2015-10-10 16:35:00

ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ዕለት 9 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዋዕላ ሲኖዶስ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከምቲ ልሙድ ብሰለስተ ዝተፈላለዩ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ብፁዓን ጳጳሳት ተሰንዮም ኣብ ነናይ ዕለቱ ናይ ሲኖዶስ ከይዲ ኣማእኪሎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ንመጹ ልኡኻት ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር፣ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ዝህብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምቕጻል፣ ኣባ ሎምባርዲ ናይ ዕለት 9 ጥቅምቲ ዋዕላ ኣመልኪቶም፣ እቲ ኣብ ናይ ሲኖዶሶ ናይ መጋበርያ ዕዮ ሰነድ ቀዳማይ ክፍሊ ኣሞርኵይዞም ብፁዓን ናይ ሲኖዶስ ኣበው ብ13 ናይ ንኡሳን ጉጅለታት ተመዳዲቦም ዕለት 9 ጥቅምቲ ናይ ዘካይድዎ ዘተ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምእተዘርግሔ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጐሆ ኣብቲ ሲኖዶስ ተረኺቦም ቅድሚ ጸሎት ምዕራጉ ስለ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ስለ እቲ ዝረአይ ውጥረትን ውግእን ክጽለ ሕደራ ከምዝበሉ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም።

ኣባ ሎምባርዲ ኣብቲ ዝህብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስኦም ንዝሓበሩ ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ታግለን ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኦሶሮ ሴራን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኩርትዝ ምስቶም ጋዜጠይናታት ኣላልዮምን ንሳቶም እውን ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ሂቦም።

ኣባ ሎምባርዲ ከምዝሓብርዎ እቲ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብፁዓን ናይ ሲኖዶስ ኣበው ብዝሓረይዎ ድርገት ዘይኰነስ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዘቕምዎ ድርገት ዝቐርብ እዩ፣ እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ድማ ሓድሽ ኣይኰነን ዓሚ እውን ኣብ ግብሪ ዝወዓለ እዩ፣ እቶም ናይዚ ድርገት ኣባላት ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ዓሚ ዝሓረይዎም 10 እያቶም እንክብሉ ኣባ ሎምባርዲ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ መሊሶም።

እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣቕራቢ ድርገት ነቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣቕሪቡን ኣብ ሲኖዶስ ዘተ ክግበረሉ ርእይቶ እውን ክወሃበሉ እዩ ምስ በሉ፣ ኣባ ሎምባርዲ ቀጺሎም ነፍሲ ወከፍ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ናቱ ዝዀነ ኣብቲ ሲኖዶስ ዘቕረቦ ሓሳብ ብዝምልከት ካብ መራኸቢ ብዙሃን  ብዝቐርበሉ ሕቶ መሰረት ክዛረብ ዝከኣል እዩ፣ ኰይኑ ግና ካልኦት ዝበልዎን በቲ ዝበልዎን ኣሞርኵይዙ ብኣሉታዊ ድዩ ብእወታዊ ፍርዲ እሰይኑ ንመራኸቢ ብዙሃን መግለጺ ክህቡ ፍቑድ ኣይኰነ እዚ ድማ እቲ ሲኖዶስ ካብ ዝኽተሎ ሕጊ ካብ ዝእዝዞ ሓደ መምርሒ ምዃኑ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.