድገፍን ነተን ብግብረ ሩካቤ ዘመድ ዝዕመጻን ናይቲ ሓድሽ ጊልያነት ኣደዳ ዝኾናን ድምጺ ዘይብለን ኣብ ስቓይ ዝነብራ ድምጺ ምኻንን በዚ ተግባር’ዚ ንሓደጋ ዝቃልዑ ኣባይቲ ስድራን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ዶባት ዝርከቡ ቆላሕታ ክግበረሎም ብፁዓን ኣበው ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ነኣሽቱ ጉጅለታት ዋዕላ ሰነድ ከምዘስመሩሉ ፒሮ ኣመልኪተን።

ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ ዓቢይ ስሩዓውነት የድልዮ

ኣብ መወዳእታ እቶም ብነኣሽቱ ጉጅለታት ተመዳዲቦም ዋዕላ ዘካይዱ ብፁዓን ኣበው እቲ ኣብ ናይ ሲኖዶስ መዛተይ ሰነድ ሰፊሩ ዘሎ ምዕራፍ ሰለስተ ሱርዕ ኣካይዳ ዘይብሉ ምዃኑ ሓቢሮም ናይቲ  ሓፈሻዊ ፍሉዩ መበል 14 ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንኽቐርብ ናብ ቅዱስነቶም ቅድሚ ምቕራቡ ዳግም ተራእዩን ስሩዕ ኰይኑ ክድረስ ድማ ከምዘተሓሳሰቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ገሊጸን።    








All the contents on this site are copyrighted ©.