2015-10-14 12:07:00

ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒ አሥመራ


በብእዋኑ ዝነበሩ ቅዱሳን በቲ ኣብ ሕይወቶም ዝነበርዎ ቅዱስ ሕይወትን ዕዉት ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞሳ ዝረከቡ፡ ቤተክርስቲያን ከኣ ነቶም ኣብ ምድሪ ንጋደል ዘሎና ኣርኣያን ኣብነትን ኪኾኑና ዝሃበትና ናይ ክርስቲያናዊ ሕይወትና ኮዋኽብቲ ኢዮም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ካብዞም ብዙሓት ዓበይቲ ቅዱሳን ብቀረባ ናይ እንፈልጦም ቅዱሳን ክብረ በዓል ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ቅዱስ ፍራንቸስኮስን ኣብ ኣሥመራ ኣብዒልና። ብቀዳም 10 ጥቅምቲ 2015 ከኣ  ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒ፡ ኣብ ውሽጢ ገዳም ዳኒኤል ኮምቦኒ ኣብ ዝርከብ ቤት ጸሎት ካህናትን ደናግልን፡ ብናይ ጸሎት ታስዕትን ንቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦንን ሓዋርያዊ ስርሖምን ዝምልከት ኣስተምህሮታትን ኣስተንትኖን ብናይ ድሮ ብዙሓት ቤተክህነትን ተመሃሮ ዘርኣክህነትን ዘርኣምንኩስናታትን ሊቃውንቲ ያሬዳውያን መዘምራንን ዝተሳተፍዎ ድሙቕ ዋዜማን ተሰንዩ፡ ብዕለቱ ከኣ ሓዋርያዊ  ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኤርትራን ሱዳንን፡ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ሂዩበርት ማተዩስ ማርያ ቫን መገን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ብዓሰርተ ለባስያም ካህናት ዝተመርሐ  ብዙሓት ውሉደ ክህነትን ምእመናን ዝተሳተፍዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ከቢሩ ዊዒሉ። 

ኣብቲ ክብረ በዓል፡ ብዛዕባ ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒ ኣስተምህሮ ዝሃባ ኮምቦናዊት እናቴ ምሕረት ጸጋይ ነቲ “እግዚኣብሔር ኣምላኽ መንፈሱ መልኣኒ፡ንድኻታት ብሥራት ከበሥር ቀብኣኒ። ንስቡራት ልቢ ኽዝንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ፡... ንሕዙናት ከጸናንዕ ለኣኸኒ”። ዝብል ቃል ኢሳይያስ ነቢይ ብምጥቃስ ምስ ሕይወት ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒ ብምዝማድ ንታሪኾም ብሓጺር ተንቲነን፡፡ ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒ ነቲ ተልእኮ ድኅነት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምልባስ፡ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ባርነትን ሓደጋ ሕማምን ሞትን ብፍቓድ ሓለቓ ኣባ ኒኮላስ ማርሳ፡ ንኣፍሪቃ ብምምጻእ፡  “ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ክትድኅን ኢያ”፡ “ሽሕ ሕይወት እንተዝወሃበኒ፡ ኩለን  ምእንቲ ድኅነት ኣፍሪቃ ምወፈኩወን”፡ “ኣፍሪቃ ወይ ሞት”፡ “ኣፍሪቃን ሕዝባን ንልበይ ወኒኖሞ” እናበሉ ሕይወቶም፡ ልቦም፡ ዘለዎም ኩሉ ንኣፍሪቃ ዝወፈዩ፡ ከምቲ “ምእንቲ ኣባጊዑ ሕይወቱ ዝህብ ሕያዋይ ጓሳ’’ ምኻኖም ብሰፊሑ ገሊጸን።

እናቴ ምሕረት ቀጺለን ሎሚ ቅዱስ ዳኒኤል እንታይ ይብሉና? ቢለን ብምሕታት፡ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ “ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመሰልኩዎ ንኣይ ምሰሉ፡”፡“እቶም ኣቦታትኩም ብከመይ ከምዝነበሩን ከምዝሞቱን ዘኽሩ” ዝብለና፡ ኣብዚ ካብቲ ናቶም ዘይፍለ ሰብ ዝሓሰረሉን፡ ከም እንስሳ ዝሽየጠሉን ዝልወጠሉን፡ ገንዘብ ዝምለኸሉን እዋን፡ ናይ ግዜና ሓዋርያት ብምዃን ምሥጢራት እናተመገብና፡ ወንጌል ከነበሥርን ጸለይቲ ኪንኸውንን ኢዩ ኢለን። 

ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ ከኣ እቶም ካብ ዋዜማ ጀሚሮም ኣብዚ ክብረ በዓል ዝተሳተፉ፡ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኤርትራን ሱዳንን፡ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ሂዩበርት ማተዩስ ፋን መገን፡ እዚ መዓልቲ’ዚ ኣብዘን ኣነ ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይነ ዝሰርሕለን ዘለኹ ኤርትራን ሱዳንን ዓቢይ መዓልቲ ኢዩ። ልክዕ ከምዚ ኣብ ሱዳን’ውን ክብረ በዓል ዳኒኤል ኮምቦኒ ብዓቢይ ክብርን ብድምቀትን ይበዓል  ኣሎ። ኮምቦናውያን ኣብ ሱዳን ብግዜ ማህዳውያን ነገሥታት ሬሳኦም’ውን ጠፊኡ ኢዩ። እዚ ከኣ ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒ፡ ብትሑት ሰብኣውነት ንኣምላኽ ኣኽቢሩ ብሕቡእ ክነብር እምበር ናብኡ  ክስሕበና  ስለዘይደለየ ኢዩ። ንሱ ወትሩ ግዜ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ኣብ ጉዕዞ ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ሕጂ’ውን ዳኒኤል!፡ ዳኒኤል! ክንብል እንከሎና ይስሕቐና ይህሉ፥ ኩሉ ናተይ፡ ወይ ንኣይ ወይ ብዛዕባይ ኣይነበረን፡ ኩሉ ንስፍሓት መንግሥቲ ኣምላኽ ኢዩ ይብለና፡፡ ዳኒኤል ኮምቦኒ ኣብቲ ክብሪ ሰብ ዘይነበረሉ ግዜ፡ ንኽብሪ ኣፍሪቃውያን ምሕሳቡን ምስርሑን ኣቐዲሙ ቅድሚ ሰብ ዝሓስብ ዘመናዊ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ’ውን ከምቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ንኮምቦናውያን ምስ ረኸብዎም፡ ‘ኮምቦኒ ናብቶም ጫፍ ዘለዉ ኢዩ ዝጎዓዝ ዝነበረ ንስኻትኩም ከኣ ከምኡ ትቕጽሉ ምህላውኩም ኣድንቀኩም” ዝበሉዎም፡  ንባዕሎም’ውን ከምኡ ድኻታት፡ ውጹዓት፡ ጭኑቃት ዘለውዎ ጫፍ ዓለም ዝጎዓዙ ዘለዉ፡ ኩልና ነዚ ተልእኾ እዚ ኢና ተጸዊዕና ዘሎና እሞ  ብኣማልድነት ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒ ንኩሉኹም እግዚኣብሔር ይባርኹምን ይሓልኹምን ቢሎም ቃል ቡራኬኦም ሂቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.