2015-10-15 16:25:00

ሲኖዶስ፦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ሻምናይን ታሽዓይን ውዕሎ ብፁዓን አበው


ከምቲ ልሙድ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዕለታዊ ዛዕባ ከይዲ ዋዕላ ሲኖዶስ ኣሞርኵይዞም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንልኡኻት ናይ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝህብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምቕጻል ዕለት 14 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዋዕላ ሻምናይን ታሽዓይን ሲኖዶስ ኣማእኪሎም፦ (ኣባ ሎምባርዲ) ንልኡኻት ጋዜጠይናታት ሰላምታ ብምቕራብ ነቶም ኣብቲ ዝወሃብ ጋዜጣዊ መገልጺ ምስኦም ዝሓበሩ ናይ እንግልጣርን ወይለስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ወስትምንስትር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮልስን ናይ ቦጎታ ሊቀ ጳጳሳት ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሩበን ሳላዛር ጎመዝን ኣብ ቡርኪናፋሶ ናይ ኦጋዱጉ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፊሊፐ ኦውድራኦጎን ኣላልዮም ምስ ኣብቅዑ፦ እቲ ናይ 13 ብፁዓን ካርዲናላት ክታም ዝተነብሮ ናብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሓላሊፉ ዝበሃል ስቱር መልእኽቲ ከምቲ ዝተፈላለያ መራኸቡ ብዙሃን ብቃለ ኣጋኖ ዝተንተነኦ ዘለዋ ብሓቂ ዘየድሊ ምዃኑ እንክሕብሩ ብፁዕ ካርዲናል ኒኮልስ እውን ብወገኖም ብዙሕ ኣተክሮ ዘድልዮ ኣይኰነን እቲ ዝበሃል ስቱር መልእኽቲ ድማ ኣብ ከይዲ ሲኖዶስ ምንም ዓይነት ማሕታ የብሉን ኢልም። ኣባ ሎምባርዲ ድማ ቀጺሎም ዕለት 14 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ስለ እቲ ኣብ ውሽጢ ቫቲካንን ሮማን ዝተፈጸመ ዓንቃፊ ተግባር ብስም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ይቕረታ እሓትት እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብዛዕባ ሲኖዶስ ዘይምልከት ጉዳይ ምዃኑን ስለ ሮማ ዝሓተትዎ ይቕረታ ድማ ብመሰረት ቤተ ክርስቲያን እዩ፣ ስለዚህ ሕቶ ሮማ ንፖለቲካ ዝምልከቶ ጉዳይ እዩ ኢሎም። ብዙሓት ኣብቲ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝሳተፉ ንቕድስነቶም ዘቕርብዎ ሻቕሎት ኣሎ፣ ቤተ ክርስቲያን ድማ ናይ ሕዝቢ ስቓይን ሻቕሎትን ተኻፋሊት ብምዃና እዩ ቅዱስ ኣቦና ይቕረታ እሓትት ዘበሎም፣ ስለዚህ ብዙሕ ኣጋኖ ዘድልዩ ጉዳይ ኣይኰነን ኢሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ኒኮልስ ይብሉ፣ እቲ ሲኖዶስ ብነኣሽቱ ጉጅለታት ዘካይዶ ዘሎ ኣኼባታት ውሽጣዊ ጥምረት ዘለዎ እዩ፣ እቶም ናይ ዕዮ ጉጅለታት ውህደት ከምዘለዎም ድማ ገሊጾም ዝተፈላለዩ ካብቶም ነኣሽቱ ናይ ዕዮ ጉጅለታት ዝቐርቡ ሓሳባት ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተጠራኒፉ ከከም ትሕዝቶኡ ክሰፍር ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዚ ድማ እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ዕዮ ሰነድ ካልኣይ ምዕራፍ ዳግመ ቅርጺ ምትሓዝ ዘድልዮ ምዃኑ እዩ ዘመልክት።

ብፁዕ ካርዲናል ሩበን ሳልዛር ጎመዝ ብወገኖም እቲ ብነኣሽቱ ጉጅለታት ተኸፋፊሉ ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ዕዮ መካየዲ ሰነድ ኣመርኵይዙ ዝካየድ ዘተ ብሓደ ተጠርኒፉ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝቐርብ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቲ ሲኖዶስ ዘቕርቦ ሰነድ ናይ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ድዩ ኸውን ወይ ድማ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ሰነድ ኣደጊፎም ዝእረም እንተሎ ኣሪሞም ዝውሰኽ እንተሎ ወሲኾም ዝደርስዎ ሓድሽ ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ድዩ ክኸውን ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ እዩ እንክብሉ ኣብሪሆም።

ናይ ኣባይቲ ስድራን ዜጋታትን ሕቶታትን ዘለዎም ርእዮቶን እቲ ሲኖዶስ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ይመያየጠሉ ኣሎ፣ ስለዚህ ነቲ ናይ ኣባይቲ ስድራን ፍጥረት ሰብን ዕለታዊ ጸገምን ዝነብርዎ ኩነትን ኩሉ ግምት ዝህብን ብዛዕባኡ ዝዝትይ ሲኖዶስ እዩ። ነቲ ከይዲ ሲኖዶስ ዝመርሖ ዘሎ ድማ እቲ ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስርወ እምነት ዘሎ ትምህርቲ ኣብ ጉዳይ ምስጢረ ተኽሊልን ስድራ ቤትን ዘሎ ጽባቔ እዩ። ስርወ እምነት እዩ ቀዋሚ ምንጪ መልስታትን ሓደሽቲ ሓሳባትን ኢሎም እቲ ሲኖዶስ ካብ ስርወ እምነት ወጻኢ ከምዝዀነ ጌርካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ ኢሎም።

ናይ ኦጋዱጉ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፊሊፐ ኡዌድራኦጎ ብወገኖም ብፅዓን ናይ ሲኖዶስ ኣበው ብነኣሽቱ ናይ ዕዮ ጉጅለታት ተኸፋፍሊሎም ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ዘተ፣ ኣብ ገለ ገለ ጉጅለታት ብፁዓን ጳጳሳት ምዕራባውነት ሓሳብ ዝፀቕጠሉ ዘተ ተራእዩ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ዓለምን ሃገራትን ብዛዕባ ፍትሕ ዝምልከት ንኣብነት ነናቱ ተመክሮ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ናብቲ ዮሓንስ መበል 23 ርድኢት ወንጌል ክሕደስ ኣለዎ ናብ ዝበልዎ ሓሳብ ምትኳር ከምዘድሊ ይሕብር፣ እዚ ድማ ዕለት ብዕለት ብዝበለጸ ንምርዳኡ ዘተባብዕ እዩ። እቲ ሲኖዶስ ዕላማ እግዚኣብሔር ንፍጥረት ሰብን ንሰብኣይን ሰበይትን ምስጢረ ተኽሊልን ስድራ ቤትን እንታይ ምዃኑ ብዝበለጸ ንምርዳእ ዝሃቀነ እዩ ኢሎም።

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ናይ ሓደ ክብሪ ንምቕባል ናይ ካልእ ድማ ንምንጻግ ዘይኰነ ዝተኣከበ፣ ብሓባር ብመሰረተ ወንጌል ክርስቶስ ንምስትንታንን እቲ እዋናዊ ዓለም ንፍጥረት ድዩ ንስድራ ቤት ዘቕርቦ ብድሆታት ንምልላይን ንምርዳእን መልሲ ንምሃብን እዩ ኢሎም በዚ መልክዕ’ዚ ድማ ኣባ ሎምባርዲ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘዚሞም ንኹሎም ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣፋንዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.