2015-10-13 19:04:00

ተልእኮ ሥድራቤት ሎሚ


አበው ሲኖዶስ አብ ርእስቲ በብናሽቱ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም ዝዋስኡሉ ዘለው ቀዳማይን ካል አይን ክፍሊ ናብቲ ሳልሳይ ክፍሊ ንምሕላፍ አብ ዝገበርዎ ምልአተ ጉባኤ ብዛዕባ’ዙ ክፍልዚ ሓፈሻዊ መረዳእታ ምእንቲ ክህሉ አብ ዝዘተዩሉ ከም መርሓ ግብር ናይ ሲንዶስ ሳልሳይ ክፍሊ ናይ መዛተዩ ሰነድ “ተልእኮ ሥድራቤት ሎሚ” ዝብል አርእስቲ ዝሓዘ እዩ፣ እቲ አዎንታዊ ጐድኒ ከም ውሁብ ተወሲዱ ካብቲ ዝቀረበ ጸገማት ሓደ ቃልኪዳን በቲኖም እንደገና ንዝተመር ዓው ከመይ ዝበለ ሓዋርያዊ ጕስነት ክግበር ይከአል አብ ዝብል ሕቶ ኮይኑ በቲ ሓደ ወገን ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ክትሕሉ እንክትግደድ ማለት ቅዱስ ቍርባን ንኽትቅበል ብዝተኻእለካ መጠን ተቀሪብካን ተነሢሕካን ካብ ሓጢአትን ምኽንያት ሓጢአትን ክትርሕቅ ጽኑዕ ቍርጺ ፍቃድ ጌርካ አብ ጸጋ እግዚአብሔር ተደጊፍካ እንክፍቀድ በቲ ሓደ ወገን ከአ እዞም ዝቈሰሉ አባላት ማኅበረክርስትያን ከአ ቤተ ክርስትያን ከም አደ ክጓስዮምን ክትከናኸኖምን አለዋ ቀንዲ ሓገዝ ዘድልዮም እቲኦም ጽጉማት ስለዝኾኑ ከአ ፍሉይ ቈላሕታ ጌራ ፍታሕ ክተናዲ አለዋ ዝብል ሓሳባት ነቢሮም፣ ንቃል ኪዳን ኢባቍዕ ንምባል ዝግበር መሥርሕ አብዚ ዚሓለፈ ወርሒ ዝተአወጀ ንመንፈሳዊ ቤት ፍርድታት ሰበኻታት ዝርኢ ጽቡቅ እኳ እንተኾነ ጕዕዞ ንስሓ ግድን የድሊ፤ ስለዚ ቤተ ክርስትያን ነዞም ሰባት እዚኦም ብፍሉይ መንገዲ እንክተሰንዮም ነቲ አብ ማእከል ትምህርታን ምሕረትን ዘሎ ነገራት አስተውዒላ ክንዮ ከልኪለካ አሎኹ ተፈቂዱልካ አሎ ዘይኮነስ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ አብ ዝጸሓፎ ቀዳማይ መል እኽቱ ዝብሎ “ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ። ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ ኸኣ ንብልዒ እዩ፡ ኣምላኽ ግና ነዝን ነትን ኬጥፍኦም እዩ። ስጋ ንጐይታ፡ ጐይታውን ንስጋ እዩ እምበር፡ ስጋስ ንምንዝርና ኣይኰነን።” (6፡12) ዜሩ ዜሩ አብ ኅልና ናይቲ ክርስትያን ብምውራድ ክንዮ ሕጊ ሰጊርካ መድብ እግዚአብሔር አብ ሕይወቱ እንታይ ምዃኑ ከለሊ ንክኽእል ምሕጋዙ የድሊ ዝብል ሓሳብ እውን ቀሪቡ፣

