2015-10-15 19:21:00

ር.ሊ.ጳ፦ አብ ሮማን ቫቲካንን ንዝተፈጸሙ ዕንቅፋታት ምሕረት እልምን፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ምስ ሲኖዶስ አመንግዮም አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ “መዓንቀፉ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ።” ዝብል ቃል ወንጌል ጠቂሶም አብዚ ግዝያት እዚ ብገለ ገለ ኃላፍነቶም ዝዘንግዑ ውሉደ ክህነት ንዝተገብረ ዕንቅፋት ብሽም ቤተ ክርስትያን ምሕረት ሓቲቶም፣

ቅዱስነቶም ካብዚ ቀጺሎም “ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ ኣለዉ፡ እብለኩም አሎኹ።” ንዝብል ቃል ወንጌል ብምጥቃስ ንሕጻናት ብዛዕባ እንህቦ ተስፋን እንገብሮ መብጽዓን ብዘይመጠን ክንጥንቀቅ አዘኻኺሮም፣ ውሉድ ህያብ አምላኽ እንክኾኑ ወለዲ ከአ አብዚ ምድሪዚ ክወልድዎም ከለው ድሮ ክሕብሕብዎምን ብዝግባእ ክዅስኵስዎምን ዝግባእ ፍቅሪ ክልግሱሎምን መብጽዓ ብምግባር እዩ ነዚ ኩሉ ከአ እግዚአብሔር ከምዝዕዘቦ ገሊጾም፣ ዝኾነ መብጽዓ ተአማንነት የድልዮ፣ ውሉድ ተስፋ ሕይወት ምዃኖም ኵልና ንብሎ እኳ እንተኾነ ብሓቂዶ ንመጻኢ ናይዞም ሕጻናት መንእሰያት ብዕቱብነት ንምልከቶ ዝብል ሕቶ አሎ፣ ነዚ ሕቶዚ ወትሩ ክንዝክሮ ነፍሲ ወከፍ ወላዲ ከአ አብዚ ዓለም እንከምጽኦ እንክወልዶ በዓል መብጽዓ ምዃነይ እፈልጥዶ ነዚ መብጽዓ እዚኸ ተአማኒ ድየ? ቢልካ ኅልንኻ ምምርማር ሓጋዚ እዩ ቢሎም፣ አተሓሒዞም ከአ ውሉድ ቅድሚ ዝአገረ ፍቅሪ እዮም ዝጽበዩ እዚ ፍቅሪ እዚ ሃንጐፋይ ቢልካ ምቅባሎም ምክንኻኖም ወትሩ አብ ጐኖም ኰንካ ትኩረትካ አብ ኦም ብምግባር ተአማንነትን ተስፋን ክተስንቆም የጠቃልል፣ ሰብአይን ሰበይትን ከስ ንነፍሲወከፍ ዝወልድዎ ቈልዓ ነዚ ፍቅሪዚ እዮም ዝመባጽዑሉ፣ እዚ ምስ ተጠልመ ቈልዑት ብዘይመጠን ይጉድኡ! ይቈስሉ! ይሳቀዩ! እቲ ወንጌል ንሓደ ካብዞም ናአሽቱ ዝዕንቅፍ ወይልኡ! እናበለ ዘዘኻኽረና ዕንቅፋት እዚ ከአ እዩ፤ እግዚአብሔር ንሕጻናት የፍቅሮም እዩ፣ ብምሉእ ልቦም ስለዝተአማመኑ ከአ ነዚ ምትእምማን እዚ ዘቍሰለ ወይልኡ! ገጽታን አጠማምታን ሕጻናት ከም ናይ ኢየሱስ እዩ! አቦታትን አደታትን ነዙይ ኢኹም ተዓዲልኩም እዚ ከአ ብጣዕሚ ደስ ዘብል እዩ፣ ስለዚ አብ ነፍሲ ወከፍ ዝተወልደ ቈልዓ በዚ መንፈስ እዚ ክንቅበሎን ክንሕጐስን የድሊ እንክብሉ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ከብርሃሎምን ክመርሖምን ም እንቲ ሲኖዶስ ክጽልዩ ሓደራ ቢሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.