2015-10-20 16:40:00

ንግደት ሥድራቤታት ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ - ናብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ (P.1)


ብምኽንያት እዚ ቤተክርስቲያን ንጉስነት ስድራቤታት ፍሉይ ትኩረት ሂባ፡ ብዓለምለኸ ደረጃ ብሲኖዶስ ጳጳሳት እትዋስኣሉ ዘላ እዋን፡ ኣተግባሪ ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ፡ መንፈሳውነት ስድራቤታት ንምብርባር፡ ፍልጠት ኪዳናዊ  ሕይወት ንምዕባይን ምእንቲ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንምጽላይን ዝሰርዖ መደብ ንግደት፡ ካብ ኩለን ቁምስናታት ርእሰ ሰበኻ ኣሥመራ ዝመጹ ሥድራቤታት ብቆሞሳቶም ተመሪሖም፡ ብ17 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ ብዓቢይ መንፈሳውነት ዝተፈላለየ መደባት እዋናዊ ኣስተምህሮታትን ጸሎትን ዝሓዘ ሓናጺ ንግደት ፈጺሞም።

እቶም ብ12 ኣውቶቡሳት ካብ መንበረ ሊቀካህናት ኣሥመራ፡ መንበረ ሊቀካህናት መንደፈራ፡ መንበረ ሊቀካህናት ባጽዕ፡ ዝመጹ ነጋድያን ከካብ ዝተበገስሉ፡ ቁምስና ጀሚሮም ኣብተን ኣውቶቡሳት ብጸሎት መቁጸርያን ምህለላን መዛሙርን ኣብ መእተዊ ከተማ ሰገነይቲ (ፒያሳ) ዝርከብ ቀላምጦሳት በጺሖም። ኩለን ኣውቶቡሳት ክሳብ ዝተኣኻኸባ ተጸባብዮም ከኣ ብኣኽበርቲ ጸጥታ ተሰንዮም፡ መስቀል ኣምሪሖም ብመስርዕ ብጸሎትን ምህለላን፡ ናይተን ኩሉ ዘምሕረለን ኣደታት “ሚኪኤለ፡ ሓውኻ ገብሪኤለ፡ ርዳእ - ርዳእ ሕዝብኻ ከይጉዳእ”፡ “ኣርሕውዮ እቲ ወለንሳኺ፡ ይመጽእ ኣሎ፡ ርሑስ ጋሻኺ፡” “ ኣደየ ከመዓልኪ  እመስገኖ፡ ሃብኒ ወርቂ ኢድኪ ክሳለሞ” ዝብልን ካልእ ምህለላዊ መዛሙርን ጸሎትን፡ ብእግሪ ጉዕዞ ናብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ኣምርሑ። ቆሞስን ምእመንን ሰገነይቲ ከኣ መስቀሎም ኣምሪሖም ብወገኖም’ውን እናተማህለሉ፡ኣብ መንገዲ ተቐባበልዎም፡ ደወል እናተደወለ ነጋድያን ኣብ ቤተክርስቲያን ምስ በጽሑ ብመልክዕ ዑደት ንቤተክርስቲያን ኣተዉ።

ኣብ ቤተክርስቲያን  ከኣ  ቆሞስ ርእሰ ኣድባራት ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ ኣባ በርሀ ሩፋኤል ብኽብሪ ተቐቢሎም፡ በዚ ንግደት ብዙሕ ከም ዝተሓንጹ ንቁምስናኦምን’ውን በረኸት ምኻኑ ብምምልካት፡ “እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዚመጽእ ብሩኽ ኢዩ፡” “እነሆ ኣኅዋት ሓቢሮም ክነብሩስ ክንደይ ሠናይን ጥዑም ኢዩ” ዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ጠቒሶም፡ ካብ ኣሥመራ ጸጋ ከተካፉሉና ዝመጻእኩም ነመስግን፡  እንቓዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል ቡሩኽ ንግደት ተመንዮም። ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ምእመናን መምህር ቴድሮስ ተወልደ ብወገኑ ብስም ምእመናን እዚ ቁምስና፡ ካብ መላእ ሰበኻኩም ተኣኪብኹም ምምጻእኩም ምሳና  ዘለኹም ሕብረትን ሕውነትን ምግላጽ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ፍረ ንግደትኩም ዝርከብ ስርየት ኃጢያት ተኻፈልቲ ብምኻንና እንቓዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል ኣመስጊኑ።እቲ ቤተክርስቲያን ነቲ ዕለት ብዘንጸባርቕ ስድራ  ቤት ተስፋ ሕይወት ኢያ ዝብል ብፍሩይ ፊደላት ዝተጽሕፈ ጥቕሲ ምሽላሞምን ምሉእ መዓልቲ ከስተናግዱ ካብ ነጋድያን ከይተፈልዩ ምውዓሎምን’ውን ቆሞስን ቤት ምኽርን እዚ ቁምስና፡ ነቲ መደብ ክሳዕ ክንደይ ከምዝተሰናደውሉ ካልእ መርኣያ ኢዩ።

