2015-10-16 12:21:00

ክብረ በዓል ቅ.ማርያም ዘሮዛርዮም ካቴድራል- ኣሥመራ


ንክብሪ እዚ በዓል ብቅንያቱ ብጸሎት ታስዕቲ ንዕቤት እግዚእትነ ማርያምን ኣገዳስነትን ጸሎት መቑጸርያን ብዝገልጽ ኣስተምህሮታትን መንፈሳዊ ምስንዳው ክግበረሉ ዝቐነየ፡ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይታ ብታሪኻውነታን ሕንጻዊ ኣገዳስነታን ግርማን ኣርማን ከተማ ኣሥመራ ዝኾነት፥ ደብረ ቅድስቲ ማርያም ዘሮዛርዮም ካቴድራለ ኣሥመራ ሰንበት 11 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም፡ ካበየ ቁምስናታቶም ዝነገዱ ነጋድያን ብዙሓት ውሉደ ክህነትን ደናግልን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ብናይ እቲ በዓል መስዋዕተ ቅዳሴን ካልእ መደባትን ተሰንዩ ብዓቢይ መንፈሳውነትን ዓጀብን ከቢሩ ዊዒሉ።

ብዕለቱ ሰንበት ንግሆ ድሕሪ ማኅሌት ዘሌሊት ክቡር ኣባ ሰሎሞን መሓረና፡ ካህን ሰበኻ ምስ ሰለስተ ለባስያን ዝመርሕዎ፡ ብዙሕ ሕዝቢ ከተማ ኣሥመራ ዝተሳተፎ፡ መስዋዕተ ቅዳሴ ብሥርዓተ ግዕዝ ዓሪጉ። ድሕሪ ንባብ ቅ.ወንጌል ክቡር ኣባ ሰሎሞን መሓረና ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ እነሆ ሎሚ፡ ናይ እግዚእትነ ማርያም ንሕና’ውን ኣብ መንግሥተ ሰማይ ከምኣ እንሕጎሰሉ መንፈሳዊ በዓል ነብዕል ኣሎና። ብሥርዓት ሊጡርግያ ሃገርና እዚ ጊዜ ዘመነ ጽጌ ተባሂሉ፡ ዕምባባ ዝረኣየሉ፡ ቆጽሊ ዓንቢቡ ፍረ ዝርከበሉ፡ ኣኽሊ ዝኣትወሉ ወቕቲ ምስታ ዕምባባ ጽገረዳ እትምሰል እግዚእትነ ማርያም ብምዝማድ ንእግዚእትነ  ማርያም ዝተወፈየ እዋን ኢዩ። በዚ ከኣ ኢዮም ሊቃውንቲ ሃገርና “ኦ ኣብ ማእከል ፈጣርን ፍጡርን ትእምርት፡ መንጎይና ኮይንኺ ዝተፈጠርኺ፡ እቶም ኣብ ገነት ዘለዉ ብኣኪ ይሕጎሱ፡ እቶም ኃጥኣን’ውን ብኣኺ ኢዮም ናብ ምሕረት ዝመጹ፡” እናበሉ ዝውድሱዋ። ጻድቃን ይኹኑ ኃጥኣን ብኣኣ ቡራኬ ኪረክቡ፡ናብኣ ናብታ እመ ምሕረት ይምዕቆቡ። ንሕና’ውን ነቲ እንፈትዎ ሰብ ግዙፍ ዕምባባ ከም እነወፍየሉ፡ ኣምላኽ ንእግዚእትነ ማርያም ናይ ፍቕሪ፡ ናይ ዕርቂ፡ ናይ ድኅነት ምልክት ስለዝገበራ፡ ከም ዕምባባ መቁጸርያ ሒዝና ናብኣ ኪንቐርብ እንከሎና፡ ኣምላኽ ጸጋ ይመልኣና። ብመቁጸርያ ሰላምታ ገብርኤል  መልኣኽ ክንደግም እንኮሎና፡ ምልኣት ጸጋ ከተውህበና ኢያ። ምእንቲዚ ንኣኣ ስለዝሀበና ንኣምላኽ እናኣመስገና፡ ከምቲ ንሱ ብኣኣ ናባና ዝመጸ፡ ንሕና’ውን ብኣኣ ናብኡ ክንቀርብ፡ በዚ መንፈስ እዚ ንለምና ኢሎም።

