2015-10-15 16:32:00

ማአክላዊት ኣፍሪቃ ኣብ ትጽቢት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብተን ውግእን ግጭትን ዝረኣየለን ሃገራት ኣፍሪቃ ሰላም ክረጋገጽ ደጋጊሞም ጻውዒት ብምቕራብ ምእንቲ ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ኣብተን ውግእን ግጭትን ዝረኣየለን ሃገራት ኩሉ ኣብ ጸሎት ክሓበር ከምዘተባብዑን ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ብማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ምጅማሮም ብዘይ ምኽንያት ከምዘይኰነ ምስ ዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝድግፍ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ተሓባባሪ ተወላዲ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ኣባ ሄርማን ታጉይ ፑነክሮዙ ከምዝሓበሩ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓገዝ ዘነቓቕሕ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ዝመሓላለፎ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ሕዝባዊ ምርጫ ክካይድ ምዃኑን እቲ ሕዝባዊ ምርጫ ብግቡእን ብዘይ ሁከት ክካይድ መታን ናይታ ሃገር ሓይሊ ጸጥታ ጸጥታን ድህነትን ንምርግጋጽ የጸግሞም ምህላዉ ኣባ ፑነክሮዙ ገሊጾም ስለዚህ እቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ ምርጫ ገና ብዓንተዉኡ ሰላም ከተኣታትው እዩ ዝብል ተስፋ ዝተነብሮ ከምዘይመስል እንክብሉ ከምዝገለጹ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣፍሊጡ።

ዓመጽን  ናይ ሃይማኖት ጽልእን ሕጂ እውን ገና መዕለቢ ከምዘይረኸበ ዝሓበሩ ኣባ ፑነክሮዙ እስዒቦም ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ሃገር ሰላም መታን ክረጋገጽ ከይተሓለለት ብዅሉ መዳይ ተዋፊራ ብፍላይ ድማ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ብምንቕቓሕ ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ስላም ክኽወን ኣብ ናይ ሰላም ባህሊ ትሓንጽ ከምዘላን ኣብዚ እተካይዶ መደብ ሕንጸት ድማ ብገሊኦም ናይ ሃይማኖት ምስልምና መንፈሳዊ መራሕቲ ንኣብነት ብኢማም ኦማር ኮቢነ ላያማ ከምእትድገፍ ድማ ሓቢሮም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ናይ ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ ዑደቶም ብማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ምብጋሶም ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን እዚ ውሳኔኦም’ዚ ድማ ብኹለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከምእተደነቐን ብሃቂ ተስፋን ድላይ ሰላምን ሕድ ሕዳዊ ምቅርራብ የተባብዕ እውን ኣሎ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ገሊጹ።   








All the contents on this site are copyrighted ©.