2015-10-17 15:47:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ወዲ ሰብ ካብ ስእነት መግቢ ናጻ ምውጻእ፣ ንናይ መኽሰብ ዕብለላ ኣይፋል


ዕለት 16 ጥቅምቲ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግባዊ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ሓልዮ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኾሰ ግራዚያኖ ዳ ሲልቫ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ እቲ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ኣብ ግብሪ ክውዕል ተባሂሉ ዝተሓንጸጸ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ኣብ ግብሪ ምውዓል ደኣ እምበር ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ስርዓት ኰይኑ ከይተርፍ ሓደራ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ገጠራት ብተደጋጋሚ ፍጻሜ ዝረአይ ድኽነት ንምጥፋእ ማሕበራውን ሕርሻውን ምክልኻል ብዝብል መርሕ ቃል ተዘኪሩ ብዝወዓለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምግባዊ፣ ቅዱስ ኣቦና ወዲ ሰብ ካብ ስእነት መግብን ጥምየትን ንምሕራር ጻዕርታት ንምሕያልን ከምኡ እውን እቲ ኢማዕርነት ዘስፍሕ ስርዓት ኤኮኖሚ ዝመርጽ ከይዲ ነቒፎም እቲ ሃብቲ ዓለም ብውሑዳት ክበሓትን እቶም ኣልቦ ሓለፋ ዝዀኑ ድማ ውዳቕ ከናድዩ ዝረኣየሉ ሕብረተሰብ ክህሉ ከመይ ገርካ እዩ ስሕሰብ? ዝብል ሕልናዊ ሕቶ ድማ ብምቕራብ፣ እቲ ናይታ እንነብረላ መሬት ፍረ  ብዘይተመዓራረየ ተመቓርሖ ክመሓደር ዘተባብዕ ሜላ ኤኮኖሚ ኣብ ዓለም ጥምየት ከይጠፍእን ክሰፍሕን ዝድርኽ ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ  እቲ ኣብ መንጐ ሃገራትን ዓለም ለኻውን ማሕበረሰብኣውነት ምትሕብባርን ከይህሉ ዝድርኽ መኽሰብ ኣብ ምዳልይ ዝሕወጽን ኣብ ግላዊ ጥቕሚ ኣተኩሮ ዝገብር ኢፍትሓዊ ኤኮኖሚ እዩ። ስእነት መግብን ጥምየትን ነቲ ማሕበራዊ ሓለዋ ኣልቦ ዝዀነ ንክልተ ሲሶ ሕዝቢ ዓለም ዘጥቅዕ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፦

እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መደብ ልምዓት ናይ ሕጊ እኽብካብ ኰይኑ ከይተርፍ

እቲ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ክውዕል ተባሂሉ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ናይ ሕግን ናይ ሃገራት ናይ ስምምዓት እኽብካብ ሰነድ ኰይኑ ከይተርፍ፣ እቲ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ብብሔራዊ ድዩ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ማሕበራዊ ሓለዋ ክህልዎ ንምርግጋጽ ዝመርሕ ካብቲ ዘለናሉ ፍሉዩን ብሉጽን ዓለም ንምርግጋጽ ዝድግፍ ክኸውን ሓደራ ቢሎም፣ እቲ ሰነድ ንዘመልክቶ ንሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሕይወትን ኣኽብሮት ንዝብል ሸቶ ዝጻረርን እቲ መፍትሒ ዘይረኸበ ዘሎ ጸገም መፍትሒ ዘይምርካቡ ምኽንያታዊ ካብ ዝገብሮ ነቲ ዘሎ ዘይማዕርነት ኩነት ዘስፍሕ ግድፈት ከይህሉ ደጊሞም ሓደራ ኢሎም።

ሰብኣዊ ፍጥረት ካብ ጥምየት ምሕራር ደኣ እምበር ጽቡቕ ድላይ ንበይኑ እዅል ኣይኰነን

ኣብ ቅድሚ እቲ ትርኢት ስቅያት ዘርኢ ሰብ ካብ ጥምየት ዝሕርርን ናይ መላእ ሕዝቢ ዓለም መሰረታዊ ኣድላይነት ዘርውይ ስሉጥን ብቑዕን ዝዀነ ሕርሻዊ ንጥፈት ንምንቕቓሕ ዘብቕዕ ኣገዳሲ መጋበርያ ክርከብ ተላብዮም፣ ብርግጽ እዚ ሸቶ’ዚ ህንጡይ ክመስል ዝከኣል እዩ ኰይኑ ግና ኣብ ቅድሚ እቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ማሕበራዊ ሕይወት ዝንጽል ናይ ምንጻግ ባህሊ ተዓዛቢ ኰይንካ ብሱቕታ ምርኣይ ካብ ዝብል ኣዚዩ ዝለዓለን ብሉጽን ዕላማ እዩ። ስለዚህ ድኽነት ንምውጋድ ጽቡቕ ሓሳባትን ጽቡቕ ድላይ ምህላውን ብሓፈሻኡ ምትሕብባር ክህሉ ዝብል መተሓሳሰቢ ምቕራብ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ማሕበራዊ ሰላም ዝጸንዕ እዩ። እቲ ብስእነት መግቢ ዝሳቐ ቁጽሪ ዘይኰነስ ፍጥረት ሰብ እዩ፣ ናይዚ ዜጋ ድላይ ምእንጋድ ማለት ድማ ብቓልን ተኻፊልካ ምንባር ብዝብል ብሉጽ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ምሕደራ ጥራሕ ዘይኰነስ ብግብሪ ክኽወን ኣለዎ። ነቶም ብድኽነት ዝተጠቕዑ ዘቐድም ነቲ ናይ እውነተይና ምዕባለ መፍትሒ ዝዀነ ማሕበራዊ ፍቕሪ ኣብ ዝብል ማሕበራዊ ሓልዮ ተግባር ቤተሰብ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ ድማ ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም።

ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ጸረ ኢፍትሓውነት ክተግሁ ዝተጸውዑ እያቶም

ቤተ ክርስቲያን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ ነዚ ዓይነት ጸገም ብግብረ ሞያዊ መዳይ ንምፍታሕ ተልእዀ የብላን፣ እዚ ድማ ሰብኣውያን ሕቶታት ሸለል ትብል እያ ማለት ኣይኰነን፣ ዕለት ብዕለት ንዘጋጥሙ ኢፍትሓውያን ተግባራት ብፍላይ ድማ ሰብኣዊ ክብሪ ንዘሕስሩ ተግባራት ንምግጣም ጽኑዕ ድላይ ኣለዋ፣ ምእንቲ’ዚ እቶም ሰብኣዊ ክብሪ ዘሕስሩ ተግባራት ንምውጋድ ማሕበረ ክርስቲያን ክውን ኣስተዋጽኦ ንኸበርክትን ንቑሕ ተሳትፎ ካብ ምንባር ከየንሳሕብ ተነቓቕሕን ነዚ ሰማዒ ብምዃኑ ድማ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ውዳቤ መሰረት ኣብ ገጠራት ዘበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዝምስክሮ እዩ። ግብረ ሰናይ ምንባር ዝተጸውዕና ኢና እንክብሉ እቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.