ብድሕሪ እዚ ብሥርዓተ ግዕዝ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ሓይሎ ምእመናን ዝተሳተፍዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብሥርዓት ላቲን ቀጺሉ። ኣብዚ’ውን ነቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኤርትራን ሱዳንን፡ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ሂዩበርት ማተዩስ ማርያ ቫን መገን  ናይ ዕለቱ ቃለ እግዚኣብሔር ብዛዕባ እግዚእትነ ማርያም ዘቅዱስ ሮዛርዮም እንከስምዑ፡ ካብ ናይ ገብርኤል መልኣኽ ሰላምታ “ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን” ዝብል፡ ከምኡ’ውን ናይ እግዚእትነ ማርያም ምላሽ “እነኹ ኣነ ባርያ ኣግዚኣብሔር ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ፡’’ዝበለቶ ጠቒሶም ምስ እግዚኣብሔር ዘይከኣል  ነገር የልቦን። ብፍላይ ኣብዚ እምነት ኣብ ኤውሮጳ ይኹን ካልእ ዓለም ዝጠፍኣሉ ዘሎ ግዜ ንስኻትኹም ብከምዚ ዝበለ እምነትን መንፈሳውነትን ከተክብርዋ ከለኹም ዘሐጉስ ኢዩ። ሕጂ’ውን ኣብ እምነትኹም ጽኑዓትን እሙናትን ኩኑ። ነዚ ዘለኩም ፍሉይ ፍቕሪ እግዚእትነ ማርያም ከኣ ቀጽልዎ ኢሎም ኣተባቢዖም። 

ሲዒቡ ከኣ ካብ ቤተክርስቲያን ካቴድራል ተበጊሱ፡ ብእንዳ ካንዘን ተጠውዩ፡ ተሌኮምኒኬሽን በጺሑ ዝምለስ፡ ብጸሎት ምህለላን መቁጸርያን ድሙቕ መዛሙር ያሬዳውያንን መንእስያትን ዝማዕረገ ቡራኬ ቅ.ቁርባን ሰፊሕ ዑደት እንኪካየድ፡ ብመጀመርያ ብመስቀል ዝተመርሑ ፍሉይ ኣልባሳት ዝለበሱ ሕጻናት ኣብ ኢዶም ስየ፡ ሰቲ፡ በብዓይነቱ ዕምባባታት ዓቲሮም ነቲ ቅዳሴ ኣማዕሪጎሞ ዘርፈዱ ሕጻናት ነቲ ዑደት’ውን ተምሳል መላእኽቲ ለቢሶም ዝያዳ ድምቀት ሃቡዎ። ብድሕሬኦም ናይ ቅድስቲ ማርያም ስእሊ ዝሓዛ ኣደታት፡ቀጺሉ ካብ ኩለን ቁምስናታት ኣሥመራ ዝመጹ መዘምራን እናዘመሩ በቦታኦም ምስ ሓዙ፡  ከምኡ’ውን ደናግል ምስ ተመሀርተን ከካብ ማሕበሩ፡ ኩሉ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ሰብኡት፡ ኣንስቲ፡ ዓበይቲ ናእሽቱ፡ መስርዑ ብምሓዝ ብመቁጸርያ፡ ብእግዚኦታን ብቡራኬ ቅዱስ ቁርባንን ምዕሩግ ዑደት ተፈጸመ።

ኣብዚ ድሙቕ በዓል ኣብ መወዳእታ ነጋድያን ኣብ ቅድሚ ቤተክርስቲያን ዘሎ ደረጃታትን ኣብ ፊቱ ዘሎ ጽላልን ኮፍ ምስ በሉ፡ ብኣባ ሃብተማርያም ዓድዑመር ማኅበር ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ  ነቲ በዓል ዝምልከት ሃናጺ ስብከት ተዋሂቡ። ኣባ ሃብተማርያም ኣብ መእተዊ ስብከቶም እዛ ዓይኒ ከተማ ኣሥመራ ዝኾነት፡ ደብሪ’ዚኣ ኩሉ ሰብ ‘ካቴድራል’ ቢሉ እዃ ዝጽውዓ እንተኾነ፡ ቀንዲ ስማስ ቅድስቲ ማርያም ዘሮዛርዮም ኢዩ። ’ሮዛርዮ’ ከኣ እቲ ፍቱውን ዝውቱርን ጸሎት መቁጸርያ ኢዩ። ታሪኹ ብ1571 ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ኤውሮጳ ኣብ ውግእ ኣብ ዝነበርሉ፡ ር.ሊ.ጳ ጎርጎርዮስ መበል 13 እግዚእትነ ማርያም ዑቕባን  ዋልታን ሕዝባ ኪትኸውን ጸሎት መቁጸርያ ኪግበር ኣዊጆም። እቶም በቲ ግዜ እቲ ናይ ኪዳን መንግሥታት ዝበሃሉ ዝነብሩ ብተኣምራታዊ መንገዲ ምስ ሰዓሩ፡ እቲ ዓወት ብሳላ መቁጸርያ ምዃኑ ስለዝተኣምነሉ ካብታ ዕለት እቲኣ ክሳዕ ሎሚ እታ ዕለት ዘሮዛርዮም ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ፡ ብምባል ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡ ገሊጾም። 