ሲዒቡ ብህየንተ ሊቀጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ፡ ክቡር ኣባ ከሰተ ገብረዮሓንስ ናይ ንግደት ዕላማን ትርጉም ተገሊጹ። ኣባ ከሰተ ኣብቲ ሓጺርን ንጹርን መግለጺኦም፡ ናይ ሎሚ ንግደትና፡ ነቲ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ፡ ነዚ ክልተ ዓመት ኣብ ስድራቤት ኣድሂቦም መጽናዕትን መምርሒታን ክግበር ዝሰርሑላ ዘለዉ፡ ሕጂ ከኣ ብፍላይ ኣብ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝርከብሉ ዘለዉ እዋን  ብዛዕባ  ክብርን ዕቤትን ቃል ኪዳን ክንፈልጥ፡ ምእንቲ እቲ ሲኖዶስ’ውን ክንጽሊ ኢዩ። እዚ ከኣ ክልተ መኽሰብ ኣለዎ። ብሓደ ወገን በዚ እንገብሮ ዘሎና ጸሎትን ንስሓን እምነትና ክበራበር፡ ስርየት ኃጥኣት ክረክብ ምስ ኣምላኽና
 ክንወሃሃድ ብካልእ መዳይ ከኣ በቲ ዝወሃበና ኣስተምህሮታት ብዛዕባ ቃል ኪዳንን ስድራቤትን ዘሎና ፍልጠትናን ርድኢትናን ከነዕቢ ኢዩ፡ኢሎም።                            

ብመሠረት ናይዚ ዕለት መርሓ ግብር ኣስተንትኖን መዛሙርን ከምኡ’ውን ኑዛዜ ኣብ 12 መናዘዚ  ቦታትት እተኻየደ፡ መስዋዕተ ቅዳሴ ብሾመንተ  ካህናት ዓረገ። ኣብ እዋን ስብከት ከኣ ክቡር ኣባ ክፍለኢየሱስ ገብረሥላሴ ማኅበር ኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ ”ስድራቤት ሓቀይና ቤተክርስቲያን ዘቤት” ብዝብል ኣርእስቲ ብመልክዕ ስብከት ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ፡ኣብነት ናይ ሓንቲ ኣብ ግዜ ስደት ክርስትያን ቻይና፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ተሓቢኣ እናመጸት ነቲ ብወተሃደራት ፋሕ ዝበለ ቅዱስ ቁርባን ኣኪባ፡ መዓልታዊ ንሐደ ሰዓት ሰጊዳ ቆሪባ ትኸይድ ዝነበረት ኣብ መበል 32 መዓልቲ እተን ቅዱስ ቁርባን እትውደኣለን
 መዓልቲ ከኣ ብሰማዕትነት በቶም ወተሃደራት ተቐቲላ ዝሞተት ቻይናዊት መንእሰይ ጠቒሶም፡ ሎሚ ጉዳይ ኩነታት ስድራቤት በቲ ዝወርዶ ዘሎ በብዓይነቱ ብደሆታት ኣውያት የስምዕ ኣሎ። ቤተክርስቲያን ከኣ ነዚ ኣውያት እዚ ሰሚዓ ብዓይኒ ወንጌል ዘዕግብ መልሲ ክትህብ ተጋቢኣ ኣላ ኢሎም። ቀጺሎም ከኣ ስድራቤት ቤተክርስቲያን  ዘቤት ክትከውን ጸሎት፡ ምስጢራት፡ ንባብ ቅዱስ መጽሓፍ፡ መንፈሳዊ ዕላል ምስ ደቕና፡ ብተስፋን ብትብዓት ዝጎዓዝ ኣብ ኩሉ መዳይ ሕይወት ጽቡቕ ኣብነት ወለዲ የድሊ ኢሎም።                    