ብድሕሪዚ ብዛዕባ ንሕጹያት ክግበር ዘለዎ ምስንዳው ክንዲ አብ ሰነዳትን ሕጋውነትን ምትኳር እቶም ንመጻኢ ክምርዓው ዚሓስቡ ሕፁያት ብሓቂ ጸዋዕታኦም ምዃኑ አለልዮም ንክኽእሉ ብትምህርትን አስተንትኖን ጸሎትን ብምድጋፍ ብሓቂ አብ ቃል አምላኽ ዝተመርኰሰ ምልላይ ጸዋዕታ ኪዳን ክገብሩ ምድጋፎም የድሊ፣ ንተጻመድቲ ጥራይ ዘይኮነ ንምሉእ ቤተሰብ እውን ስለዝምልከት ኩሉ ክተሓባበር አለዎ፣ ልዕሊ አብዚ ግላውነት ዓብሊልዎ ዘሎ ዘመንና ርክብ ክትፈጥር ዳርጋ ዘይከአል እናኾነ ዝመጸሉ ዘሎ ንኩሉ ከተተሓባብር ውዓል ሕደር ዘይድልዮ ጉዳይ እዩ፣ እዚ ምስናይ እዚ ቃልኪዳን ምስ አሰሩ ደው ዝብል ክኸውን የብሉን ድሕሪ መርዓ እውን ምክትታልን ምጕሳይን ዘድልዩ ስለዝኾነ ጓሶት ንናይ ድሕሪ መርዓ ዝምልከት እውን መደብ ጕስነት ክሕንጽጹ ከምዘለዎም ተመልኪቱ፣ ድሕሪ ቃል ኪዳን እውን ብዙሕ ግድል ስለዘሎ ንጾታዊ ሕይወት ዝምልከትን ር.ሊ.ጳ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ አብ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ሕይወት ሰብ ህዩማነ ቪተ ዘስተምሃርዎን ዓው ቢልካ ክተስተምህሮ ዘሎካ አቅዋም ቤተ ክርስትያን ምዃኑ አዘኻኺሮም፣ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝኸይድ ርክብ ወለድን ውሉድን እውን አሎ፣ አቦ ይኹን አደ አብ ሥነመዕበያ በቦታኦም ስለዘለዎም ንውሉድ ቦታ አቦ ወይ ቦታ አደ ክደባለቆ የብሉን፣ አቦ አቦ ክኸውን አደ ከአ አደ ክትከውን አለዋ፣ ሓደ ካብቲ አበው አብ ነአሽቱ ጉጅለታት ክዋስ ኡሉ ተሓንጺጹ ዘሎ ነዚ ዝርኢ እንክኸውን ወለዲ እንክፈላለዩ ውሉድ ዘጓንፎም ጸገማትን መፍትሒኦምን እውን ተዘሪቡሉ፣

አብ መወዳእታ ነቲ ነዚ ተል እኮ ጕስነት ክገብሩ ዘለዎም ካህናት ፍሉይ ምስንዳውን ተገዳስነትን ከምዘድልዮም አብ ቦታ ቤተክርስትያን ኮይኖም ከም አደ ልኡኻት እግዚአብሔር ኮይኖም ከአ ከም አቦ ንክሰርሑ መሓርትን መሃርትን ክኾኑ ፍሉይ ኵስኰሳ ክግብረሎም ንዝብል እውን ኵስኰሳ ካህናት ቅድምን ድሕርን ክህነትን አገልግሎትን ቀጻሊ ክኸውን ከምዘለዎ ብምዝኽኻር አብነት ሕያዋይ ጓሳ ዝኽተል ነባጊዑ ዘፍቅርን ም እንታኤን በጃ ክሳብ ምሕላፍ ስንድውን ጓሳ ምርካብ ክንደይ ሠናይ ከምዝኾነ ብምግላጽ ከም መደምደምታ ቤተክርስትያንን ካልኦት ተቅዋማትን አብ ሥድራቤት አ እጃመን ከበርክታ ብምምሕጻን ጉባኤ ተዛዚሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.