2015-10-22 18:31:00

ነፍሲወከፍ ሥድራቤት ንዝአተዎ ቃል ብምኽባር ይነብር፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማል ሮቡዕ አብ ዝሃብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ እንክኸውን ንዓሚቝ ትርጉም ቃል ኪዳን “ናይ ሓንቲ ሥድራቤት መንነት አብቲ መርዓውቲ አብ ጊዜ ቃል ኪዳን ዝአትውዎ ናይ ፍቅርን ምትእምማንን ቃል እዩ፤ ኮይኑ ግን ሎሚ ሎሚ ነዚ ዓቢ ነገር ዝወሃብ ክብሪ ጐዲሉ ስለዘሎ እንደገና ክንምልከቶን ወላ ብደረጃ ማኅበረሰብ ዳግመ ስርርዕ ክንገብረሉ የድሊ” እንክብሉ ከም መቀጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ሶሙን ወለዲ ንውሉድ ዝአትውዎ ቃል ብዝብል አርእስቲ አስተምሂሮም፣

ሎሚ ዳርጋ ከም ጽውጽዋይ ኮይኑ ዘሎ ቃልካ ናይ ዘይምዕባር ባህሊ አብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ሓደ ግዜ ኪዳን ምእታው ንምሉእ መዋዕል ኮይኑ አብ ሓዳር ከም ቅዱስ ኪዳን አብ ማኅበረሰብ ዓለም ከአ ከም ኃላፍነት ይንበር ከምዝነበረ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ጣዕምን ጽባቄን ናይ ተፋቂርካ ብሓባር ምንባርን ነቲ ፈተና ናይ ግልኻ ረብሓን ጥቅምን ምድላይ ዝተኸፍለ ይከፍል ብዝብል መንፈስ ንዝኾነ መስዋዕትነት ድልው ኰንካ ምንባር አብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ መሠረታዊ ዕላማ ምዃኑ አብሪሆም፣ ነዙ ቅዱስ ኪዳን እዚ ግን በብቁሩብ እናላሕለሐ ብምምጻኡ አብ ብዙሕ አጋጣሚታት ክሳብ ናይ ምትኳስ ደረጃ በጺሑስ ንገሊኤን ሥድራቤታውን ሃሚዅወን እዩ፣ ድሕሪ ቢሎም ሕይወት ቃል አብ ምሃብ አብ ቃል ኪዳን እሞኸአ አብ ቃልካ ምጽናዕ ከምዝምሥረት እዚ ከአ ንቃል ኪዳን ከም መንነት ሥድራቤት ኮይኑ ንመጻምድትኻ ንደቅኻ ንዝሸምገሉ ወለድኻ ምናዳኸአ ነቶም ጸገም ዘለዎም አባላት ሥድራቤት ርእሰ ምትሓትስ ይኹን ካልእ ጭንቀት ከየጥቅዖም ንምክልኻልን ጕድለት እንተተርኽበ ጕድለትካ አብ ምእማንን ይረጋገጽ ቢሎም፣

አብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ምእንቲ እቲ አብዚ ሳምንታት እዚ ዚካየድ ዘሎ ሲኖዶስ አበው ክጽለ ሓደራ ብማለት ትምህርቶም ዛዚሞም፣

አበው ሲኖዶስ ካብ ቅድሚ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ አብ ዕረፍቲ እዮም ዘለው ሎሚ ምሸት ጀሚሮም ጽማቍ ናይቲ በብናአሽቱ ጕጅለታት ዝገበርዎ ለበዋታት ብሓባር ክመያየጡሉ እዮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.