2015-10-13 15:57:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ሓቀይና ልኡካነ ወንጌል ንምዃን ኢየሱስን ሕዝብን ምፍቃር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓመታዊ ራብዓይ ዋዕላ ናይ ኣርጀንቲና ብሔራዊ ጉጅለታት ልኡካን ተልእኾ ምኽንያት፦ ተልእኾ ኢየሱስ ካብ ምፍቓር ዝብገስ ነቲ ናቱ ሕዝቢ ምፍቓር ድማ ዝሓትት እዩ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘመእከለ መእልኽቲ ከምዘመሓላልፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ሳንቲያጎ ደል አስተሮ ከተማ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ጉጅለታት ብሔራዊ ልኡካን ልዕሊ 2 ሺሕን ክልተ ሚእትን ኣባላት ተልእኾ ኣግባብ ሕይወት እዩ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሐ ዘተ የካይዱ ከምዘለዉ እንክሕበር ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ፦ “ልኡካነ ወንጌል ቅድሚ ምዃንን ወንጌል ቅድሚ ምብሳርን ምብጻሕን ቅድም ቀዳድም ምስ ኢየሱስ ምርኻብን ብኣኡ ንኽትርከብ ምፍቃድን እቲ ንድኻምነትና ክፍውስ ንእሽተይ ኰይኑ ናባና ነቲ መዋቲ ስጋና በቲ ዘይመወት ስጋኡ ዳግም ንኽልብስ መዋቲ ስጋና ለቢሱ ዝመጸ ኢየሱስ ምርአይን ምርኻብን ይሓትት ቢሎም፣ ኢየሱስ ዕለት ብዕለት ክራኸበና ካብ ጸገም ንኸናግፈና ነኸተንስኣና ኣእዳዉ ይዝርግሓልናን ምሳና ሓቢሩ ይጓዓዝ እታ ፈላሚት ርክብ ምስ ኢየሱስ እቲ ብወለድናን ኣቦ ሓጐታትናን ኣደ ኣባይናን ብመምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣቢልና ብስራተ ወንጌል ብሓጎስ ዝተቐበልናላ ዕለት እያ። ንሓድ ሕድኩም ብጸሎት ተዘኻኸሩ፣ ጸላያን ኩኑ ኢየሱስ ድማ ዘደንቕ ነገራት ኩሉ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ከፍጽም እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እውነተይና ልኡካነ ወንጌል ንምዃን ሕዝቢ ምፍቃር ይሓትት

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እውነተይና ልኡካነ ወንጌል ንምዃን ንጐይታ ጥራሕ ዘይኰነስ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ምፍቃር የድሊ፣ በቲ ስቅያቱ ኣቢሉ ናይ ፍጥረት ሰብ ስቓይን ብርህራሄን ብተኻፋልነት ስቓይን ተምሳጥን ምሕረትን ኣቢሉ ዝትንክፍን ናቱ ዝገብርን ኢየሱስ ዓይኒ ምጥማት ከምዘድሊ ቅዱስ ኣቦና ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣተሓሳሲቦም ኣብ ብጻይካ ኣብቲ ካባኻ ዝተፈልየ ካልአ ኢየሱስ ምርኣይን ልብኻ ብምንጻሕ ካብ ንኣይነትን ኣነነትን ካብ ሕቡእ ዕላማን ካብ ዓለማውነት ድላይ ልብኻ ናጻ ምግባር ኣብ ብጻይካ ኢየሱስ ምርኣይ የብቅዓካ ቢሎም እቶም ናይቲ ጉባኤ ተሳተፍቲ እታ ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተምታትን ህልውናን እተብል ቤተ ክርስቲያን ሓነጽቲ ብምዃን ነቲ ኣብ ልባትና ጐይታ ዘንበሮ ሓጐስ ኣካፍሉ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.