ኣተሓሒዞም ኣባቴ ሎሚ ንኣና ዘገድሰና ግና ታሪኽ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ እግዚእትነ ማርያም ነቶም ናብኣ ዝምቆቡ፡ ደቃ ኣብ ትሕቲ ኣክናፋ እትሓቁፍ ኣደ ምዃና ምእማን ኢዩ። ማርያም ረዳኢት ክርስትያን ተባሂላ’ውን ትጽዋዕ ኢያ። ኣብ እዋን ጸገምናን ጭንቅናን ንሳ ርግጸይና ኣደናን ዕርድናን ኢያ። ኣብዚ ሰላም ኣብ ኩሉ እናሃሰሰ ዝኸደሉ ዘሎ ግዜና፡ ኣዒይንትና ናብ ኣደ እቲ ንጉሠ ሰላም ክርስቶስ ነብሎ፡ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ መስተንክር ክንርኢ ኢና ኢሎም።

ኣባ ሃብተማርያም ቀጺሎም፡ እግዚእትነ ማርያም ንሓገዝና ወትሩ ዕጥቅትን ውፍይትን ምዃና ካብ ቅዱስ መጽሓፍ እቲ “እነኹ ከምቲ ዝበልካይ ይኹነለይ” ምስ በለት ጸልማት ተቐንጢጡ ብርሃንን ድኅነትን ሰላምን ዝመጻሉ ምሥጢረ ስጋዌ፡ ርሕራሔኣ ዝተገልጸሉ መርዓ ቃና ገሊላ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሕማማት ምስ ወዳ ምስታፋን ኣብ ጰራቅሊጦስ  ምስ ሓዋርያት ምንባራን ሕጂ’ውን ኣብ ጸሎትናን ንግደትናን ምሳና ምህላዋን ጠቒሶም፡ እቲ ከም ገለ ኮይኑ ዝበላሾ ዘሎ ውራይና ክዕረ፡ ክርስቶስ ዝበለና ክንሰምዕ፡ ንኣኣ’ውን ከተስምዓልና ናጽነትን ራህዋን እነስተማቕረሉ፡ ንኣና ነዞም ርስትን ጉልትን ማርያም ተባሂልና  እንጽዋዕ  ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ካልእ ክፍለ ዓለምን ዘሎ ኩነታት፡ ምእንቲ ጉዳይ ሃገርናን ስድራናንን ኣብ ዓዲ ጓና ዘለዉ ደቕናን ንማህለል ኢሎም። 

ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ኣብ ሮማ “ጉስነት ስድራቤትን ዘጓንፎ ዘሎ ብደሆታትን” ብዝብል ሓሳብ ዝኻየድ ዘሎ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዘኪሮም፡ ክብርታት ስድራቤት ናብ ንቡር ኪምለስ ምስ ቤተክርስቲያን ሓቢርና፡ ፈውሱ ነናዲ፡፡ ፍቱን መድኃኒቱ ከኣ ስድራና ከም  ቅድስቲ ስድራ ናዝሬት ቤት ጸሎትን ቅድስናን ክትኮነልና ምጽላይ’ዩ ብምባል ሃናጺ ስብከቶም ዛዘሙ። ሲዒቡ  ጸሎት ናብ እግዚእትነ ማርያም ንግሥተ ሰላምን እግዚኦታን ቡራኬን ቀሪቡ። ድሕሪ ቀትሪ’ውን ብቓንቓ እንግሊዝ ሥርዓተ ኣምልኮ ተገብረ፡ ብከምዚ ዝበለ ምዕሩግ ኣገባብ ከኣ ሥርዓተ በዓል ደብረ ቅድስቲ ማርያም ዘቅዱስ ሮዛርዮም ‘ካቴድራለ’  ኣሥመራ ተፈጸመ።
 








All the contents on this site are copyrighted ©.