2015-10-13 15:52:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ወርሒ ሕዳር 2015 ዓ.ም. መርሓ ግብሪ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ቅድሚ ቐትሪ ሰዓት 11 ፈረቓን ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ስለ ዝዓረፈ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳት ጳጳሳትን ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም። ዕለት 9 ሕዳር ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ባዚሊካ ምስ ዝበዓለሉ ዕለት ብምትሕሓዝ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተ ማዕርገ ጵጵስና ክሰርዑ እዮም። ካብ ዕለት 25 ክሳብ ዕለት 30 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ድማ ቅዱስ ኣቦና ኬንያን ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቓን ዘጠቓልል፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ክፍጽሙ እዮም።

ዕለት ሓደ ሕዳር ብላቲስ ስርዓት ብዝኽበር መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳት ምኽንያት ሮማ ኣብ ዝርከብ ቨራኖ ናይ መቓብር ስፍራ ሰዓት ኣርባዕተ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም፣ ሰዓት 6 ድማ ኣብ ቅድስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት መቓብር ሥፍራ ብምኻድ ስለ እቶም ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ፍትሓት ጸሎት ከዕርጉ እዮም፣ ዕለት 10 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፕራቶን ፊረንዘን ሓውጾተ ኖልዎ ክፍጽሙ ከምዝዀኑን ዕለት 15 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ኣትርከብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ሉተራን ድሕሪ ቐትሪ ሓዋርያዊ ዑደት ክፍጽሙ ከምዝዀኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.