ድሕሪ ቅዳሴ ሕዝቢ ብሓባር መኽፈልቲ ተዓዲሉ፡ ሒዝዎ ዝመጸ መግቢ ተሰስዩ፡ ናይ ሐደ ሰዓት ዕረፍቲ ኣብ ቀጽሪ ቅዱስ ሚካኤል  ምስ ገበረ፡ ኣብ ኣብ ኣዳራሽ ኣብ ዝቐጸለ መደብ ከኣ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ”ስድራቤት ሓቀይና ቤተክርስቲያን ዘቤት” ዝብል ኣስተምህሮ ቀጺሉ። ኣብዚ ከኣ  ኣባ ክፍለኢየሱስ ሓንቲ ስድራቤት ዘቤታዊት ቤተክርስቲያን ዘብልዋ ብቅዓታት፡ ኣርከስቲ ዘቤታዊት ቤተክርስቲያን፡ ፈውሲ ኃጥኣት ዘቤታዊት ቤተክርስቲያን ንዝብሉ ንኡሳን ኣርእስታት ብሰፊሑ ገሊጾም።መደብ ሕቶን መልስን’ውን ተኻይዱ።  
          
ኣብ መወዳእታ ከኣ ንብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ኣሰገነይቲ ወኪሎም ህየንተ ጳጳስ ክቡር ኣባ ተኽለብርሃን ጸጋይ ንነጋድያን ኣብ ዝሃብዎ ቃለማዕዳ፡ ብስሞምን ብስም ብፁዕ ጳጳስን እንቓዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል፡ ንግደት፡ ካብ ንግደት ቅድስቲ ስድራ ኢየሱስ ፡ማርያም፡ ዮሴፍ ናብ ኢዮርሳሌም እንመሃሮ፡ ኣብ ክርስትና ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎ፡ ምስ ኣምላኽ እንራኸበሉ፡ ፍሉይ ጸጋ እንሓፍሰሉ ብሉጽ ግዜ ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ኣብ ታሪኽ ክርስትናና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፡ ከምዚ ሕጂ ሓያሎ ምእመናና ብብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ተመሪሖም ንኢዮርሳሌም ከይዶሞ ዘለዉ ንግደት ናብ  ኢዮርሳሌም፡ ንግደት ናብ መቓብር ጴጥሮስ ወጳውሎስ ሮማ፡ ንግደት ናብ ማርያም ሉርድስ፡ መጀጉሪ፡ ማርያም ደዓሪት ከረን፡ ቅዱስ ያዕቆብ ሔቦ ዝተፈላለየ ንግደታት ይፍጸም ኣሎ። “ካብ ሓይሊ ኣምበሎት ሓይሊ ጸሎት” ከምዝበሃል ከኣ ሎሚ ዝያዳ ብመንፈስ ሓቢርና ጸሎት የድልየና ኢሎም፡ ንነጋድያን ንግደትኩም ንግደት ኢዮርሳሌም ይግበረልኩም፡ ከምቲ ብሰላም ዝመጻኹም ብደሓን ነናብ ቦታኩም ቅዱስ ሚካኤል ይምራሕኩም፡ ኪዳነ ምሕረት ተሰንኩም ብምባል ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ ብስም ሰበኻ ሰገነይቲ ዝቐረበ ሰንሰለታዊ ጸሎትን መንፈሳዊ ምትሕጋዝን ዝመልእኽቱ ህያብ ዓቢይ መቑጸርያን ትርጉሙን ብእናቴ ሕይወት ተስፋጊዮርጊስ ምክትል ዋና ጸሐፊ ቤትጽሕፈት ሰበኻ ቀሪቡ፡ ንርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ወኪሎም ከኣ ህየንተ ሊቀጳጳስ ኣባ ከሰተ ገ/ዮሓንስ ካብ ኣባ ተኽለብርሃን ጸጋይ ተቐቢሎም። በዚ ከኣ ጸሎት ምእንቲ ስድራቤት ብሓባር ቀሪቡ፡ ብዕልልታን  ብሕጉስ መንፈስ ምስጋናን እቲ መደብ ንግደት ተዛዚሙ፡ ምምላስ ነናብ ቦታኻ ኮነ።








All the contents on this site are copyrighted ©.